Intensivår

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ እንተ ኾይንካን ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ድማ ምስ ትሳተፍን፡እዚ ጽዑቕ-ዓመት ዝበሃል ንዓኻ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይንካ ኣብ ሰዓታት ስራሕን ነጻ-ግዜን ክትመሃር ወይ ናይ ስራሕ ልምምድ(ፕራቲክ) ክትገብ ትኸእል።እቲ ዕላማ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንኽትረክብ እዩ።

እንታይ’ዩ

ጽዑቕ-ዓመት፡ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ንዝኾንካን ኣብ መደብ መትከሊ እግሪ ንእትሳተፍን ዝምልከት’ዩ። ብስሉጥ ኣገባብ፡ምሉእ ሰዓታት ሽወደንኛ ብምምሃር ወይ ልምምድ-ስራሕ(ፕራክቲክ) ብምክያድ፡ድሕሪኡ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንምርካብ እዩ።

ምስ ሓደ መዓዲ ወይ ሓባሪ ሰብ(ሜንቶር) ክትራኸብን ኣብ ነጻ-ግዜኻ ድማ ኣብ ካልኦት ንጥፈታት ክትሳተፍን ትተባባዕ።ከም’ዚ ትገብር ሽወደንኛኻ ንኸተማዕብሎ እዩ።እቲ ዕላማ፡ጽዑቕ-ዓመት ምስ ተወድአ እቲ ዝመረጽካዮ ሞያ ወይ ጽላት ስራሕ ንኽትረክብ እዩ።እቲ ጽዑቕ-ዓመት ምስ ተወድአ፡እንታይ ከም ዘከናወንካን ኣየኖት ቋንቋታትን ሞያታት ፍልጠት ከም ዘለካን ዝማእረርካን ዝሕብር ናይ ፍልጠት መረጋገጺ ወረቐት ክወሃበካ እዩ።

እዚ ጽዑቕ-ዓመት ብፍላይ ኣብ ማዕርነት ዘተኰረ ኮይኑ ክልቲኦም ጾታታት፡ደቀ-ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ስራሕ ብማዕረ ደረጃ ክረኽቡ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ።

ንመን

  • ጽዑቕ-ዓመት ነቶም ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ዝሳተፉ ይምልከት።
  • ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ፡ብውሑዱ 12 ኣዋርሕ ክህልወካ ኣለዎ።
  • ምሉእ ሰዓታት ክትሳተፎ ክትኽእል ኣለካ።

ብኸምዚ ይሰርሕ

  • ፈለማ ምሳኻ ብሓባር ናይ ቅድሚ-ሕጂ ተመኲረታትካ እንታይን እንታይን ከም ዝነበሩ ንድህስሶም።
  • እቲ ጽዑቕ-ዓመት ምሳኻ ዝኸይድን ዘይከይድን ንግምግሞ።
  • ሓቢርና ኣየናይ ሞያ ወይ ጽላት ምሳኻ ከም ዝኸይድ ንውስን።
  • ንዓኻ ጠቐምቲ ዝኾኑ ንጥፈታት ዘለዎ መደብ ነውጽእ።

ሒደት ኣብነታት ካብ’ቶም ንጥፈታት፡

  • መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ንዘድልየካ፡ ቋንቋ ክትመሃር፡ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት(sfi) ወይ ሞያዊ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት(yrkes-sfi)።
  • ምግምጋም ሞያዊ ዓቕምኻ
  • ጽዑቕ ልምምድ-ስራሕ(ፕራክቲክ)
  • ምስ ጸሓፊ ቤ/ጽ ዕዮ ካብ’ቲ ንዓኻ ዘድልየካ ብምብጋስ፡ሓባርን ኣተባባዕን ዝኾነ ዝርርብ ምክያድ።
  • ኣብ’ቲ ንስኻ ክትሰርሖ ትደሊ ጽላት ስራሕን ኣብ ሽወደንን ተመኲሮ ስራሕ ካብ ዘለዎ መዓዲ ወይ ሓባሪ ሰብ(ሜንቶር) ደገፍ ምርካብ።

ኣብ እዋን እቲ ጽዑቕ-ዓመት ከመይ ይኸደልካ ከም ዘሎ ክንከታተለካን እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ድማ ክንህበካን ኢና።ኣብ ጽዑቕ-ዓመት ምስታፍ ወለንታዊ እዩ።

ድሕሪ ጽዑቕ ዓመት

እንድሕሪ ኣብቲ ጽዑቕ-ዓመት ሓደ ዓመት ተኻፊልካ እሞ እንድሕሪ ልምምድ (ፕራክቲክ) ጌርካን ቋንቋ ሽወደን ተማሂርካን እንታይ ከም ተመሃርካን ንሕና ናይ ፍልጠት ምስክር-ወረቐት (kunskapscertifikat) ኢልና ንሰምዮ ምስክር ክትዉህብ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ናይ ፍልጠት ምስክር-ወረቐት ክዉሃብካ ንመራኸብቲ ስራሕ ተወከሰና።

ናይ ፍልጠት-ምስክር ወረቐት መን ክረክብ ይኽእል?

ናይ ፍልጠት-ምስክር ወርቐት ክትረክብ ኣብቲ ናይ ጽዑቕ-ዓመት ሓደ ሙሉእ ዓመት ዝተሳተፍካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ቋንቋ ሽወደን ዝተማሃርካ ክትከዉን ኣሎካ ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኾንካ ናይ ስራሕ ምልምማድ ዝገብርካ ክትከዉን ኣሎካ ወይ ብኻልእ መንገዲ ናይ ሞያ ፍልጠት ዝቐሰምካ ክትከዉን ኣሎካ ናይ ፍልጠት-ምስክር ወረቐት ንኽትረክብ እቲ ናይ ጽዑቕ-ዓመት ተኻፊልካ ምስ ወዳእካ ኣብ ዉሽጢ ሹድሽተ ወርሒ ክትዉከሰና ኣሎካ።

ናይ ፍልጠት-ምስክር ወረቐት ንምንታይ የድልየኒ?

ናይ ፍልጠት-ምስክር ወርቐት እንታይ ከም ዝተማሃርካን ኣብቲ ሞያ ድማ እንታይ ፍልጠታት ከም ዘሎካ ይገልጽ፡ እቲ ናይ ፍልጠት-ምስክር ወርቐት ስራሕ ከተናዲ ከሎኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ከምኡ ዉን ንዉሃብ ስራሕ ከተርእዮን ትኽእል።

ናይ ፍልጠት-ምስክር ወርቐት ክረክብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ምስቲ ኣብ ናይ ጽዑቕ-ዓመት ከሎኻ ዝሕግዘካ ዝነበረ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ተሓባባሪኻ ተዛረብ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።