ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ቅጥዒ ከምዚ ጌርካ ትመልኦ

ኣስራሒ ስራሕ ንኽቘጽረካ፡ነታ ናይ ሓድሽ-ስራሕ(ኒስታርት ዮብ) መመልከቲ ቅጥዒ መሊኡ ምስ ለኣኻ፡ነታ ኣብ ሚና-ሲዶር ኣቲኻ ትረኽባ ቅጥዒ፡ግድን ክትመልኣ ኣለካ።

ኣብ’ታ ቅጥዒ፡ካብ ስራሕ ዓለም ተኣሊኻ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን ዝምልከቱ ሕቶታት ክትመልኦም ኣለካ፡ካብ ስራሕ ነዊሕ ተኣሊኻ ምስ ትነብር፡ሓድሽ-ስራሕ(ኒስታርት ዮብ) ንኽወሃበካ ዘሎ ዕድል ክብ ይብል።

ብመሰረት እቲ ንደገፍ ሓድሽ-ስራሕ(ኒስታርት ዮብ) ዝምልከት ድንጋገ (2018:43)፡ ሓድሽ-ስራሕ(ኒስታርት ዮብ) ንኽወሃበካ ክማልኡ ዘለዎም ጠለባት ንምግምጋም፡መልስታትካ ከድልየና እዩ።ነቶም ኣብ’ቲ ቅጥዒ ትህቦም መልስታት፡ንሕና ቤ/ጽ ዕዮ ጥራሕ ኢና ክንርእዮ ንኽእል።ኣስራሒ ነቲ ትህቦ መልሲ ኣይርእዮን እዩ።

ተወሳኺ ብዛዕባ ጠለባት ሓድሽ-ስራሕ(ኒስታርት ዮብ) ኣብ’ታ ንመን ትብል ኣርእስቲ ኣሎ

ነቶም ውልቃውያን ሓበሬታትካ ንኽንደይ እዋን ሰኒድና ንሕዞም?

ኣብ’ቲ መኽዘን-ሓበሬታ ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ-ዕዮ ዝስነዱ ሓበሬታታት ደላዪ-ስራሕ፡ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዘሎ ጒዳይ ናይ’ቲ ደላዪ-ስራሕ ምስ ኣብቀዐን እቲ ዘብቀዓሉ ዓመት ምስ ሓለፈን፡ድሒሩ እንተ ተባህለ፡ኣብ’ተን ዝመጻ ሰለስተ ዓመታት እቲ ተሰኒዱ ዘሎ ውልቃዊ ሓበሬታ ክስረዝ ኣለዎ።

ነቲ ናትካ ውልቃዊ ሓበሬታ ብከምዚ ኣገባብ ንሕዞ

ከምዚ ጌርካ ነቲ ቅጥዒ ትመልኦ

1. ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ሰሪሕካ ወይ ተማሂርካዶ ኔርካ? ትምህርትን ስራሕን ክልቲኡ ክትመርጾ ትኽእል ኢኻ።

እንድሕሪ ድኣ ሰሪሕካ

ኣብዘን ሓሙሽተ ዓመታት ዝሰራሕካለን እዋናት ምልኣየን።

ኣብቲ ትሰርሓሉ ዝነበርካ እዋን እቲ ትሰሓርሉ ዝነበርካ ደርጃ ሓደ ዓይነት ወይ ዝፈላለ እንተ’ነይሩ ግለጽ፡

እንድሕሪ ብሓደ ደረጃ ሰሪሕካ ኣብቲ እዋን ብኽንደይ ካብ ሚእታዊት ትሰርሕ ከም ዝነበርካ ግለጽ፡ ንምሳሌ ናይ ሙሉእ ስዓታት እንድሕሪ ትሰርሕ ኔርካ 100% ሃብ።

ትምሃር እንድሕር ኔርካ

እቲ ዝተማሃርካሉ እዋናትን ከምኡ ድማ እንታይ ከም ተመሃርካን ሓብር።

ካብዘን ዝስዕባ ኣብቲ ዝተመሃርካዮ ምረጽ፡ ኣብ ህዝባዊ ኮለጅ (folkhögskola)፣ ኣብ ናይ ምምሕዳር ከተማ ናይ ብጹሓት ትምህርቲ (kommunal vuxenutbildning)፣ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ/ኮሌጅ።

ከምኡውን እንተደኣ ቋንቋ ሽወደንን ጉዳይ ሕብረተሰብን ሽወደን ንወጻእተኛታት ተማሂርካ እንተኾንካ (SFI) ምርጽ።

ብናይ መራኸብቲ ስራሕ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትምሃር እንተ ድኣ ተወሲኑልካ ትምህርቲ ብመራኸብቲ ስራሕ (utbildning via Arbetsförmedlingen) ዝብል ምረጽ።

እንድሕሪ ተወሳኺ ትምህርትን ስራሕን ኣሎካ ከም ዝሰራሕካን ከም ተመሃርካን ክልቲኡ ተውሳኺ እዋናት ብምዋስኻ ክትመልእ ትኽእል ኢኻ።

እንድሕሪ ኣብዚ እዋን ማለት ኣብዚ 5 ዓመት ሰሪሕካ ወይ ተማሂርካ እቲ ንናይ ሓድሽ ምጅማር ስራሕ (nystartsjobb) ዘሎካ ዕድላት ጽልዋ ይገብረሉ እዩ።

2. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት መተካእታ ደሞዝ ሕማም (Sjukpenning) ወሲድካ ኔርካ ዲኻ?

መተካእታ ደሞዝ ሕማም (Sjukpenning)፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣየኖት መዓልታት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ሕማም ከም ዝወሰድካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ናብ ቤት ጽሕፈት መራከብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። መተካእታ ደሞዝ ሕማም ወሲድካ ምንባርካ ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

3. ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ተሃድሶ ክፍሊት (rehabiliteringsersättning) ወሲድካ ኔርካ ዲኻ?

ናይ ተሃድሶ ክፍሊት (rehabiliteringsersättning) ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣየኖት መዓልታት ናይ ተሃድሶ ክፍሊት (rehabiliteringsersättning) ከም ዝወሰድካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ናይ ተሃድሶ ክፍሊት (rehabiliteringsersättning) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

4. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ሕማም ክፍሊት ወሲድካ ኔርካ ዲኻ?

ክፍሊት ሕማም (Sjukersättning)፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣየኖት መዓልታት ክፍሊት ሕማም ከም ዝወሰድካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናብ ቤት ጽሕፈት መራከብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ክፍሊት ሕማም (Sjukersättning) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

5. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ክፍሊት ንጥፈታት (aktivitetsersättning) ወሲድካ ኔርካ ዲኻ?

ክፍሊት ንጥፈታት (aktivitetsersättning)፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ዝወሃብ ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣየኖት መዓልታት ክፍሊት ንጥፈታት (aktivitetsersättning) ከም ዝወሰድካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ክፍሊት ንጥፈታት (aktivitetsersättning) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

6. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ቍጠባዊ ሓገዝ (ekonomiskt bistånd) ወሲድካ ኔርካ ዲኻ?

ቍጠባዊ ሓገዝ (Ekonomiskt bistånd) ከም ቍጠባዊ ሓገዝ መነባብሮ (försörjningsstöd) እውን ዝፍለጥ ካብ ኮሙንካ ዝወሃበካ ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣየኖት መዓልታት ቍጠባዊ ሓገዝ ከም ዝወሰድካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ካብ ኮሙንካ ናብ ቤት ጽሕፈት መራከብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ቍጠባዊ ሓገዝ (Ekonomiskt bistånd) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

7. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ሓደ ውሑስ ስራሕ (skyddat arbete) ኔይሩካ ዲዩ?

ሓደ ውሑስ ስራሕ (skyddat arbete)፡ ኣብቲ ኮሙን ሓደ ንዓኻ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ስራሕ ኮይኑ እቲ ወሃብ ስራሕ ነቲ ናትካ ስራሕ ምቝጻር ክፍሊት ዝረኽበሉ እዩ።
ኣየኖት መዓልታት ሓደ ውሑስ ስራሕ (skyddat arbete) ከም ዝነበረካ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ካብ ኮሙንካ ናብ ቤት ጽሕፈት መራከብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ውሑስ ስራሕ (skyddat arbete) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

8. እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ንማእሰርቲ ተፈሪድካ ኔርካ ዲኻ?

ዝጀመረሉን ዝወድኣሉን ዕለት ናይቲ ዝተፈረደካ መቕጻዕቲ ምልኣዮ። ካብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ( Kriminalvården) ሃደ ወረቐት ምስኽር ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። እቲ ናትካ መልሲ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዝሰርሕ ተሓዝ ጕዳይ ጥራይ እዩ ዝርኣ። እቲ ናይ ዝተፈረድካሉ ንውሓት እዋን ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

9. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ወሲድካ ዲኻ?

ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ንኽትነብርን ክትሰርሕን ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ይወሃበካ። ቅዳሕ ናይቲ ኮድ ደረጃን ምዓስ እቲ ውሳኔ ከም ዝተወሰነን ዘርኢ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ውሳኔ ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ልኣኽ ወይ ግደፍ። ሓደ ሓደ ኮድ ደረጃ (klassningskoder) ነቲ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድልካ ይጸልዎ እዩ።

10. ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ቈልዓ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ኔርካ ዲኻ?

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት እንዳወሰድካ ይኹን ከይወሰድካ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኔርካ ኴንካ፡ እቲ ናይ መጀመርያን ናይ መወዳእታን ዕለት ምልኣዮ።

  • ናይቲ ቈልዓ ዕድመ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ንኣብነት ካብ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) ኣምጽእ። እቲ ቈልዓ ንኽልተ ዓመት ምሳኻ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ኔይሩ እንተ ኾይኑ ንዝሃብካዮ ሓበሬታ፡ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓቅነቱ የረጋግጽ እዩ።
  • ምስ ዝተራዕመ (ከም ውላድካ ተዕብዮ ቈልዓ) ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ ኔርካ። ከምኡ’ውን እቲ ቈልዓ ድሕሪ ምምጽኡ ንኽልተ ዓመት ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኔርካን።
    እቲ ቈልዓ ምዓስ ናባኻ ከም ዝመጸ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ኣምጽእ። እቲ ቈልዓ ናባኻ ድሕሪ ምምጽኡ እቲ ዝወሰድካዮ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ንኽልተ ዓመት ምንባሩ ንዝሃብካዮ ሓበሬታ፡ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓቅነቱ የረጋግጽ እዩ።
  • ኣብ ገዛ ዄንካ ንሓደ ዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ ኔርካ። ናይቲ ቈልዓ ዕድመ ዘርኢ ወረቐት ምስክር ንኣብነት ካብ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) ኣምጽእ። ኣብ ገዛ ምስ ሓደ ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝነበረ ቈልዓ እንተ ኔርካ ዄንካ፡ እቲ ግዜ ክስገር ዝኽእል (överhoppningsbar) እዩ። እቲ ካብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣብኵርካሉ ዝነበርካ ድምር ግዜ ክድመር ከሎ ኣዚ ግዜ እዚ ይስገር ወይ ኣይኣቱን ማለት እዩ። እዚ ግዜ ክትመልኦ ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ድምር ናይ ብቝዕ ብኵራትካ ዝተተሓሓዘ ወይ ተኸታታሊ ክኸውን ኣለዎ ናይ ሓድሽ መጀመሪ ስራሕ ዕድል ንኽትረክብ።