ሓንቲ ጾታዊ ማዕርነትን ፍትሕን ዘለዋ ሃገር

ኣብ ሽወደን ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ መሰላት፡ ግዴታታትን ዕድላትን ክህልዎም ኣለዎም። ከምኡ’ውን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ኣድልዎ ናጻ ክኸውን ኣለዎ።

እወ! ንጾታዊ ማዕርነት

ሽወደን ኣብ ኵሉ ናይ ሂወት ሸነኻት ንጾታዊ ማዕርነት እያ ትጽዕር። ናብ ጾታዊ ማዕርነት ንምብጻሕ፡ እቲ ዕላማ ንዅሉ እቲ ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝገብርዎ ማዕረ ክብረት ምሃቡ እዩ።

እዚ ሕብረተሰብ ናይ ሽወደን ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ንኽኸውን ባይቶ (ሪክስዳገን) ወሲኑ እዩ። እዚ፡ ካብ ብዙሕ ውሑድ እዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንፖለቲካዊ ውሳኔ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክጸልውዎ ይኽእሉ
  • ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንናይ ሂወት ምሉእ ቍጠባዊ ሓርነት ዝህብ፡ ብማዕረ ኣገባብ ክምሃሩን ገንዘብ ከእትዉን ይኽእሉ
  • ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንውላዶም ክኣልዩን ናይቲ ደሞዝ ዘይክፈሎ ኣብ ገዛ ክግበር ዘድልዮ ስራሕ ሓላፍነት ክማቐልዎን ማዕረ ዕድል ክህልዎም ኣሎዎ።
  • ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ደው ይብል
  • ኣንስትን ሰብኡትን፡ ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካላት ክውስኑ ማዕረ መሰል ክህልዎም ኣሎዎ።

ብዓል መዚ ጾታዊ ማዕርነት - ብዛዕባ ናይ ሽወደን ናይ ጾታዊ ማዕርነት ስራሕ (jamstalldhetsmyndigheten.se)

ኣይፋል! ንኣድልዎ

ኣብ ሽወደን ኣንጻር ኣድልዎ ሓደ ውሕስነት ኣሎ። ኣድልዎ፡ ሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝሓመቐ ይትሓዝ ማለት እዩ።

እዚ፡ ብምኽንያት እዚ ዝስዕብ እንተ ኾይኑ ክልኩል እዩ፡

  1. ጾታ
  2. ጾታዊ መንነት ወይ ጾታዊ መግለጺ
  3. ዓሌትነት
  4. ሃይማኖት ወይ ካልእ እምነት
  5. ስንክልና
  6. ጾታዊ ዝንባለ
  7. ዕድመ።

ኵሎም ናይ ስራሕ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ኣንጻር ኣድልዎ ናይ ግድን ሓደ ውጥን ክህልዎም ኣሎዎ። ነቲ ኣድልዎ ዝገብር ናብ ናይ ኣድልዎ ተሓላቕ ፍትሒ (diskrimineringsombudsmannen (DO)) ክትከሶ ትኽእል ኢኻ።

ደኡ - ናይ ኣድልዎ ተሓላቕ ፍትሒ (DO - Diskrimineringsombudsmannen) (do.se)

መሰላትን ግዴታትን

ኣብ እቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ክልቲኡ መስላትን ግዴታታትን ኣሎኻ፡ ከምኡ’ውን ብመንጽር እቲ ወሃብ ስራሕ። ብዛዕባ ንዓኽ ከም ሰራሕተኛን ከምኡ’ውን እቲ ናትካ ወሃብ ስራሕን ዝምልከቱ ጕዳያት፡ ሕጊ ዕዮ ይብሃሉ።

መሰላትን ግዴታትን