ምዝገባኻ ሰርዞ

ስራሕ ምስ ትረክብ፡ዕረፍቲ-ወላዲ ምስ ትወስድ ወይ ትምህርቲ ምስ ትጅምር፡ሓገዛትና ስለ ዘየድልየካ ነቲ ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዘሎ ምዝገባኻ ሰርዞ።

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ

ምዝገባይ ከመይ ገይረ እስርዞ?

ስራሕ ምስ ትረክብ፡ዕረፍቲ-ወላዲ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ ትሓስብ ክትሕብረና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።ነታ Skriv ut dig (ምዝገባኻ ሰርዞ) ትብል ምስ ትጥውቓ ብቐሊሉ ምዝገባኻ ክትስርዞ ትኽእል።

እንድሕሪ ድኣ ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብሚስጢር ዝዕቀብ ኮይኑ እቲ Skriv ut dig ዝብል ኣይትጠቀመሉ፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ ናትካ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ሰራሕተኛ ተወከሶ።

ምዝገባኻ ብኸምዚ ትስርዞ

  • ነታ ምዝገባኻ ሰርዞ(Skriv ut dig) ትብል ጠውቃ።
  • ኤ-መንነትካ(ንኣብነት ባንክ-ኣይዲ) ብምጥቃም መንነትካ ኣረጋግጽ(ሎግ-ኢን ግበር)።
  • ነቶም ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ ነታ ሓበሬታ ለኣኮ( Skicka) ትብል ጠውቃ።
  • ድሕሪኡ ነቲ ምሳን ክትህሉ ከም ዘይደለካ ዝሕብር ናይ ስረዛ ምልክታኻ ንቕበሎ።

ነቲ ምዝገባይ መዓስ ክስርዞ ኣለኒ?

ዝኾነ ይኹን ለውጢ ምስ ዝፍጸም ኲሉ ግዜ ንቤ/ጽ ዕዮ ክትሕብሮ ኣለካ።ስራሕ ምስ ትረክብ፡ዕረፍቲ-ወላዲ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ ትሓስብ፡ነታ Skriv ut dig (ምዝገባኻ ሰርዞ) ትብል ብምጥዋቕ ትሕብረና።

ከም ዝሓመምካ ሓኪም ምስ ዝጽሕፈልካ ወይ ኣድራሻኻ ምስ ትቕይር፡ብተሌፎን ወይ ብቻት ገይርካ ግድን ክትሕብረና ኣለካ።

ተወከሰና

ድሕሪኡ እንታይ የጋጥም?

ከም ደላዪ ስራሕ ምሳና ምዝጉብ ከም ዘየለካ ምስ ሓበርካና፡ንሕና ድማ ነቲ ናትካ ካሳ ስራሕ-ኣልቦ(ኦካሳኻ) ንሕብሮ።

ምሳና ከም ዘየለኻ፡ማለት ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዝነበረ ምዝገባኻ ከም ተሰረዘ፡መረጋገጺ ደብዳቤ ንልእኸልካ።