ናይ ስራሕ ዉሕስና ንመንእሰያት

ናይ ስራሕ ዉሕስና ንመንእሰያት ንዓኻ ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድመኻ መንእሰይ ሓደ መደብ እዩ፡ ንምሳሌ ምንዳይ ስራሕ፣ ናይ ስራሕ ፕራክቲክ/ልምምድ ወይ ናይ ትምህርትን- ሞያን መራሕ መንገድን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል፡ እቲ ዕላማ ብዝተኻእለ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ክትረክብ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር እዩ።

እንታይ

ብነብሲ ወከፍ ዝተነደፉ ተግባራትን ደገፋትን ንቑሕ ኣለሻ ስራሕን ዘጣመረ መደብ እዩ። ዕላምኡ ስራሕ ምእላሽ ወይከዓ ብዝተኽኣለ ፍጥነት ትምህርቲ ምጅማር እዩ።

ንመን

እንድሕሪ ዕድመኻ ካብ 16 ክሳብ 24 ዓመት ኮይኑ ከምኡ ዉን ኣባና ከም ስራሕ ኣልቦ ምዝጉብ እንተ ኾንካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዉሕስና ንመንእሰያት ክትሳተፍ ትኽእል፡ ካብዞም ዝስዕቡ ገለ ከተማልእ ዉን ከድልየካ እዩ፡

  • ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ወርሕታት እንተ ዉሓደ ን90 መዓልታት ብሙሉእ ስራሕ ኣልቦ ዝነበርካ ክትከዉን ኣሎኻ።
  • ካብ ኣ-ካሳ ናይ መተካእታ ገንዘብ መሰል ኣሎካ ከምኡ ዉን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ወርሕታት ን90 መዓልታት ስራሕ ኣልቦ ወይ ናይ ፍርቂ ስዓታት- ወይ ብስዓት ተቖጺርካ ትሰርሕ ዝነበርካ ክትከዉን ኣሎካ።
  • ኣብ ናይ መትከል እግሪ እቲ ክትካፈሎ ዘሎካ ዝልዓለ ግዜ ወዲእካ ግን ገና ስራሕ ኣልቦ ዘሎኻ።
  • ንቤት-ማእሰርቲ ዝተፈረድካ ግን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወጻኢ ክትጸንሕ ፍቓድ ዘሎካ ወይ ብቅድመ ኩነት ዝተፈታሕካ ይኹን እምበር እቲ ናይ ዓመት ናይ ፈተነ ግዜ ዘይወዳእካ።

ኣብቲ መደብ ቦታ ዝህቦም ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) እዩ። ኣብ ንስራሕ ውሕስነት መንእሰያት (jobbgarantin för ungdomar) ዝተዓለመ ጉጅለ ውሽጢ እንተልዮምን ቦታ እንተዘይተዋሂቡዎምን ብቑፅሪ ቴሌፎን 0771-416 416 ይደውሉ።

እንድሕሪ ወናኒ ትካል ኮንካ ከም ስራሕ ኣልቦ ስለ ዘይትሕሰብ ኣብዚ መደብ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እዚ ስፍሓት ናይቲ ትካል ብዘየገድስ ዝምልከት ኢዩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

ንምስታፍ ምስተስማዕምዑ ካብቲ መዓልቲ ብዘይዘንገዐ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ኣብቲ መደብ ይምደቡ። ቀፂሉ ንሶምን ወኪል መራኸቢ ስርሖምን ብዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ንክረኽቡ ወይከዓ ትምህርቲ ንክጅምሩ ንምሕጋዝ ተስማዕማዕቲ ስጉምትታት ይተልሙ። እንተድልዩዎም ንዖኦም ዝሕግዝ ተርጓማይ ኣሎ እዩ። ሓድሓደ ኣብነታት ግልጋሎት ከምዚ ዝስዕብ እዮም፦

  • ልምምድ (ፕራክቲክ) ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ
  • ናይ ስራሕ ልምምድ
  • ስልጠና ዕዳጋ ስራሕ፣ ትምህርቲ ምብርትታዕ ፎልክ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ (folkhögskola) ወይከዓ ኤስኤፍኣይ (sfi)
  • ናይ ምዝማድ ግልጋሎታት
  • ትምህርትን- ሞያን መንገዲ መምርሕን
  • ናትካ ትካል ክትከፍት እንድሕሪ ደሊኻ ደገፍን ምኽርን

ከመይ ይካየደልካ ከም ዘሎ ንከታተለካ እቲ ዘድልየካ ደገፍ ንህበካ።

እንድሕሪ ድኣ 20 ዓመት መሊእካ እሞ እንድሕሪ ብዉሕዱ ን ሽዱሽተ ወርሒ ስራሕ ኣልቦ ኔርካ ብናይ መጀመሪ ስራሕ (nystartsjobb) ኣቢሉ ሓደ ዉሃብ ስራሕ ክቖጽረካ ዕድል ኣለዎ።

ሕሙም እንተኾይኖም ወይከዓ ጉድኣት ኣካል እንተልዩዎም ተወሳኺ ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም

ጥዕንኦም ወይከዓ ጉድኣት ኣካሎም ኣብ ንጥፈታት እቲ መደብ ናይ ምስታፍ ክእለቶም ዝፀልው እንተኾይኑ ክነግሩና ንደልይ ኢና። ዘይድልይዎም ደገፋት ንምፍላጥ ምስኦም ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።

ሓገዝ ንኣካለ ስንክልና ዘሎካ

ናይቲ መደብ ስፍሓት

ከም ልሙድ እቲ መደብ ናይ ምሉእ ስዓታት እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ሃሊኻ ወይ ብምኽንያት ሕማም ወይ ኣካለ ስንክልና ክትሰርሕ ዘይክኣልካ ኣብቲ መደብ ብናይ ፍርቂ ግዜ ክትካፈል ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ዝስዕብ ኩነታት እንድሕሪ ኣልዩ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዉሕስና ብፍርቂ ስዓታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡

  • ናይ ፍርቂ ስዓታት ስራሕ ኣልቦ ኢኻ ወይ ካብ ኣ-ካሳ ናይ ገንዘብ መተካእታ ትወስድ ኢኻ
  • ብፍርቂ ስዓታት ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኢኻ ዘሎኻ
  • ዕድመኻ 20 ዓመት ዝመላእካ ኮንካ ኣብ ናይ ብጹሓት (Komvux) ቤት ትምህርቲ ናይ ፍርቂ ስዓታት ትምሃር
  • ቋንቋ ሽወደን (SFI) ናይ ፍርቂ ስዓታት ትምሃር

ኣብ ናይ ስራሕ ዉሕስነት ክትሳተፍ ከሎኻ ዕረፍቲ ክትወስድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡
ንመንእሰያት፡ ይኹን እምበር ኣብ ፍልይ ዝበለ ኩነታት እንተ በዝሐ ን ሰለስተ መዓልቲ ዕረፍቲ ክንህብ ንኽእል ኢና።

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ ንመተካእታ ገንዘብ ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ (Försäkringskassan) ከተምልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኮንካ እሞ ኣብ ሓደ መደብ እንድሕሪ ትካፈል ኮንካ ብዛዕባ መትካእታ ገንዘብ ንኽተመልክት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ እዩ እቲ ኩነትን ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

ካባኻ እንታይ ትጽቢት ይግበር

ኣብዚ መደብ ምስታፍ ብወለንታ እዩ ይኹን እምበር ካብ ናይ ኣ-ካሳ ናይ ቁጠባ መተካእታ ገንዘብ ትወስድ እንተ ኾንካ እሞ ክሳተፍ ኣይደልን እየ እንድሕሪ ኢልካ እቲ ዝመጸካ ገንዘብ ክትስእኖ ሓደጋ ኣሎ፡ ከም ናይ መደብ ተሳታፊ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ትልሚ ብንጥፈት ክትስዕቦ ኣሎካ።

ኣብቲ መደብ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ምስኦም ሓቢርና ኣብ ዝተለምናዮም ተግባራት ክሳተፉ የድሊ። ንቑሕ ብምዃን ስራሕ ክእልሹ ኣለዎም፤ ስራሕ እንተተዋሂቡዎም ንክቕበልዎ ትፅቢት ይግበሮም። ንኩነታቶም ፍታሕ ንምሃብ ንምሙካር፣ ከምኡ እውን ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ዝረኽብዎም ድጎማታት ከም ዘይፅለዉ ንምርግጋፅን ከምዚ ክገብሩ ኣለዎም።

እንድሕሪ ድኣ ለውጥታት ኣሎ ክትሕብረና ከድልየካ እዩ ንምሳሌ ስራሕ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ ጀሚርካ፡

ጸብጻብ ንጥፈታት ኣቕርብ

ናይ ንጥፈታታ ጸብጻብ ወርሓዊ ከተቕርብ ኣሎካ፡ እዚ ነቲ ናይ ስራሕን ትምህርትን መንገዲ ቅኑዕ ደገፍ ክትረክብን ከምኡ ዉን ካብ ዉሕስና ካሳ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ጽልዋ ከይገብረሉን ኣገዳሲ እዩ።

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ሓሚምካ ካብታ ዝሓመመካላ መዓልቲ ኣትሒዝካ ከተመልክት ኣሎካ እንተ’ዘይኮነ ናይ’ተን ኩለን ዝሓመምካለን እዋን መተካእታ ገንዘብ ክቑረጻልካ እየን፡. እንድሕሪ ድኣ ንነዊሕ ግዜ ሓሚምካ ሕጂ ዉን ኣብቲ መደብ ምእንቲ ክትሳተፍ እቲ ትሕዝቶ ንዓኻ ከም ዝምችእ ክንገብሮ ክንፍትን ኢና፡ እንድሕሪ ድኣ ብሙሉእ ግዜ ካብ 30 መዓልቲ ንላዕሊ ሓሚምካ እሞ እቲ መደብ ክምችኣካ ስለ ዘይክእል ኮይኑ ካብቲ መደብ ትሰናበት።

እንድሕሪ ሓሚምካ ቡክራትካ ኣመልክት

እንድሕሪ ዝሓመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

እንድሕሪ ቆልዓ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ምትራፍ ዘድልየካ ኾይኑ ናዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ።

ንቖልዓ ንምእላይ ንምብኳር (VAB) ኣመልክት

ኣብቲ መደብ ክሳብ ክንድዚ ክትጸንሕ ትኽእል

እዚ ዝስዕብ ኩነታት ክሳብ ዘጋጥም ኣብቲ ናይ ስራሕ ዉሕስና ንመንእሰያት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፡

  • ካብዚ ናይ ስራሕን ዉሕስነት ንመንእሰያት ወጻኢ ናይ ሙሉእ ግዜ ክትሰርሕ ወይ ክትምሃር ምስ ትጅምር
  • ናይ ሙሉእ ግዜ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ምስ ትወስድ
  • ካብ ወርሒ ንላዕሊ እንድሕሪ ድኣ ብሙሉእ ግዜ ሓሚምካ እሞ እቲ መደብ ክም ዝምችእ ምግባር እንተ’ዘይተኻኢሉ
  • ናይ ኣ-ካሳ ሓድሽ ኩነት እንድሕሪ ኣማሊእካ

ካብቲ ናይ ኣ-ካሳ (a-kassa) መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ እንታይ እዩ እቲ ዝድለ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል፡

መታካእታ ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ

ኣብቲ መደብ እንተ በዝሐ ን 15 ወርሓት ክትሳተፍ ትኽእል፡ ኣብዘን 15 ወርሓት ዉሽጢ እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ዘይረኸብካ ወይ ትምህርቲ ዘይጀምርካ ኣብ ክንድኡ ኣብ ናይ ስራሕን- ምዕባለን ዉሕስነት (jobb- och utvecklingsgarantin) ተወሳኺ ሓገዝ ትረክብ።

ናይ ስራሕን ምዕባለን ውሕስና (Jobb- och utvecklingsgarantin)

ናብቲ መደብ ክትምለስ ዕድል ይህልወካ ይኸዉን

ኣብ ናይ ሕማም ፍቓድ፣ ናይ ወላዲ ፍቓድ ወይ እንዳተምሃሩ እንተነይሮም ናብቲ መደብ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ዳግማይ ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖም ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ክቐርዩ የብሎምን። ስራሕ ሰሪሖም ስራሕ ኣልቦ እንተኾይኖምን ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት (a-kassa) ዳግማይ ናይ ምርካብ መሰል እንተዘይሃሊዩዎምን ናብቲ መደብ ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ትሕቲ ናብቲ መደብ ከመይ ምምላስ ይከኣል (Så kommer du tillbaka till programmet) ዝብል ኣርእስቲ ዝበለፀ የንብቡ።

መራኸብቲ ስራሕ እንድሕሪ መደብካ ኣቋሪጾሞ

መራኸብቲ ስራሕ መደብካ ክስሕብዎ ይኽእሉ እዮም እዚ ማለት ተቋረጽ ማለት እዩ ስለዚ ንስኻ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ መደብ ኣይትካፈልን፡ እንድሕሪ ብግቡእ ኣገባብ ዘይተኸታተልካ ወይ ንስራሓት እንድሕሪ ዘሪግካ እቲ ኣብቲ መደብ ምስታፍ መሰልካ ትስእኖ፡ መራኸብቲ ስራሕ ነቲ መደብካ ንምስሓብ ዘግብር ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ዉን ኣሎ ንምሳሌ ንስኻ ድሕሪ ደጊም ኣብቲ መደብ ንምስታፍ ክእለት የብልካን ወይ ኣይትደልን ትኸዉን።

እቲ መደቦም እንተተቛሪፁ ንጥፈታቶምን ኣብቲ መደብ ዝቕበልዎም ድጎማታቶምን የቋርፁ እዮም።

ድሕሪ መደብካ ምዝዛሙ

መደቦም ብምውፃእ እንተተቛሪፁ ድሕሪ 45 ናይ ምፅባይ መዓልትታት (karensdagar) ደጊሞም ኣብቲ መደብ ክሳተፉ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም። እቶም ናይ ምፅባይ መዓልትታት ብተኸታታሊ ክውድኡ ኣለዎም ከምኡ እውን ከም ደላያይ ስራሕ ኮይኖም ክምዝገቡ ኣለዎም።

መደቦም ኣብ ዝውድአሉ መዓልቲ ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክወፁ እንተመሪፆም ናይ ምፅባይ መዓልትታት ንምጅማር ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት ከም ደላያይ ስራሕ ክምዝገቡ ኣለዎም።

መደቦም ብንፁር ምኽንያታት እንተተወጊዱ፤ ናብቲ መደብ ምምላስ ኣይከኣልን።

ናብቲ መደብ ብኸምዚ ዝስዕብ ክትምለስ ትኽእል

እቲ መደብካ እንተ ቐልጠፈ እታ ብሓባር ኮይና መደብ ንገብረላ መዓልቲ ሽዓ ክጅመር ይክኣል፡ ንመራኸብቲ ስራሕ ባዕልኻ ምዉካስ ከድልየካ እዩ።

እንድሕሪ ድኣ ካብ ናይ መራኸብቲ ስራሕ መዝገብ ተሰሪዝካ ኣብቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ናይ መርበብ ኢንተርነት ኣቲኻ ከም ብሓድሽ ከም ደላይ ስራሕ ክትምዝገብ ኣሎካ፡ ነቲ ናትካ ጉዳይ ክንሪኦ ክንጅምር ኣብ ዉሽጢ ክልተ ስዓት ክንድዉለልካ ኢና።

  • ድሕሪ ስዓት 15.00 ተ’ኾይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት ኣብ መንጎ ስዓት 9 ን 11 ንድዉል።
  • ክትምልስ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ወይ ደሃይ እንተዘይ ጌርልናልካ ብቑጽሪ ተሌፎን 0771-416 416 ደዉለልና።

ክንድዉለልካ ከሎና ክትምልሰልና ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መራኸብቲ ስራሕ እንድሕሪ ድኣ ምዝጉብ ኮንካ ነቲ ናትካ ጉዳይ ክንሪኦ ምእንቲ ክንጅምር ብቑጽሪ ተሌፎን 0771-416 416 ጌርካ ክትድዉለልና ከድልየካ እዩ፡ እቲ ጉዳይካ ብዛዕባ ናብቲ መደብ ንምምላስ ዘሎካ ዕድል ዝምልከት እንተ ኾይኑ ሓብረና

ንናይ ጕዕዞ ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃበሎም ትኽእል ኢኻ

ካብቲ ትነብረሉ ቦታ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ወይ መርመራ ትሳተፍ እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ንናይ ጕዕዞን መንበርን ወጻኢታትካ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ቍጠባዊ ሓገዝ ናይ ጕዕዞ ኣብ እዋን ምስታፍ ሓደ ፕሮግራም ወይ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቃለመጠይቕ