ኣብ ፕሮግራም መትከል እግሪ ንእትሳተፍ ዚወሃብ ደገፍ

ኣብ መደብ መትከል እግሪ፡ ሽወደንኛ ኣብ ምምሃርን፡ ስራሕ ረኺብካ ርእስኻ ኣብ ምኽኣልን ዚሕግዙኻ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል።

Arbetsintegrerande övningsplatser

እቲ ደገፍ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ እዋን ዝተፈለኻን ብናይ ስራሕ ክእለትካን ኣብ ኣየናይ ስራሕ ከም ዝሰማማዕካን ትጠራጠርን እዩ ዝምልከት።

Arbetspraktik/praktik

ናይ ስራሕ ሂወት ተመኩሮ ከተጥሪን ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል ከተዕብዮን የድልየካ ድዩ? እምበኣር ናይ ስራሕ ልምምድ ንዓኻ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልምምድ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ንምኽፋት ትቀራረብ ዘሎኻ ሓደ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

Etableringsjobb

ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም ወይከዓ ኣብ ሓድሓደ ናይ ሓደሽቲ ምድባት ኣባል እንተኾይኖም፤ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ እግሮም ንክተኽሉ መትከሊ እግሪ ስራሕ (etableringsjobb) ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

Etableringsprogrammet

መደብ መትከሊ-እግሪ፡ንጥፈታትን ትምህርትን ዝሓቘፈ ኮይኑ፡ነቶም ኣብ ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ቋንቋ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ተማሂሮም ስራሕ ረኺቦም ነብሶም ንኽኽእሉ ዝሕግዝ መደብ’ዩ።

Förmedlingsinsatser

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት ንስራሕ ከተናዲ ወይ ትምህርቲ ንኽትጅምር ዘድልየካ ዝድግፍ ሓደ መደብ እዩ፡ ካብቶም ኣቕረብትና ከም ደገፍ ሓደ ተቖጻጻሪ ማለት ትሓጋጋዚ ይግበረልካ።

Intensivår

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣብ መትከሊ እግሪ ምስ ትሳተፍን ብስሉጥ ኣገባብ ክትመሃር ወይ ኣብ ናይ ስራሕ-ቦታ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።ቀልጢፍካ ስራሕ ንኽትረክብ፡ነዚ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣብ ነጻ ግዜኻን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Introduktionsjobb

ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንምእታው ሓገዝ ከድልየካ ከሎ ነቲ መላለዪ ስራሕ ምስ ነቲ ዘሎካ ብቕዓትን ናይ መሃብቲ ስራሕ ጠለባትን ዘሓይል ትምህርትታት ብሓባር ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

Nystartsjobb

ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ፡ ወይ ንኣብነት ብምኽንያት ሕማም ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ርሒቕካ ዝነበርካ፡ ከም ብሓድሽ ንኽትጅምር ዕድል ይህበካ።

Projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning

ኣብቲ ተነብረሉ ቦታ ምስ ካልኦት ተዋሳእቲ ዄንና ነካይዶ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ ስራሕ ፕሮጀክት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ሓደ ብቑዕ ፕሮጀክት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንኽትሳተፍ ክትዕደም ትኽእል ኢኻ።

Rusta och matcha

እዚ ናይ “ምዕጣቕን ምግጥጣምን” (Rusta och matcha) ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልየካ ሰብ፥ ንዓኻ ኣብቲ ስራሕ ተናድየሉ ጊዜ፡ ደገፍ ንኪዀነካ ዝተዳለወ’ዩ። ነቲ “ወሃብ-ኣገልግሎት” (leverantör) ባዕልኻ ኢኻ ትመርጾ። ሽዑ ድማ ሓደ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዘብጽሓካ መገዲ ዚሕግዘካ “መራሒ” (handledare) ኪወሃበካ እዩ።

Svenska för invandrare, sfi

ከም ሓድሽ መጠን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ሽወደንኛ ትረክብ። እቲ ትምህርቲ በታ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካላ ኮሙን እዩ ዝዳሎ።

Utbildningsplikt

ግዴታነት ትምህርቲ ንዓኹም ነቶም ኣብ መደብ መትከሊ እግሪ እትሳተፉን ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘሎኩምን እዩ ዝምልከት። እዚ ማለት ከኣ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልኩም ምእንቲ ክዓቢ ብግዲ ክትምሃሩ ኣለኩም ማለት እዩ።

Utbildning på grundskole- och gymnasienivå

መብዛሕቶም ስራሓት መባእታዊ ትምህርቲ ክህልወካ ይጠልቡ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝወዳእካ እንተ ዄንካ ድማ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ ይውስኽ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣቃውማ ናይ ዝተፈላለዩ መደባት ደገፋትና ብቕዓትካን ክእለትካን ናይ ምዕባይ ዕድል ኣለካ።

Utbildning på universitet, högskola och eftergymnasial nivå

ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ንኸተዛይድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ብደረጃ ድሕረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብምምሃር ብቕዓትካ ከተዕቢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ሓዲሽ እንተ ድኣ ኴንካን ብዙሓት ሰባት ዘድልዮ ሞያ እንተድኣ ኣለካ ኾይኑን፡ ዝያዳ ብዙሓት ዕድላት ኣለዉኻ።

Validering

ምርግጋጽ ብቕዓት ክበሃል እንከሎ፡ ብቕዓትካን ፍልጠትካን ከምዝግምገም ምግባር ማለት እዩ። ኩሉ ብመንገዲ ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን መዓልታዊ መንባብሮኻን ዘጥረኽዮ ተመኲሮታት ማለት እዩ።