ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ - ብኸመይ ከም ዝሰርሕ
ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ንዓኻ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንነዊሕ ግዜ ተኣሊኻ ዝነበርካ፡ ስራሕ ክቘጽረካ ንዝደሊ ወሃብ ስራሕ ዝኽፈል ሓደ ክፍሊት እዩ።
ሓደ ወሃብ ስራሕ ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ስራሕ ክቘጽረካ ደልዩ ኣሎ
ገለ ካብቶም ጠለባት ተማልእ እንተ ዄንካ እዚ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ዝኸውን እንተ ኾይኑ ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ። ብትፈልጦም ሰባት ጌርካ ወይ ብመገድና ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ስራሕ ክቘጽረካ ዝደሊ ሓደ ወሃብ ስራሕ ርኸብ። እቲ ወሃብ ስራሕ ናባና መመልከቲ ክሰድድ ተማሕጸኖ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንሓደ ስራሕ ክቘጽረካ ዝደሊ ወሃብ ስራሕ ዝኽፈል ክፍሊት ምዃኑ ዘክሮ።
ኣብ ናተይ ገጻት (Mina sidor) ነቲ ቅጥዒ ምልኣዮ
ምልክታ ካብቲ ወሃብ ስራሕ ምስ ተቐበልና፡ ኣብቲ ናተይ ገጻት ዘሎ ናትካ ናይ ፍጻሜታት ሓበሬታ (händelseflöde) ሓደ ቅጥዒ ክርኣ እዩ። ብዛዕባ ናትካ ብኵራት ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘለካ ሓበሬታ ኣብኡ ትመልኦ። ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ክትረክብ ንኽትክእል፡ እቲ ብኵራትካ ብቝዕን (ንኣብነት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወይ ብኵራት ብምኽንያት ሕማም) ከምኡ’ውን ብመጠኑ ዝተተሓሓዘን ክኸውን ኣለዎ።
ንሕና ውሳኔ ንውስን
ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ውሳኔ ይውስኑ። እቲ ናትካ መልሲን ምናልባት ናይ ምስክር ወረቐትን ምስ ናይ ወሃብ ስራሕ ምልክታን እቲ ወሃብ ስራሕ ሓደ ሓደ ጠለባት ዘማልእ እንተ ኾይኑን ብሓባር መሰረት ናይቲ ውሳኔ ይኾኑ።
ስራሕ ትጅምር
ውሳኔ ምስ ወሰንና ብሓድሽ መጀምሪ ስራሕ ስራሕካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ንስራሕኻ ክፍሊት ይኽፈልን ንስኻ ድማ ሓደ ሓድሽ ምጅማር ትረክብን ማለት እዩ።
እቲ ዉሳኔ ምስ ወሰና ከም ሓድሽ ጀማሪ ስራሕ ተቖጺርካ ክትጅምር ትኽእል ፡እዚ ማለት እቲ ዉሃብ ስራሕ ንዓኽ ንኽቖጽረካ መተካእታ ገንዘብ ይኽፈሎ።
ንስኻን እቲ ዉሃቢ ስራሕን ነቲ ስራሕካ ዝምልከት ሓደ ናይ ስራሕ ዉዕል ክትምስርቱ ንመክር።
ብኸምዚ ኣገባብ ውሳኔ ንውስን
ናይቲ ዉሃብ ስራሕ መመልከቲ መልስን እቲ ኣብ ናተይ ገጽ (Mina sidor) ዝመልስካዮ ቅጥዕን (ወይ ብወርቐት ዝመለስካዮ ቅጥዒ) ምስ ተቐበልናዮ ምስ’ቶም ናይ ሓድሽ ምጅማር ስራሕ ዝጅምሩ ጉጅለ ንዓኻ ዝምልከትካ ምዃኑ ነጽንዕ ከምኡ ዉን ንግምግም፡ ንምሳሌ እንድሪ ድኣ ሓድሽ መጻኢ ኾንካ ወይ ካብ ናይ ስራሕ ህይወት ርሒቕካ እንተ ነበርካ ምስቶም እቲ ዕላማ ዝምልከቶም ጉጅለ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ወሃብ ስራሕ እውን ሓደ ሓደ ጠለባት ከማልእ ኣለዎ፣ ንኣብነት ናብ ብዓል መዚ ኣስፈጻሚ (Kronofogden) ዝተላእከ ናይ ግብሪ ዕዳ ወይ ብዙሕ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳታት (betalningsanmärkningar) ክህልዎ የብሉን።
ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንዓኻ ብኸምዚ ይጸልወካ
- ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ኣብ ናይ ወሃብ ስራሕ ናይ ግብሪ ሕሳብ ብመልክዕ ልቓሕ ዝተሓዝ ነቲ ናትካ ናይ ስራሕ ምቝጻር ዝወሃብ ሓደ ናይ መንግስቲ “ክፍሊት” እዩ።
- ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ንደሞዝካ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ወይ ንኽንደይ ንውሓት ስራሕ ተቘጺርካ ከም ዘለካ ኣይጸልዎን እዩ።
- ኣብቲ ናይቲ ዉሃብ ስራሕ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ (kollektivavtal) ተመዝጊቡ ዘሎ ደሞዝ ክትወስድ መሰል ኣሎካ፡ እቲ ዉሃብ ስራሕ ናይ ሓባራዊ ስምምዕ እንተ ዘይብሉ ዉን ከምቲ ካልኦት ናይቲ ጨንፈር ናይ ስራሕ ስምምዕ ዘለዎም ተመሳሳሊ ደሞዝ ክህልወካ ኣለዎ።
- ብሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዝቝጸር ስራሕ፡ ኣብ ሕጊ ውሕስነት ስራሕ (lagen om anställningsskydd, LAS) እቱው እዩ። እቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ሓባር ውዕል እንተ ኣለዎ ኾይኑ፡ ገለ ክፋላት ካብቲ ሕጊ ውሕስነት ስራሕ ብውዕል ተኣልዮም እዮም።
- ነቲ ወሃብ ስራሕ ዝወሃብ ክፍሊት ናይ ግዜ ገደብ ኣለዎ፡ እቲ ናትካ ስራሕ ግን ከምኡ ክኸውን ኣየድልዮን እዩ።