Rusta och matcha
ኣብዚ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ንኽትካፈል መጀመርያ መራኸብቲ ስራሕ ክትጅምር መምርሒ ክህቡኻ ኣለዎም፡ ኣብዚ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን እቶም ብዝመችአን ብዝቐልጠፈን መንገዲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽረክብ ክድግፉኒ እዮም ትብሎም ኣቕረብቲ ባዕልኻ ትመርጽ ፡ ሓደ ኣቕራቢ ምስ መረጽካ ናብቲ ንስራሕ ንምርካብ ትገብሮ ጉዕዞ ንኽሕግዘካ ሓደ ተሓባባሪ (ሃንድሌዳረ) ይግበረልካ።
ብኸምዚ ኢኻ ትመርጽ
ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ኣቕራቢ ባዕልኻ ትመርጽ ነቲ ናትካ ድልየት ዘማልእ ምርጫ ግበር
ንመን
ኣዕጥቕን ኣጻምድን ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ተመዝጊብካ ንነዊሕ ግዜ ዝጸናሕካን ከምኡ ዉን/ወይ ኣብ ሓደ ካብቲ መደባት ትካፈል ዝዉሃብ ሓገዝ እዩ።
እንታይ
ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ካብቶም ናህና ኣቕረብቲ ደገፍ ይዉፈየልካ ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ ኣቕራቢ ምስ መረጽካ ካብቲ ኣቕራቢ ሓደ ተሓባባሪ ሓገዝ ትረክብ፡ እቲ ተሓባባሪ ንስኻ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽትረክብ ክሕግዘካ ዝኽእል ንዓኻ ብዉልቂ ዝምችእ ንጥፈታት የዳልወልካ፡ እንተ ዉሓደ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ብዉልቂ እንዳ ተረኸብካ ናይ ምዕባሌ ዘት ትዝቲ።
እቲ ኣቕራቢ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘሎ ቅርጺ፡ ኣብ ፍሉይ ድሌታትካን ኩነታትካን ተመርኲሱ ደገፍን ንጥፈታትን ናይ ምሕንጻጽ ዕድል ኣለዎ፡ እዚ ብዛዕባ ርክብ ምስ ዉሃብቲ ስራሕ፣ ምርካብን ምንዳይን ስራሕ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ዕድላት ትምህርትን ከምኡ ዉን ሓገዘ ክኸዉን ይኽእል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከም ልምምድ ስራሕ (ፕራክቲክ)፣ ምምዛን ሞያዊ ብቕዓት ወይ ኣድላይነቱ እንድሕሪ’ሎ ድማ ናይ ሰነድ ምርግጋጽ ናይ ሰነድ ደገፋት ክትረክብ ትኽእል፡ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ምስ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን SFI ክዉሃሃድ ይክኣል እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ኴንካ ንገለ ንጥፈታት ብቛንቋኻ ሓገዝ ክግበረልካ ይክኣል እዩ።
እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ
1. መራኸብቲ ስራሕ እንድሕሪ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ንዓኻ እዋናዊ ድዩ ኣይኮነን ይግምግሙ
ኣብቲ ምሳና ዝግበር ናይ ክትትል ዘተ መራኸብቲ ስራሕ እዚ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ንዓኻ እዋናዊ እንተኾይኑ ገምጋም ይገብሩ፡ ገምጋም ክንገብር ከሎና ስታቲስቲካዊ ኣገባብ ከም ናይ መገምገሚ ደገፍ ንጥቀም፡ ኣብቲ ዘተ እቲ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ይምልከተካ እዩ እንድሕሪ ተባሂሉ ኣብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ክትሕብረና ኣሎካ።
2. ኣየናይ ኣቕራቢ ናይ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ከም ትደሊ ባዕልኻ ትመርጽ
ነቲ ናትካ ድልየት ዘማልእ ኣቕራቢ ምረጽ፡ በቲ ናይቶም ኣቕረብቲ ፍልይ ዝበለ ብቕዓትን ሓበሬታን ከምኡ ዉን ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ኣየኖት እዮም ዘለዉ፣ ቋንቋ- ፍልጠት ናይ ቅርንጫፍ ከምኡ ዉን ምሰ’የኖት ዉሃብቲ ስራሕ ርክብ ኣለዎም ኢልካ ተናዲ።
ምስ መረጽካ ንዓና ምዉካስ ከድልየካ እዩ ከምኡ ዉን ካብቲ ዝመረጽካዮ ኣቕራቢ እቲ ናቱ KA-numret ትሕብረና፡ እቲ KA-numret ኣብቲ ናይቲ ኣቕራቢ ስም ትረኽቦ ኣቕራቢ ኣናዲ ኣብ ክንዲ ትዉከስና እቲ ምርጫኻ ብ Mina sidor ጌርካ ክትሕብረና ትኽእል ኢኻ።
እንድሕሪ ድኣ ኣቕራቢ ባዕልኻ ክትመርጽ ዘይክኣልካ እቲ ዘይምምራጽ ምርጫ ክንጥቀም ኢና፡ እቲ ደገፍ ካብቲ ኣብቲ ጥቓ ትነብረሉ ዘሎ ስራሕ ዘለዎ ኣቕራቢ ትረኽቦ።
3. ኣቕራቢ ምስ መረጽካ ምርጫኻ ሓብረና
ሓደ ናይቶም ኣቕረብቲ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ትሓባባሪ ንናይ መጀመርያ ኣኼባ ድሃይ ክገብረልካ እዩ፡ ብሓደ ኾንኩም ብዝቐልጠፈ ናብ ስራሕ ገጽካ ክትቀርብ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ናይ ዉልቀ ምዕባለ መድብ ክትሕንጽጹ ኢኹም
ኣብቲ ኣዕጥቕ ኣጽምድ ሽዱሽተ ወርሒ ኢኻ ትስታፍ፡ ድሓር ከመይ ከም ዝኸደልካ ብሓደ ኴይና ንግምግሞ፡ ኣድልይነቱ ተራእዩ ንተወሳኺ ሽዱሽተ ወርሒ ክትሳተፍ ትኽእል፡ ብጠቕላላ 12 ወርሓት።
በቲ ዝዉሃበካ ደገፍ ዕጉብ እንድሕሪ ዘይኮንካ ከተቋርጾ ትኽእል ኢኻ፡ ክትቅይር እንድሕሪ ደሊኻ ንመራኸብቲ ስራሕ ተወከስ።
እቲ ኣገልግሎት ናይ ምልክት ቋንቋ ኣተርጓሚ የጠቓልል እዩ ከምኡ ዉን ናይ ምጽሓፍ ኣተርጓሚ።
መትካእታ ገንዘብን ኩነትን
ነዚ ደገፍ ክትቅበሎ ምስ ተሰማማዕካ ኣብ ሓደ መደብ ስለ ትሳተፍ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብዚ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኴንካ እሞ ኣብ ሓደ መደብ እንድሕሪ ትካፈል ኴንካ መትካእታ ገንዘብ ንኽተመልክት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ እዩ እቲ ኩንተን ክነግረካ ኢና።
ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ
ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን
ኣብዚ ዝስዕብ ብዛዕባ ኣዕጥቕን ኣጽምድን ልሙዳት ሕቶታት ትረክብ