ምቕራብ ጸብጻብ ንጥፈታት
ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ፡ ናይ ንጥፈታትካ ጸብጻብ ናባና ክተቕርብ ይግብኣካ። እቲ ተቕርቦ ጸብጻብ ድማ፥ ነየኖት ስራሕ ምልክታ ከም ዘእቶኻን፥ ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ስራሕ ንምርካብካ ዘቃላጥፍ ካልእ ዝወሰድካዮ ስጕምቲን እዩ። መታን ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ወይ ካብ “ቤትስልጣን ውሕስነት ካሳ” (Försäkringskassan) ገንዘብ ክትረክብ፥ ንጡፍ ክትከውንን ጸብጻብ ንጥፈታትካ ድማ ኣብ ጊዝኡ ክተቕርን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ መታን ናብቲ ትደልዮ ናይ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ንኽትበጽሕ፥ ዘድሊ ሓገዝ ንኽንገብረልካ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ጸብጻብ ንጥፈታትካ፡ እንተ ቐልጠፈ ንዕለት 1፡ እንተ ደንጐየ ድማ ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክተቕርብ ይግባእ።
ጸብጻባትኩም ንምቕራብ እትኽተልዎ መስርሕ ነዚ ይመስል
እቲ ጸብጻብ ዘቕርብ መን’ዩ?
ንስኹም እቶም ሽቕለተ-ኣልቦ ዝኾንኩምን፡ ኣባና ኸኣ ዝተመዝገብኩምን፡ ዝገበርኩሞም ንጥፈታትን፡ ኣየኖት ስራሕ ከምዝሓተትኩምን ጸብጻብ ከተቕርቡ ኢኹም። ስልጠና ስራሕ ወይ ልምምድ ስራሕ ፕራክቲክ ትገብሩ እንተለኹም’ውን ጸብጻብ ከተቕርቡ ምዃንኩም ሕሰቡ።
ነዚኦም ጸብጻብ ክትህበሎም ኣለካ
ዘናደኻዮም ስራሕን ስራሕ ንኽትረክብ ዘከናወንካዮም ንጥፈታትን ጸብጻብ ክትህበሎም ኣለካ።ኲሎም እቶም ዘናደኻዮም ወይ ዘመልከትካዮም ስራሕን እቶም ኣብ’ቲ መደብካ ዘለዉ ንጥፈታትን ከይረሳዕኻ ተጠንቂቕካ ጸሓፎም።ካልኦት ዝፈጸምካዮም ነገራት ምስ ዝህልዉ’ውን ኣስፍሮም።ንጥፈታዊ ጸብጻብ እንታይን-እንታይን ክሓቊፍ ከም ዝኽእል እነሆ ሒደት ኣብነታት ኣብ ታሕቲ ቀሪቦም ኣለዉ፡
- ዘመልከትካዮም ስራሕ፡ንኣብነት ኣብ ምልክታ-ስራሕ ዝወጹ ስራሕን ቤ/ጽ ዕዮ ከተመልክቶም ዝሓበረካ ወይ ኣንፈት ዝሃበካ ስራሕ ክኾኑ ይኽእሉ።
- ንዉሃብ ስራሕ ዘቕረብካዮም ናይ ስራሕ ድልየት መመልከቲ/ፍኑው ናይ ስራሕ ድልየት መመልከቲ ወይ ሲቪ
- ዘካየድካዮም ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቓትን ዝተሳተፍካዮም ኣኼባታት ምልመላ ሰራሕተኛታትን
- ዘመልከትካዮም ቦታታት ልምምድ-ስራሕ(ፕራክቲክ)
- ኣብ ናይ ስራሕ-ቦታታት ዘካየድካዮም ትምህርታውያን ዑደታት
- ምስ ኣማኻሪ ትምህርትን ሞያን ዘካየድካዮም ርክባት
- ዘመልከትካዮም ትምህርትታት
- ቋንቋ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት(sfi)ትመሃር እንተኾይንካ
- ነቲ ናትካ ሲቪ(cv) ገለ ምምሕያሻት ገይርካሉ እንተ ኾይንካ
እንድሕሪ ድኣ ሓሚምካ ኔርካ ኣብቲ ናይ ንጥፈታትካ ጸባጻብ ኣይትጽሕፎን ኢኻ።
ጸብጻብ ንምቕራብ፡ ከምዚ ትገብሩ
ብናይ ኢንተርነት ኣድራሻና ጌርካ ናይ ንጥፈታትካ ጸብጻብ ከተቕርብ ቀሊል እዩ፡ እቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ መቕረቢ ብናይ arbetsformedlingen.se መላገቢ ማለት ሊንክ ወይ ነቲ ናይ Aktivitetsrapportera ዝብል ኣገልግሎት ብምምራጽ ኣብ Mina sidor ብምእታው ማለት logga in ብምግባር ክትረኽቦ ትኽእል።
ነዛ ኣገልግሎት ንምጥቃም ግድን ኤ-መንነት(ንኣብነት ኣብ ሞቢልካ ዘላ ባንክ-ኣይዲ) ክህልወካ ኣለዎ። መንነትካ ድሕሪ ምርግጋጽ፡
- ንጥፈታት ከይረሳዕኩሞም ከለኹም፡ ገለ ንጥፈት ብኣጋኡ ንምእታዉ
- ንጥፈታትኩም ንምስዳድ
- ኣቐዲምኩም ዘረከብኩሞም ጸብጻባት ንምርኣይ።
ሓበሬታኹም ከምዚ ጌርኩም ትመልእዎ (ብቛንቋ ሽወደን)
ጸብጻብኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታና ከመይ ጌርኩም ከተቕርቡ ከምእትኽእሉ፡ ኣብዚ ፊልም እዚ፡ ደረጃ ብደረጃ ነርእየኩም
እቲ ጸብጻብ መዓስ ኢኹም ክትሰድዎ?
ነቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጻብ-ንጠፈታትካ፥ እንተ ቐልጠፍካ ንዕለት 1፥ እተ ደንጐኻ ድማ ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክትልእኮ ይግባእ።
እቲ ጸብጻብካ እንተ ደንጐየ ኣብ ዕለት 14 ኣብ ኢድና ክበጽሕ ኣዝዩ-ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እንተ ደኣ ነቲ ጸብጻብ-ንጥፈታትካ ብቤት ቡስጣ ጌርካ ትልእኮ ዄንካ፥ መታን ንዕለት 14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኢድና ክበጽሕ፥ ኣቐዲምካ ክትልእኮ ከድልየካ እዩ።
ንኣብነት፡- እቲ ኣብ መንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14ን የካቲት እተቕርቦ ጸብጻብ-ንጥፈታትካ፥ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዘተግበርካዮ ንጥፈታት እዩ።
እቶም ዝልኣኽካዮም ጸብጻብ-ንጥፈታትካ፥ ኣብቲ ”Aktivitetsrapportera” ዚብል፥ ትሕቲ’ቲ ”inskickade” ዚብል ኣርእስቲ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።