መደብ መትከል-እግሪ

እቲ መደብ መትከል እግሪ፡ንሓደ ሓደ ሓደሽቲ መጻእቲ ወጻእተኛታት ብመልክዕ ንጥፈታትን ትምህርትን ሓደ ደገፍ እዩ። እቲ ዕላማ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሽወደንኛ ክትመሃር፣ ሓደ ስራሕ ክትረክብን መነባብሮኻ ክትክእልን እዩ።

Stäng

ብዛዕባ መደብ መትከል እግሪ

ኣብዛ ፊልም ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ንኽትጅምር ኣየናይ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ከም ትኽእልን ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእልን ንነግረካ።

እዚ መደብ መትከል እግሪ እንታይ እዩ?

እዚ፡ ብውልቂ ከምዝሰማማዕ ዝተገብረ ጻዕርታትን ደገፍን ዘልዎ ምስ ብንጥፈት ስራሕ ክትደሊ ዝተተሓሓዘ መደብ እዩ። እቲ ዕላማ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሽወደንኛ ክትመሃር፣ ሓደ ስራሕ ክትረክብን መነባብሮኻ ክትክእልን እዩ።

ኣብዚ መደብ መን ክሳተፍ ይኽእል?

ዕድሜኻ 20 ዓመት ዝመላእካ ግን ትሕቲ 66 ዓመት ዝኾን፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ስደተኛ ወይ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ወይ መቕርብ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃብካ እንተ ዄንካ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ኣብ ናይ መትከል እግሪ መደብ ክትገብር ትኽእል

ንስኻን ቤ/ጽ ዕዮን ሓቢርኩም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ንኽትመሃርን ስራሕ ንኽትረክብን ምእንቲ ምሳኻ ብዝበለጸ ዝሰማምዑ ደገፋት ሓቢርኩም ብምምራጽ መደብ ተውጹ። ካብ’ቶም ደገፋት ሒደት ኣብነታት እኔሀ፡

  • ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi)፡ ንዓኻ መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ሽወደንኛ ዘይብልካ ሓደ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ።
  • ምስ ሕብረተ ሰብ ዘላሊ ትምህርቲ
  • ንዘለካ ዓቕሚ ከተማዕብሎ ወይ ክትሃንጾ እንተ ደሊኻ፡ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት።
  • ልምምድ
  • ደገፍ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ
  • ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር ትሓስብ ዘሎኻ ደገፍን ምኽርን
  • ምርግጋጽ

ምስ ተራኸብና ብዛዕባ ናይ ስራሕ ተመኩሮታትካ፣ ናትካ ትምህርቲ፣ ናትካ ተገዳስነትን ኒሕን ክትነግረና ኢኻ። ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፍን ስራሕ ክትሰርሕን ዘሎ ተኽእሎታትካ ክጸሉ ዝኽእል ምስ ጥዕናኻ ወይ ማሕበራዊ ኵነትካ ዝተኣሳሰር ነገር እንተ ኣሎ ኾይኑ ክንፈልጦ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ኣብቲ መደብ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ምሳኻ ፍሉይ ድልየታት ዘለካ ከነሰማምዖም ንፍትን ኢና። እዚ ምስ ተወድኣ ብሓባር ናትካ ውጥን ከነውጽእ ንጅምር። ናትካ ውጥን ኣብ ሞባይል ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ኵሉ ሓገዛት ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቡ ኣለካ። ከመይ ይኸደልካ ከም ዘሎ ኵሉ ግዜ ንከታተልን እቲ ዘድልየካ ደገፍ ንህበካን።

ናይዚ መደብ ንውሓት

እዚ መደብ ብንቡር ኵነት ናይ ምሉእ ግዜ እዩ። ብኸፊል እዋን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ ወይ ብምኽንያት ሕማም ወይ ስንክልና ምሉእ ሰዓታት ክትሰርሕ ዘይትኽእል ዄንካ፡ ኣብዚ መደብ ብኸፊል ግዜ ክትሳተፍ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብዚ መደብ ምስታፍ ብድልየት እዩ። እንተ ተሳቲፍካ ግን ንጡፍ ክትከውንን ነቲ ዝተሰማማዕናሉ መደብ ክትስዕቦን ኣሎካ።

ንስኻ ሕማም ወይ ስንክልና ዘለካ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ጥዕናኻ ወይ ስንክልናኻ ኣብቲ ንጥፈታት ናይ ምስታፍ ዓቕምኻ ዝጸልዎ እንተ ኾይኑ፡ ክትነግረና ንደሊ ኢና። ሽዑ ምሳኻ ብሓንሳብ ኴንና ኣብቲ ንጥፈታት ንኽትሳተፍ እየናይ ደገፍ ከም ዘድልየካ ንምርምሮ።

ብውልቂ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ጻዕርታት ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ካባና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ክልቲኡ ስራሕ ክትደሊ ከለካ ዝሕግዙኻ ጠቐምቲ መሳርሒታትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ወሃብቲ ስራሕ ርክብ ንኽትፈጥር ሓገዝን ክተርክብ ትኽእል ኢኻ።

እዞም ዝስዕቡ ኣብነት ናይ ንኽትሰርሕ ወይ ክትመሃር ዓቕምካ ክጸልዉ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ኵነታት እዮም።

  • ናይ ምርኣይ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ካብ ርሑቕ ሰብ ከተለሊ ወይ ደቀቕ ጽሑፍ ከተንብብ ዝጽግመካ እንተ ኾይኑ።
  • ናይ ምስማዕ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ጸገም ናይ ኣብ ዝርርብ ምስማዕ ወይ ኣብ እዝንኻ ዝርብሸካ ድምጺ ኣለካ ኾይኑ።
  • ሕማቕ ኣንተ ኣለኻ ዂንካ፡ ንኣብነት ጭንቀት ይስምዓካ፣ ቃዝኖት፣ ናይ ምድቃስ ጸገም፣ ናይ ኣተኵሮን ምዝካርን ጸገማት ወይ ናይ ምምሃር ጸገም ኣለካ ኾይኑ።
  • ኣብ ኣካላትካ ቃንዛ እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ኮፍ ክትብል፣ ደው ክትብል፣ ክትከይድ ወይ ምናትካን ኣእዳውካን ክትጥቀመሎም ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ።
  • ኣብ ስድራኻ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ወልፊ፣ ዝሓመሙ መቕርብ ወይ ዘቤታዊ ጐነጽ ኣለካ ኾይኑ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ግዴታነት ትምህርቲ – ንዓኹም ነቶም ንነዊሕ ዘይተመሃርኩም

ፈጺምኩም ቤት ትምህርቲ ዘይከድኩም እንተ ዄንኩም፡ ወይ መባእታ ጥራይ ወይ’ውን ምስ ናይ ሽወደን ዝነጻጸር ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘይተመሃርኩም እንተ ዄንኩም ኣብዚ ግዴታነት ትምህርቲ እትዋት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንሕና ከምዚ ኢኹም ዝብል ገምጋም እንተ ጌርና ንስኹም ኣብ ምምሕዳር ኮሙንኩም ዝርከብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ማለት komvux ኬድኩም፡ ወይ ከኣ ናብ ሓደ ሓፈሻዊ ዝብሃል ስልጠና ኣብ ህዝባዊ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኬድኩም ክትሓቱ ኣለኩም።

ተወሳኺ ብዛዕባ ግዴታነት ትምህርቲ

እንተ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ ኣለኻ ዄንካ

እንተ ሓሚምካ ወይ ቈልዓ ንምእላይ ኣብ ገዛ ምህላው እንተ ኣድልዩካ፡ ብዛዕብኡ ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ።

ክትሓምም ከለኻ ብኩራት ኣመልክት

ቈልዓ ንምእላይ (VAB) ብኩራት ኣመልክት

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ሃብ

ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ሓደ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተእቱ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ጕዕዞኻ ልክዕ ደገፍ ንኽትረክብን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ እግሪ መትከሊ ክፍሊት ንኽትረክብን ኣገዳሲ እዩ።

ጸብጻብ ንጥፈታት

ሕቶን መልስን

ሓደ ስራሕ ምስ ረኸብኩ እንታይ የጋጥም

ኣብ መደብ መትከል-እግሪ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን እንድሕሪ ድኣ ናይ ምሉእ ስዓታት ስራሕ ረኺብካ እቲ መደብ ይቋረጽ።.

ጌና ሓደ ስራሕ እንተ ዘይረኸብኩ’ኸ እንታይ የጋጥም?

ድሕሪ እቲ ናይ እዋን መትከሊ እግሪ፡ ስራሕ እንተዘይረኺብኩም፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ተኽእሎታት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን (jobb- och utvecklingsgarantin) ወይ ኣብ ውሕስነት ስራሕ ንመእሰያት (jobbgarantin för ungdomar) ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን

ውሕስነት ስራሕ ንመንእሰያት

ኣብዚ መደብ መትከል እግሪ ንኽንደይ እዋን ክሳተፍ ይኽእል?

ኣብዚ መደብ መትኻል እግሪ ክሳብ ብምሉእ ሰዓታት ክትሰርሕ ወይ ክትምሃር ትጅምር ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።

  • ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ምስራሕ ይጅምር
  • ምሉእ ግዜ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ትወስድ
  • ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ብምሉእ ግዜ ትሓምምን እቲ መደብ ክሰማማዕ ኣይክእልን።

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ብጠቕላላ ን24 ኣዋርሕ ክትሳተፍ ትኽእል። ካብታ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ (personnummer) ዝተውህበትካ ግዜ ጀሚሩ ዝቝጸር፡ ንሓደ እዋን ናይ 36 ኣውራሕ ጥራይ ኣብዚ መደብ ክትሳተፍ ከም ትኽእል ኣስተብህል።

ናይ ሕማም ዕረፍቲ ወይ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲደ እንታይ የጋጥም?

ንነዊሕ እዋን እንተ ዄንካ ሓሚምካ ዘለኻ፡ ምእንቲ ከም ቅድም ክትሳተፍ ክትኽእል ናይ’ቲ መደብ ትሕዝቶ ከነሰማምዖ ንፍትን ኢና። ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ብምሉእ ግዜ እንተ ሓሚምካን እቲ መደብ ክሰማማዕ እንተ ዘይተኻኢሉን፡ ካብቲ መደብ ትወጽእ።


  • ምሉእ ግዜ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲድካ

ኣብ ትሕቲ ኵነት ናይ ካብታ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ ዝወሰድካላ ግዜ ጀሚሩ ካብ 36 ኣዋርሕ ንላዕሊ እንተ ዘይሓሊፉ፡ እንደገና ናብቲ መደብ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ኣለኒ’ዶ?

ኣብ መደብ መከል እግሪ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ኣብ ውሕስነት ውልቃዊ መጕዳእትን ኣብ ውሕስነት ጕጅለን (personskade- och grupplivförsäkringar) እቱው ኢኻ። ኣብ’ቲ ትካል ገለ ጒድኣት እንተ ኣውሪድካ፡ እቲ ወሃቢ ስራሕ ካብ መንግስቲ ካሕሳ ኪረክብ እውን ይኽእል’ዩ።

ኣብቲ መደብ ዘለኒ ቦታ ክኸስሮ ይኽእል ድየ?

ሸለልትነት እንተ ኣርኢኻን ነቲ ንጥፈት እንተ ረቢሽካዮን ንቦታኻ ክትከስሮ ትኽእል ኢኻ።

መንበሪ ፍቓድኩም እንተተቐይሩን ከምቲ ዝጸናሕኩሞ ዘይኰነስ እቲ መደብ ግን ሕጂ ንዓኹም ዘይምልከት እንተዀይኑ፡ እቲ ተሓዚኡልኩም ዝነበረ ቦታ ክትስእንዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ስራሕ ድሕሪ ምቑጻረይ ናብቲ መደብ ክምለስ እኽእል ዶ፧

ካብታ ውልቃዊ ቁጽሪ መንነት ዝተቐበልኩሙላ ዕለት ኣትሒዙ 36 ኣዋርሕ ዘይሓለፈ እንተዀይኑ፡ ኣብ ስራሕ ክትቅጽሉ ጸኒሕኩም ናብቲ መደብ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ንናይ ጕዕዞ ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃበሎም ትኽእል ኢኻ

ካብቲ ትነብረሉ ቦታ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ሓደ መደብ ወይ መርመራ ትሳተፍ እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ንናይ ጕዕዞን መንበርን ወጻኢታትካ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ቍጠባዊ ሓገዝ ናይ ጕዕዞ ኣብ እዋን ምስታፍ መደብ ወይ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቃለመጠይቕ