ትምህርቲ ሞያ

ሓደ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብዝያዳ ተደላዪ ይገብረካ። ንዋሕዲ ሰራሕተኛታት ዘለውዎም ሞያታት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ኣሎዉ።

Arbetsmarknadsutbildning

ሓደ ናይ ዕዳጋ ስራሕ ትምህርቲ፡ ኣብ እቲ እዋናዊ ዕዳጋ ስራሕ ብዝያዳ ተደላዪ ይገብረካ እዩ። እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ፍሉይ ወሃብ ስራሕ ብሓባር ብፍሉይ ዝተዳልወን ብዙሕ ግዜ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ዘምርሕን እዩ።

Individuellt pedagogiskt stöd vid utbildning

ካብቶም ናትና ትምህርታዊ ጻዕርታት ኣብ ገሊኦም ክትሳተፍ ከሎኻ፡ ምስ ናውቲ ሓገዝ ዝተማልኣ ስነ-ምምህርናዊ ደገፍ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

Studiestöd för utbildning på grundskole- och gymnasienivå

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ፡ስራሕ ክትረክብ ዘለካ ዕድል ክብ ይብል።ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተመሃርካዮ መሰረታዊ ትምህርትኻ ብሓገዝናን ሓገዝ ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ወስኸሉ።

Uppdragsutbildningar för akademiker

ናይ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዘሎካ ብሞያኻ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወርቐት ክትረኽበሉ ትገብሮ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትሓልፎ በቲ እተመዘዘ ትምህርቲ (uppdragsutbildningar) ብምክፋል ከተማልእ ትኽእል።