Studiestöd för utbildning på grundskole- och gymnasienivå

መብዛሕቶም ስራሕ መሰረታዊ ትምርህቲ ክህልወካ ይጠልቡ።ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ክብ ከተብል ሞያዊ ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደረጃ ትምርህቲ ክትወስድ ትኽእል።ብኣናን ብካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ንኽትመሃር ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክፍሊት-ትምህርቲ እንዳወሰድካ ተምሃር

ክፍሊት-ትምህርቲ፡ሓገዝን ልቓሕን ዝሓዘለ ንኽትመሃር ብሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ዝወሃብ ገንዘብ እዩ።እቲ ትምህርቲ ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ፡ኣብ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ)፡ኣብ ሞያዊ ቤ/ት፡ኣብ ኮለጅ፡ዩኒቨርሲትን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከባ ገሊአን ኣብያተ-ትምርህትን ክኸውን ይኽእል’ዩ።ኣብ ገሊኡ ኲነታት፡ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንኽትመሃር ብሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ዝወሃብ ሓገዝ ክብ ክብል ይኽእል’ዩ።እቲ ሓገዝ ክብ ምስ ዝብል ብዙሕ ምልቃሕ ኣየድልን።ብዝያዳ ከመይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ኣብ መካነ-መርበር ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ኣቲኻ ረአ።

ብሲ.ኤስ.ኤን (CSN) - ክፍሊት-ትምህርቲ

ብሲ.ኤስ.ኤን (CSN) - ንገሊኦም ምህሮታት ዝወሃብ ክብ ዝበለ ሓገዝ

ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ

እዚ ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ካብ ሽወደናዊ ሓገዝ ተመሃሮ (CSN) ንዓኻ ትሰርሕ ወይ ኣብ ቀርባ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ እሞ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ተደላይ ምእንቲ ኽትከዉን ንኽእለትካ ንኸተዛይዶ ክትምሃር ትደሊ ይምልከት።

ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ክሳብ 80 ሚእታዊት ካብ ደሞዝካ ዝበጽሕ ኣበርክቶ ዝሓዘ እዩ እዚ ክሳብ ኣብ ዉሱን ዝኾነ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እዩ፡ እንድሕሪ ደሊኻ ነቲ ኣበርክቶ ብለቓሕ ከተማልኦ ትኽእል ኢኻ፡ ነዚ ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ ንምርካብ ገለ ክማላእ ዘለዎ ስያመታት ኣሎ ንምሳሌ ቅድሚ እዚ ናይ ደገፍ መመልከቲ ናብ CSN ምምጽኡ ካብ 24 ወርሒ እንተ ዉሓደ እተን 12 ወርሓት ዝሰራሕካ ክትከዉን ኣሎካ።

CSN ናይ ዳግመ-ምምዕርራይ ደገፍ (csn.se)

ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ(ስቱዲዮ ስታርት ስተድ) እንዳወሰድካ ተመሃር

ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ ንገለ ስራሕ-ኣልቦ ዝኾኑ ካብ ማእከላይ ሽማገለ ትምህርቲ (CSN) ናይ ስራሕ ዕድሎም ክብ ንምባል ንኽመሃሩ ዝወሃብ ሓገዝ እዩ።ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ ሓገዝ ጥራሕ ስለዝኾነ፡ለቓሕ ምውሳድ ኣየድልን።እቲ ምህሮ ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ(ኮንቩክስ)፡ኣብ ቤ/ት ካልኣይ-ደረጃ ወይ ኣብ መሰረታዊ ደረጃ ቤ/ት(ካብ 1-9 ክፍሊ) ወይ ድማ እቲ ምህሮ ሓፈሻዊ ትምርህቲ ምስ ዝኸውን ኣብ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ) ክኸውን ይኽእል እዩ።ምሉእ መዓልቲ ምስ ትመሃር ን50 ሳምንቲ፡ፍርቂ መዓልቲ ምስ ትመሃር ድማ ን100 ሳምንቲ እቲ ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ ክወሃበካ ይኽእል።

ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ ክወሃበካ እንተኾይኑ ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ ኣለካ

  • ዕድሜኻ 25-60 ዓመት
  • ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ምስ ዝህልወካ
  • ስራሕ ንኽትረክብ፡ኣብ መሰረታዊ ወይ ካልኣይ-ደረጃ ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስ ዝኸውን
  • ቅድሚ ምምልካትካ ወይ እቲ ትምህርቲ ምጅማሩ፡ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብጠቕላላ ብውሑዱ ን6 ኣዋርሕ ስራሕ ኣልቦኛ ምስ ትነብር ወይ ቤ/ጽ ዕዮ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ምስ ትሳተፍ
  • ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ካብ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ክፍሊት-ትምህርቲ ዘይወሰድካ ምስ ትኸውን።

ቅድሚ ደገፍ ምጅማር-ትምህርቲ ምምልካትካ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ-ዞባ(ኮሙን) ዘሎ ኣማኻሪ ትምህርትን ሞያን ክትረክብ ኢኻ።ሓቢርኩም ናይ ትምህርትኻ መደባት ትሕንጽጹን ነቶም ዝምልከቱኻ ሓገዝን ልቓሕን ድማ ትፍትሽዎም።እቲ ደገፍ ምጅማር-ትምርህቲ ከም ዝምልከተካ ምስ ተሰማማዕኩም ድማ ተመልክቱ።

ብዛዕባ’ዚ ከመይ ምዃኑ ኣብ መካነ-መርበብ ሲ.ኤስ.ኤን(CSN) ተመልከት።

ብሲ.ኤስ.ኤንን(CSN) ደገፍ ምጅማር-ትምህርትን

ደገፍ ካብ ቤ/ጽ ዕዮ እንዳ ወሰድካ ተመሃር

ትምህርቲ እንዳ ተመሃርካ ከለኻ ንጥፈታዊ ክፍሊት ወይ ዕብየታዊ ክፍሊት እንተ በዝሐ ን12 ኣዋርሕ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።እቲ ትምህርቲ ክፍሊት እንዳወሰድካ ጀሚርካ ክሳብ መወዳእታኡ ተብጸሖ ክኸውን ይክእል። እቲ ትምህርቲ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዝወስድ ምስ ዝኸውን ድማ ነቲ ዝተረፈ ግዜ ካብ ሲ.ኤስ.ኤን መምሃሪ ሓገዝ/ልቓሕ ከተመልክት ትኽእል። ስራሕ ኣብ ምርካብ ንኽሕግዘካ ምእንትን፡ንጥፈታዊ ደገፍ እንዳወሰድካ ንኽትመሃር ዝውስን ቤ/ጽ ዕዮ እዩ።

ንጥፈታዊ ክፍሊት ወይ ዕብየታዊ ክፍሊት እንዳ ወሰድካ ክትመሃር እንተ ኾይንካ ግድን ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ምዝጉብ ክትኸውን ከም ዘለካን ስራሕ ኣልቦኛ ዝኾንካ ወይ ተሳታፊ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ክትኸውን ኣለካ። ኣብ ውሕስነት ስራሕ ናይ መንእሰያት ተሳታፊ ምስ ትኸውን ንጥፈታዊ ክፍሊት እንዳወሰድካ ኤስ.ኤፍ.ኢ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምምሃር ኣይከኣልን።ተሳታፊ መደብ መትከሊ-እግሪ ምስ ትኸውን ድማ ኣብ ክንዲ ንጥፈታዊ ክፍሊት ትወስድ፡ክፍሊት መትከሊ-እግሪ እንዳ ወሰድካ ክትመሃር ትኽእል።

ንጥፈታዊ ክፍሊት እንዳወሰድካ ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ:

  • ብደረጃ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ኮማዊ ቤ/ት ኣባጽሕ(ኮምቩክስ)
  • ብደረጃ መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ኮማዊ ቤ/ት ኣባጽሕ(ኮምቩክስ)
  • ሓፈሻውያን ዓውድታት ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላን)
  • ንኣብነት ኤስ.ኤፍ.ኢ የሕቢርካ ምስ ካልኦት ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ ዝወሃቡ ዓውድታት
  • ኣብ ኮማዊ ቤ/ት ኣባጽሕ ዝወሃብ ፍሉይ ትምርህቲ፡ ማለት ዕብየታዊ ስንክልና ምስ ዝህልወካ ፍሉይ ትምህርቲ ኣብ ኮማዊ ቤ/ት ኣባጽሕ ኣሎ።

ንጥፈታዊ ክፍሊት እንዳ ወሰድካ ትወስዶ ትምህርቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል።ንኣብነት ሞያዊ ትምርህቲ፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ(ሳስ) ወይ ድማ 2ይ ደረጃ ትምርህቲ ዘይወዳእኻ ዝተረፈካ ምስ ዝህልወካ ነቲ ትምህርቲ ክትውደኦ ትኽእል። ወይ’ውን ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ት ሓፋሽ(ፎልክ ሀግስኮላ) ሓፈሻውያን ዓውድታት ክትመሃር ትኽእል። ካልእ ኣማራጺ ድማ ብመባእታዊ ደረጃ ዝወሃቡ ዓውድታት ኣብ ቤ/ት ኣባጽሕ ክትመሃር ትኽእል።

ኣብ ውሕስነት ስራሕን ዕብየትን ተሳታፊ ምስ ትኸውን ንጥፈታዊ ክፍሊት እንዳ ወሰድካ ኣብ ሞያዊ ኮለጅ፡ ኣብ ኮለጅ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ት ሓፋሽ ዝወሃቡ ድሕረ 2ይ ደረጃ ትምርህቲ ክትመሃር ትኽእል።

ደረኽትን መሪሐ መንገድን ዝኾኑ ዓውድታት

ኣብ መጻኢ ንኽትመሃር ክትዳለወሎም ትኽእል ብዙሓት መንገድታት ኣለዉ። ምናልባት እቶም ዝጥለቡ ነገራት ኣየማላእካዮምን ትኸውን ወይ እንታይ ከትመሃር ከም ትደሊ ኣይትፈልጥን ትኸውን።ወይ’ውን ነቲ ትምህርቲ ትደልዮን ዘይትደልዮን ወይ ትኽእሎን ዘይትኽእሎን ምዃንካ ርግጸኛ ኣይኮንካን ትኸውን።ቤ/ጽ ዕዮ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ብዙሓት ደረኽትን መዳለውትን ዓውድታ ኣለዉዎ።

ብመንገዲ ቤ/ጽ ዕዮ ዝወሃቡ ንመጻኢ ትምህርቲ ዘዳልዉኻ ብዙሓት ደረኽትን ኣዳለውትን ዓውድታት ኣለዉ። ሒደት ኣብነታት እነሆ፡

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ