መሰላትን ግዴታትን

ኣብ እቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ክልቲኡ መስላትን ግዴታታትን ኣሎኻ፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር እቲ ወሃብ ስራሕ። ብዛዕባ ንዓኽ ከም ሰራሕተኛን ከምኡ’ውን እቲ ናትካ ወሃብ ስራሕን ዝምልከቱ ጕዳያት፡ ሕጊ ዕዮ ይብሃሉ።

መሰላትካ

ውዕል ናይ ስራሕ ምቝጻር

ናይ ዚተጻሕፈ ውዕል ናይ ስራሕ ምቝጻር ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። እቲ ውዕል ናይዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክህልዎ ኣሎዎ

  • ናይቲ ወሃብ ስራሕ ስምን ናይ ዋኒነ ትካል መለለዪ ቍጽርን
  • ናትካ ስምን ውልቃዊ መለለዪ ቍጽርን
  • እቲ ስራሕ ዝጅምረሉ ዝውድኣሉን ዕለት ዝሓዘ ንውሓት ግዜ
  • እቲ ስራሕካ ናይ ምሉእ ግዜ፡ ናይ ክፋል ግዜ ወይ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ጥራይ እንተ ኾይኑ
  • ክንደይ ደሞዝ ከም ዝህልወካ
  • ኣየኖት ዕዮታት ከም ዝህልዉኻ
  • ናይ ሞያካ መሰየሚ እንታይ ምዃኑ

ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነታት ኣንብብ

ስዓታት ስራሕ

ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣየኖት ምዃኖም እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ዚውስን። ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታታት እቲ ናይ ስራሕ ግዜኻ ትምዝግቦ ኢኻ። ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ተዓጻጻፊ ናይ ስራሕ ግዜ ዝብሃል ልሙድ እዩ። እቲ ተዓጻጻፊ ናይ ስራሕ ግዜ በቲ ናይ ስራሕ ቦታ ውሽጣዊ ውዕል ወይ እቲ ወሃብ ስራሕ ብዛዕብኡ ብወግዒ እንተ ሓቢሩ እዩ ዝምራሕ።

ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ መዓልቲ፡ ኣብ ሰሙንን ኣብ ዓመትን ክንደይ ክትሰርሕ ከም ዝፍቀደካ ሕጊ ዝሓዘ ሓደ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሕጊ ኣሎ።

ናይ ስራሕ ሰዓታት ሕጊ (av.se)

መደብ ግዜ ስራሕ

ኣብ ሓደ መደብ ግዜ ስራሕ፡ ኣየኖት መዓልታትን ግዜን ክትሰርሕ ምዃንካ ዝተሰማማዕኩምሉ እዩ። ሓደ ሓላፊ ስራሕ ኣብቲ ናትካ መደብ ግዜ ስራሕ ዘሎ ሓደ መዓልትን ስዓታትን ክትሰርሕ እንተ ዘይደልዩ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ ከምኡ ክንሱ ናይ ግድን ናይቲ ኣብ ውዑልኩም ዘሎ ሰዓታት ደሞዝ ክኸፍለካ ኣሎዎ።

ናይ ስራሕ ኣካባቢ፣ ሃዋህው

ንጥዕና ዝጐድእ ወይ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ተኽእሎ ከይሃለወ ስራሕካ ንኽትሰርሕ ዘኽእል ናይ ስራሕ ሃዋህው ንኽህሉ፡ ቀንዲ ሓላፍነት ዘሎዎ እቲ ናትካ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብቲ ሕጊ ናይ ስራሕ ኣካባቢ፡ ንወሃብ ስራሕን ካልኦት ናይ ድሕነት ሓላፍነት ዘሎዎምን፡ መጕዳእቲ ንኽከላኸሉን ሓደ ጥዑይ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንኽፈጥሩን ክስዕብዎ ዘሎዎም ሕግታት ኣሎዉ።

ሕጊ ኣካባቢ ስራሕ (av.se)

እንተ ተጐዲእካ

ኣብ ስራሕካ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙካ ወይ ተጐዲእካ፡ ካሕሳ ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። ነቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ብዓል መዚ ኣካባቢ ስራሕን ነቲ ምልክታ ናይ መግጕዳእቲ ከመሓላልፎ ግዴታ ዘሎዎ ወሃብ ስራሕካ ብምሕባር ጀምር። ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ምስቲ ናትካ ወኪል ድሕነት ተራከብ።

ናይ ስራሕ መጕዳእቲ ኣመልክት (anmalarbetsskada.se)

እንተ ሓሚምካ

እንተ ሓሚምካ ካብ ስራሕ ኣብዅርካ ኣብ ገዛኻ ክትከውን መሰል ኣሎካ። ከም ዝሃመምካ ከተመልክት ኣገዳሲ እዩ። ብኸመይ ከም ዝኸውን ድማ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ዝውስን። እዚ ብተለፎን፡ ኢ-መይል ወይ ዲጂታላዊ ስርዓት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት - ሕሙም (forsakringskassan.se)

ውላድካ እንተ ሓሚሙ

ውላድካ እንተ ሓሚሙ፡ እቲ ቈልዓ ክሳብ 12 ዓመት ዝመልእ ግዝያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ እንዳ ወሰድካ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ክትወስድ መሰል ኣሎካ። ብልሙድ ኣጸዋውዓ ነዚ ቫብ፡ ክንክን ዝሓመመ ቈልዓ (vab, vård av barn) ኢልና ንጽውዖ። ክልቲኦም ኣዴታትን ኣቦታትን ንዝሓመመ ቈልዓ ክኣልዩ ዕረፍቲ ክወስዱ መሰል ኣሎዎም።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት - ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ (VAB) (forsakringskassan.se)

ዕረፍቲ

ኣብ ሽወደን ኵሎም ሰራሕተኛታት ዕድሚኦምን ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነትን ብዘየገድስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መሰል ናይ 25 መዓልታት ዕረፍቲ ኣሎዎም። ከም ኵነታት እቲ ሓባራዊ ዉዕልን ናይ ስራሕ ምቝጻር ዉዕልን ብዙሕ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህልወካ ይኽእል እዩ። ዕረፍቲ ንኸተዕርፍን ንኽትህደስን እዩ።

ቨርክሳምት (Verksamt.se) - ብዛዕባ ዕረፍቲ

ባይቶ ሃገር (Riksdagen.se) - ብዛዕባ ሕጊ ዕረፍቲ

ዕረፍቲ ወላዲ

ከም ሓድሸ ወላዲ ዝኾንካ መጠን እቲ ቈልዓ ክሳብ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝመልእ ኣብ ገዛ ምስኡ ክትከውን መሰል ኣለካ። እቲ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዘለካሉ እዋን ትኽፈሎ ክፍሊት መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ተባሂሉ ይጽዋዕን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ይኽፈልን። እቲ ክፍሊት ብመሰረት ደሞዝካን ምናልባት ካብ ወሃብ ስራሕ ትረኽቦም ረብሓታትን ይውሰን። እቲ ናይ ወላዲ ውሕስነት ንኣዴታትን ኣቦታትን ይምልከት። ሰለስተ ኣዋርሕ ንነፍስ ወከፍ ወላዲ ዝተሓዝኣ እየን።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት - ወላዲ (forsakringskassan.se)

ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ

ናይ መጻኢ ግዜ ጥሮታኻ፡ብመሰረት ኣብ ናይ ስራሕ ሂወትካ ክንደት ደሞዝ ከም ዘእቶኻ ስለ ዝሕሰብ፡ ክንደይ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ከም ዝወሰድካን ይጸልዎ እዩ።

ብዓል መዚ ጥሮታ - ንጥሮታኻ እንታይ ይጸልዎ? (pensionsmyndigheten.se)

ናትካ ግዴታታት

  • ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ምኽባርን ምክትታልን
  • ነቶም ናትካ ዕዮታት ምትግባሮም
  • መምርሒታትን ሕግታት ኣከያይዳን ምክትታል
  • ነቶም ናይ ድሕነት መምሪሒታት ምስዓብ
  • ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ናይ መከላኸሊ ናውቲ ምጥቃም
  • ኣብ ናጻ ግዜኻ ካልእ ክትሰርሕ እንተ ደሊኻ ነቲ ወሃብ ስራሕ ምሕታት
  • ካብቲ ስራሕካ ወጻኢ ንወሃብ ስራሕካ ዝጐድእ ገለ ነገር ዘይምግባር
  • ናይ ምስጢርነት ዉዕል ፈሪምካ እንተ ዄንካ ነቲ ናይ ምስጢር ምዕቃብ ግዴታ ምኽታል
  • ነቲ ወሃብ ስራሕ ናይ ምንቃፍ መሰልካ ምስ ኵነት ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ምዝካር
  • ምስቲ ወሃብ ስራሕ ዝወዳደር ንጥፈት ዘይምክያድ
  • ናትካ ግዴታታት ከም ቍጹር ሰራሕተኛ ብሓጺሩ እዞም ዝስዕቡ እዮም

ጾታዊ ማዕርነትን ኣድልዎን

ኣብ ሽወደን ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰላት፡ ግዴታታትን ዕድላትን ክህልዎም ኣለዎም። ከምኡ’ውን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ኣድልዎ ናጻ ክኸውን ኣለዎ።

ጾታዊ ማዕርነትን ኣድልዎን

ኣብ ሽወደን ምስራሕ

ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሕ ወይ ትካል ንኸተካይድ ክትኽእል እንታይ ክትፈልጥ ከም ዘድልየካን እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካን ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣብ ሽወደን ምስራሕ (sweden.se)