መደብ መትከል-እግሪ
እቲ መደብ መትከል እግሪ፡ንሓደ ሓደ ሓደሽቲ መጻእቲ ወጻእተኛታት ብመልክዕ ንጥፈታትን ትምህርትን ሓደ ደገፍ እዩ። እቲ ዕላማ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሽወደንኛ ክትመሃር፣ ሓደ ስራሕ ክትረክብን መነባብሮኻ ክትክእልን እዩ።
ብዛዕባ መደብ መትከል እግሪ
ኣብዛ ፊልም ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ንኽትጅምር ኣየናይ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ከም ትኽእልን ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእልን ንነግረካ።
እዚ መደብ መትከል እግሪ እንታይ እዩ?
እዚ፡ ብውልቂ ከምዝሰማማዕ ዝተገብረ ጻዕርታትን ደገፍን ዘልዎ ምስ ብንጥፈት ስራሕ ክትደሊ ዝተተሓሓዘ መደብ እዩ። እቲ ዕላማ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ሽወደንኛ ክትመሃር፣ ሓደ ስራሕ ክትረክብን መነባብሮኻ ክትክእልን እዩ።
ኣብዚ መደብ መን ክሳተፍ ይኽእል?
ዕድሜኻ 20 ዓመት ዝመላእካ ግን ትሕቲ 66 ዓመት ዝኾን፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ስደተኛ ወይ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ወይ መቕርብ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃብካ እንተ ዄንካ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።
እዚ ኣብ ናይ መትከል እግሪ መደብ ክትገብር ትኽእል
ንስኻን ቤ/ጽ ዕዮን ሓቢርኩም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ንኽትመሃርን ስራሕ ንኽትረክብን ምእንቲ ምሳኻ ብዝበለጸ ዝሰማምዑ ደገፋት ሓቢርኩም ብምምራጽ መደብ ተውጹ። ካብ’ቶም ደገፋት ሒደት ኣብነታት እኔሀ፡
- ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi)፡ ንዓኻ መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ሽወደንኛ ዘይብልካ ሓደ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ።
- ምስ ሕብረተ ሰብ ዘላሊ ትምህርቲ
- ንዘለካ ዓቕሚ ከተማዕብሎ ወይ ክትሃንጾ እንተ ደሊኻ፡ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት።
- ልምምድ
- ደገፍ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ
- ንዓኻ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትጅምር ትሓስብ ዘሎኻ ደገፍን ምኽርን
- ምርግጋጽ።
ምስ ተራኸብና ብዛዕባ ናይ ስራሕ ተመኩሮታትካ፣ ናትካ ትምህርቲ፣ ናትካ ተገዳስነትን ኒሕን ክትነግረና ኢኻ። ኣብ ንጥፈታት ክትሳተፍን ስራሕ ክትሰርሕን ዘሎ ተኽእሎታትካ ክጸሉ ዝኽእል ምስ ጥዕናኻ ወይ ማሕበራዊ ኵነትካ ዝተኣሳሰር ነገር እንተ ኣሎ ኾይኑ ክንፈልጦ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ኣብቲ መደብ ዘለዉ ንጥፈታት፡ ምሳኻ ፍሉይ ድልየታት ዘለካ ከነሰማምዖም ንፍትን ኢና። እዚ ምስ ተወድኣ ብሓባር ናትካ ውጥን ከነውጽእ ንጅምር። ናትካ ውጥን ኣብ ሞባይል ክትሪኦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ኵሉ ሓገዛት ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቡ ኣለካ። ከመይ ይኸደልካ ከም ዘሎ ኵሉ ግዜ ንከታተልን እቲ ዘድልየካ ደገፍ ንህበካን።
ናይዚ መደብ ንውሓት
እዚ መደብ ብንቡር ኵነት ናይ ምሉእ ግዜ እዩ። ብኸፊል እዋን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድካ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ ወይ ብምኽንያት ሕማም ወይ ስንክልና ምሉእ ሰዓታት ክትሰርሕ ዘይትኽእል ዄንካ፡ ኣብዚ መደብ ብኸፊል ግዜ ክትሳተፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብዚ መደብ ምስታፍ ብድልየት እዩ። እንተ ተሳቲፍካ ግን ንጡፍ ክትከውንን ነቲ ዝተሰማማዕናሉ መደብ ክትስዕቦን ኣሎካ።
ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን
ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ
ግዴታነት ትምህርቲ – ንዓኹም ነቶም ንነዊሕ ዘይተመሃርኩም
ፈጺምኩም ቤት ትምህርቲ ዘይከድኩም እንተ ዄንኩም፡ ወይ መባእታ ጥራይ ወይ’ውን ምስ ናይ ሽወደን ዝነጻጸር ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘይተመሃርኩም እንተ ዄንኩም ኣብዚ ግዴታነት ትምህርቲ እትዋት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንሕና ከምዚ ኢኹም ዝብል ገምጋም እንተ ጌርና ንስኹም ኣብ ምምሕዳር ኮሙንኩም ዝርከብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ማለት komvux ኬድኩም፡ ወይ ከኣ ናብ ሓደ ሓፈሻዊ ዝብሃል ስልጠና ኣብ ህዝባዊ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኬድኩም ክትሓቱ ኣለኩም።
እንተ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ ኣለኻ ዄንካ
እንተ ሓሚምካ ወይ ቈልዓ ንምእላይ ኣብ ገዛ ምህላው እንተ ኣድልዩካ፡ ብዛዕብኡ ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ።
ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ሃብ
ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ሓደ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ከተእቱ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ጕዕዞኻ ልክዕ ደገፍ ንኽትረክብን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ እግሪ መትከሊ ክፍሊት ንኽትረክብን ኣገዳሲ እዩ።