ስራሕ ኣልቦ ኣብ ትኾነሉ እዋን

ርክብካ ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ንኽንደይ እዋን ስራሕ ከም ዘይነበረካ ተሞርኩሱ ዝተፈላለየ ክመስል ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ስራሕ ከም ዘለካ ድሮ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ምሳና ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ኣይክህልወካን እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ነቶም ናትና ዲጂታላውያን ኣገልግሎታት ጥራይ ኢኻ ትጥቀም።

ተመዝገብ

እታ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መጀመርታ መዓልቲ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ተመዝገብ፡ እዚ ብኤለትሮኒክ መንነት (e-legitimation) ተጠቒምካ ኣብቲ ናትና መርበብ ኢንተርነት ትገብሮ፡ ን ኣ-ካሳኻ ተወኪስካ ናይ መተካእታ ገንዘብ ኣመልክት፡ ብዛዕባ ኣ-ካሳን ኣባልነትካን ሕቶ እንዲሕሪ ኣሎካ ቀጥታ ን ኣ-ካሳ ተወከሶም።

ተመዝገብ

ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ

እንድሕሪ ሕጂ ኣብዚ ዉሽጢ 3 ወርሓት ስራሕ ክትጅምር ወይ ክትምሃር ድሮ ፈሊጥካ ኣሎኻ ኾንካ ምሳና ናይ ዘተ ትልሚ ኣይክህልወካን እዩ፡ ምስና ናይ ዘተ ትልሚ ዘሎካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ካባና እንታይ ሓገዝ ከም ትረክብን ብዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ፡ እንድሕሪ ኣካለ ስንክልና፣ ብሕክምና መርመራ ዝተለለየ ሕማም ወይ ጥዕና እንተ ዘይብልካ ኣብቲ ንገብሮ ኣኼባ ክትነግረና ኣገዳሲ እዩ፡ ሽዑ እቲ ንዓኻ ትኽክል ዝኾነ ደገፍን ሓገዝን ክንህበካ ንኽእል፡ ኣብቲ ኣኼባና ብሓባር ኮይና ናብ ስራሕ ወይ ናብ ትምህርቲ ዘምርሕ ትልሚ ነዉጽእ።

ቅድሚ እቲ ንምውጻእ መደብ ዝግበር ዝርርብ

ናተይ ገጻት (Mina sidor)

ናተይ ገጻት ነቲ መደባትካ ንኽትከታተሎ ይሕግዘካ እዩ። ንስኻን ሓደ መራኸቢ ስራሕን ንዓኻ ኣየኖት ንጥፈታት ብዝበለጸ ከም ዝሰማምዑኻ ትሰማምዑ። እዚ ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ወቢናር ምስታፍ (ኣኼባ ወይ መጽናዕቲ ወ.ዘ.ተ ብኢንተርኔት ብቐጥታ ምስታፍ)፡ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ምጽሓፍ ወይ ሽወደንኛ ምምሃር ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ ነቲ መደብ ህያው ጌርካ ተጽንሖን ናብ ናትካ ሸቶ ንምብጻሕ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተበግሶ ትወስድን።

ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ከም ትጅምር ድሮ ሕጂ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ናተይ ገጻት (Mina sidor) ባዕሉ ሓደ መደብ ክወጻልካ እዩ።

ናተይ ገጻት (Mina sidor)

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣቕርብ

ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ሓደ ጸብጻብ ንጥፈታት ከተእቱ ኣለካ። እዚ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ ተብለሉ እዋን ግቡእ ሓገዝ ንኽትረክብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ኣ-ካሳ ወይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንዝወሃበካ ክፍሊት ምእንቲ ክትረክብ፡ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ጸብጻብ ንጥፈታትካ እንተቐልጠፈ ዕለት 1 እንተደንጐየ ድማ ዕለት 14 ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ከተእትዎ ኣለካ።

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣቕርብ

ሕተተና

ሓገዝ እንተ ደሊኻ ክትድውለልና ወይ ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ክትዘራረብ (chatta) ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ መደባት፡ ትምህርቲታትን ካልእ ሓገዛትን እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እቲ ብዝቐልጠፈ ንዓና ክትረኽበሉ ትክእል መንገዲ፡ ምሳና ምዝርራብ (chatta) እዩ።

ምዝርራብ (Chatta)

ተወሳኺ ሓገዝን ክትትልን

ንነዊሕ እዋን ስራሕ-ኣልቦ ኔርካ፣ ዕድመኻ ትሕቲ 25 ዓመት እዩ፣ ናብ ሽወደን ሓድሽ መጻኣይ ኢኻ ወይ ኣካለ ስንክልና ኣለካ፣ ብሕክምና መርመራ ዝተለለየ ሕማም ወይ ጥዕና እንተ ዘይብልካ ኣብዚ መደብ ብምክፋል ተወሳኺ ደገፍ ክዉሃበካ ይክኣል፡ ፍልይ ዝበለ ዘድልየካ እንተ’ሎ ክግምግም ምስቲ ናይ ስራሕ መራኸቢ ተዛረብ።

ደገፍ ንዓኻ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ

ካብ ምዝገባ ውጻእ (Skriv ut dig)

ስራሕ ምስ ረኸብካ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር እንተ ዄንካ ክትሕብረና ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብቐሊሉ ኣብታ ካብ ምዝገባ ውጻእ (Skriv ut dig) ትብል ብምጥዋቕ ትገብሮ። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ካብ ምዝገባ ክትወጽእ እንተ መሪጽካ፡ 10 መዓልታት ቅድሚ እቲ ካብ ምዝገባ ትወጻሉ ዕለት ሓደ መዘኻከሪ ክመጻካ እዩ።

ካብ ምዝገባ ውጻእ (Skriv ut dig)