ኣብ መደባት ቅድመ ኹነታት ካሕሳ
ኣብቲ መደብ እንትሳተፉን ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ደገፍ ዕብየት ወይከዓ መትከል እግሪ (utvecklings- eller etableringsersättning) እንትቕበሉን፤ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ክእልሹን በቢወርሑ ፀብፃብ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከእትዉልናን የድልዮም። መጠንቀቕታ ናይ ምቕባልን ንሓደን ካብኡ ንላዕልን መዓልትታት ብዘይጥቕማቕምታት ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምውጋድ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣብዚ ከንብቡ ይኽእሉ።
እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም እንሆ
ኣለሻ ስርሖም ብሕማቕ ኣገባብ ናይ ምክያድን ንሓደን ካብኡ ንላዕልን መዓልታት ብዘይካሕሳ ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምውጋድ፣ ብንቕሓት ስራሕ ክእልሹን ምሳና ዘለዎም ትልሚ ክኽተሉን የድልዮም። ካብ ኣቕረብትና ብሓዲኦም ዝድገፉ እንተኾይኖም፣ ኣብኡ ምስ ዘሎ ተቖፃፃሪኦም ዘለዎም ትልምን ስምምዓትን እውን ክኽተሉ የድልዮም።
እዚ ማለት፦
- ብንቕሓት ዝስማዕምዕዎም ስራሕቲ ምእላሽ የድልዮም (ብዘይካ፤ ኣብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ኣብ ዝረኽቡዎ፤ ትልሚ ግብሮም ብኻልእ እንተዘይተገሊፁ)፦ ዝተወዓውዑ ስራሕቲ፣ ንሕና ንኸመልክቱ ዘማኸርናዮም ወይ ዘተባባዕናዮም ስራሕትን ከም ዝርዝር ተመክሮ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ብምግዳፍ፤ ብዓርሰ ተበግሶ ዝተገበሩ መመልከትታትን።
- ንኸመልክቱ ናብ ዘተባባዕናዮም (ዝሓበርናዮም) ስራሕቲ ወይ ኮርስ ስልጠናታት ምምልካት የድልዮም
- ዘመልከቱዎም ስራሕትን ካልኦት ዝገበሩዎም ንጥፈታትን ብምዝርዛር ሕድሕድ ወርሒ ኣብ መንጎ ዕለት 1ን 14ን ብዘሎ እዋን ፀብፃብ ንጥፈት ናባና ምእታው የድልዮም።
- ስራሕ ከመይ ከም ዝርከብ ትልሚ ግብሪ ንምድላው ምስና ምስራሕ የድልዮም
- ኣብ መደቦም ኣብ ንጥፈታት ምስታፍ የድልዮም
- ምሳናን ምስ ኣቕረብትናን ኣብ ኣኼባታት ምስታፍ የድልዮም
- ንኽንድውለሎም ምስተስማዕምዑ ቴሌፎኖም ምልዓል የድልዮም
- ንዓናን ንኣቕረብትናን ኣብ ቆፆሮ ሰዓታት ምርካብ የድልዮም።
ስራሕ ኣልቦነቶም ናይ ምንዋሕን ንዝተወሰኑ መዓልታት ብዘይ ካሕሳ ናይ ምፅናሕን ስግኣት ንምቕናስ፤ ነዞም ዝስዕቡ ክቕበሉ ኣለዎም፦
- ዝቐረቡሎም ስራሕቲ
- ንኸመልክቱ ዝጋበዝናዮምን ተቐባልነት ዝረኸብሉን ስልጠና
- ቃለ-ምሕተት ስራሕ፤ ዕድል ስራሕ ንምርካብ እውን ዝከኣሎም ምግባር
- ኣብ መደቦም ዝቐርብሎም ንጥፈታት።
ሓደሓደ ግዘ ኣብ ፀብፃብ ንጥፈቶም ኣመልኪተ እየ ኢሎም ናብ ዘፍለጡዎም ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ንምርኣይ ክትትል ንገብር ኢና። ስለዚ ናብቶም ስራሕቲ ከም ዘመልከቱ ንምርኣይ እንተንኣሰ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዝኾኑ ደገፍቲ ሰነዳት ምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ።
ክገብርዎ ዝግባእ እንተዘይገይሮም ከምዚ እዩ ይኸውን
ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብቲ መደብ ንካሕሳ ዝኾኑ ቅድመ ኹነታት ከም ዘማልኡ የረጋግፅ። ኣለሻ ስርሖም ብሕማቕ ኣገባብ እንተካይዶም ወይከዓ ስራሕ ኣልቦነቶም እንተናዊሖም፤ ናብ መጠንቀቕታ ወይከዓ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልትታት ካብ ካሕሳ ናብ ምእጋድ ከምርሕ ዝኽእል ምርመራ ንጅምር ኢና።
ካብ ኣቕረብትና ብሓዲኦም ዝድገፉ እንተኾይኖም፤ ኣብ ንጥፈታት ወይ ኣኼባታት እንተዘይተረኺቦም ወይከዓ ብኻልእ መልክዕ ንመርኃግብሮም እንተዘይተኸቲሎም፣ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ናይ ምፍላጥ ግዴታ ኣለዎም እዩ። ንሶም ዝገበርዎ ዝኾነ ነገር ስራሕ ኣልቦነቶም ንኽናዋሕ ዝገብር እንተኾይኑ ከፍልጡና ኣለዎም። ተቖፃፃሪኦም ንምኽንያት ብኲራት ፍሉይ ኩነታት ወይ ሸለልታ ክገብር ኣይኽእልን፤ ኮይኑ ግና ኩሉ ነገር ናባና ፀብፃብ የቕርብ።
ንሕና ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምርመራ እንተጀሚርና ብደብዳበ ክንረኽቦም ኢና። ካብኡ ቅድሚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ምውሳንና ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ዕድል ይህልዎም።
እንተሰሪሖምን ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነት እንተማሊኦምን
እንዳሰርሑን ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነት ኣማሊኦም እንተነይሮምን፤ እዚ ናይ ሒደት መዓልትታት እገዳ ወይ መጠንቀቕታ ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ተደጋጋሚ እገዳታት ካሕስኦም ተቐኒሱ እንተኾይኑ፤ ናይ ስራሕ ኩነታት እንተማሊኦም፣ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) መጠን ካሕስኦም ናብ ዝነበሮ ክምልስ ይኽእል እዩ።
ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነታት ከም ዘማልኡ ዝውስን ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም (a-kassa) እዩ። ንሶም ከምዚ ንኽገብሩ ነቲ ቅጥዒ ብምምላእ ናብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ክልእኽዎ የድልዮም፦
ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነታት ሰርቲፊኬሽን ንምርካብ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ይሕተቱ (ብሽወደንኛ) Pdf, 1012 kB.
ካብ ካሕሳ እንተተኣጊዶም SGIዮም ብኸመይ ከም ይፅለው
ነቶም ቅድመ ኹነታት ዘየማልኡ እንተኾይኖምን ካሕሳ ካብ ምቕባል እንተተኣጊዶምን፣ እዚ ናይ ሕማም ጥቕማጥቕሚ መማልኢ ኣታዊ (SGI) ናይ ምርካብ መሰሎም ክፀልው ይኽእል እዩ። ናይ SGI ቅጥዕታቶም፤ ንኣብነት ኣብ ወለድኣዊ ዕረፍቲ እንተኾይኖም ንኽንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝረኽቡ መሰረት እዮም። ብዛዕባ እዚ ዝኾነ ሕቶ እንተልዩዎም ንኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ይርከቡ።
ውሳነና ጌጋ እዩ ኢሎም እንተሓሲቦም
ግጉይ ውሳነ ከም ዝወሰንና እንተሓሲቦም ደጊሙ ንኽረኣየሎም ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ነቲ “ናይ መጠንቀቕታ ወይ ማዕቐብ ውሳነ ዳግማይ ንኽረአ ጥያቐ” (Begäran om omprövning av beslut om varning eller sanktion) ዝብል ቅጥዒ መሊኦም ናባና ይስደዱ።
ብኲራት ምፍላጥ
ኣብ ዝሓመሙሉ ወይከዓ ዝሓመመ ህፃን ዝሕብሕቡሉን ኣብ መደቦም ክሳተፉ ዘይኽእልሉን ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከፍልጡና የድሊ። ናይ ዕረፍቲ ግዘ እንተደልዮም መጀመርያ ክረኽቡናን (ብሽወደንኛ) ክፀድቀሎምን ኣለዎ።
ከም ደንቢ፣ ኣብ እዋን እቲ መደብ ኣብ ወፃእ ሃገር ምዃን ኣይፍቀድን። ሓደሓደ ፍሉያት ኩነታት ኣለዉ። ከምዚ እንከሎ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ፍቓድ ከይረኸቡ ናብ ወፃእ ሃገር እንተተጓዒዞም፣ ኣብቲ መደብ ዘለዎም ቦታ ክስእኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ካሕስኦምን ኣብቲ መደብ ኣብ ዘለዉ ንጥፈታት ናይ ምስታፍ ዕድሎም እውን ይስእኑ ማለት እዩ።