ስርዓተ ውሕስነት ናይ ሽወደን

ንስኻ ኣብዚ ትነብር ኵነታት ሂወትካ ከመይ ከም ዝመስል ብዘየገድስ እኹል ገንዘብ ከም ዘሎኻ ንምርግጋጽ ኣብ ሽወደን ሓደ ስርዓተ ውሕስነት ኣሎ።

ምምሃር

ኣብ ሽወደን ክትምሃር እንተ ዄንካ፡ ወጻኢታትካ ንኽትሽፍን ንመናበሪ ተምሃራይ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ወዲ ክንደይ ዓመት ምኳንካ ዝውስኖ ዝፈላለ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ሓደ ንትምህርቲ ዝኸውን ልቓሕ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ። ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ ሲኤስኤን (CSN) እዩ ነቲ ናይ መናበሪ ተምሃራይ ዝሕዞ።

ሲኤስኤን (csn.se)

ትምህርትታትን መጽናዕቲታትን

ዕረፍቲ

ኣብ ሽወደን ኵሎም ሰራሕተኛታት ዕድሚኦምን ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነትን ብዘየገድስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት መሰል ናይ 25 መዓልታት ዕረፍቲ ኣሎዎም። ሰብ ኣብ መንጎ መሰል ንዕረፍትን መሰል ንክፍሊትን ይፈላልዮ እዩ። መዓስ እዋን ኣብ ዓመት ነቲ ስራሕካ ከም ትጅምሮ ዝውስኖ እቲ ክፍሊት ኣብ እዋን ዕረፍቲ ይመዓራረ እዩ። ማለት ደሞዝ ከይተኸፈልካ ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ዕረፍቲ ከተዕርፍን ኽትህደስን ንኽትክእል እዩ።

ቨርክሳምት (Verksamt.se) - ብዛዕባ ዕረፍቲ

ባይቶ ሃገር (Riksdagen.se) - ብዛዕባ ሕጊ ዕረፍቲ

ፍቓድ ብኵራት - ዕረፍቲ ብዘይ ደሞዝ

ካብ ወሃብ ስራሕካ ካልእ ስራሕ ንኽትሰርሕ ዝውሱን ግዜ ስራሕካ ከተቋርጽ ፍቓድ ብኵራት ክትሓትት ትኽእል ኢካ። ምናልባት ክትምሃር፡ ካልእ ሞያ ክትፍትን፡ ናትካ ትካል ክትከፍት ወይ ንቐረባ ዘመድካ ክትከናከን ትደሊ ትኸውን። ድሕሪ ሓደ ፍቓድ ብኵራት ምውድኡ፡ ብልክዕ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኵነት ናብ ስራሕካ ክትምለስ መሰል ኣሎካ።

ፍቓድ ብኵራት ክትወስድ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እንታይ ከም ዝምልከተካ ንወሃብ ስራሕካ ወይ ናትካ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓበሬታ ንኽህቡኻ ሕተቶም።

እንተ ሓሚምካ

ትሰርሕ እንተ ዄንካ እሞ እንተ ሓሚምካ ከም ዝሓመምካ ናይ ግድን ንወሃብ ስራሕካ ክትሕብሮ ኣሎካ። እታ መጀመርታ ሓሚምካላ ዘሎኻ መዓልቲ መዓልቲ ብቕዓት (karensdag) ትብሃል። ናይታ መዓልቲ ኣይትኽፈልን ኢኻ። ካብታ ካልኣይቲ ክሳብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ናይ ሕማም መዓልቲ፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ደሞዝ ሕማም ይኸፍለካ። እቲ ደሞዝ ሕማም፡ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዝካ እዩ። ካብ 14 መዓልታት ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይቲ ደሞዝ ሕማም ምኽፋል ሓላፍነት ይወስድ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት - ሕሙም (forsakringskassan.se)

ዕረፍቲ ወላዲ

ከም ወላዲ መጠን ምስ ውላድኪ ኣብ ገዛኺ ኮይንኪ ክፍሊት ክወሃበኪ መሰል ኣለኪ።እዚ ኣብ እዋን ዕረፍቲ-ወላዲ ዝወሃብ ገንዘብ፡ክፍሊት-ወላዲ(ፈርኤልድራ ፔኒንግ)ተባሂሉ ይጽዋዕ።ብቤ/ጽ ማሕበራዊ ውሕስነት (ፈርሸክሪን ካሳን) ድማ ይኸፈል።እዚ ክፍሊት-ወላዲ ኣብ ሽወደን ሓደ ኣካላ ናይ’ቲ ውሕስነት ወላዲ ኮይኑ ንኽልቲኦም ኣደን ኣቦን ድማ ይምልከቶም።

ተወሳኺ ብዛዕባ ክፍሊት-ንወላዲ(ኣብ መካነ-መርበብ ናይ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ውሕስነት) (forsakringskassan.se)

ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ

ናይ መጻኢ ግዜ ጥሮታኻ፡ብመሰረት ኣብ ናይ ስራሕ ሂወትካ ክንደት ደሞዝ ከም ዘእቶኻ ስለ ዝሕሰብ፡ ክንደይ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ከም ዝወሰድካን ይጸልዎ እዩ።

ብዓል መዚ ጥሮታ - ንጥሮታኻ እንታይ ይጸልዎ? (pensionsmyndigheten.se)

ውላድካ እንተ ሓሚሙ

ውላድካ እንተ ሓሚሙ፡ እቲ ቈልዓ ክሳብ 12 ዓመት ዝመልእ ግዝያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ እንዳ ወሰድካ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ክትወስድ መሰል ኣሎካ። እቲ ክፍሊት ኣስታት 80 ሚእታዊት ናትካ ኣታዊ እዩ። ብልሙድ ኣጸዋውዓ ነዚ ቫብ፡ ክንክን ዝሓመመ ቈልዓ (vab, vård av barn) ኢልና ንጽውዖ። ክልቲኦም ኣዴታትን ኣቦታትን ንዝሓመመ ቈልዓ ክኣልዩ ዕረፍቲ ክወስዱ መሰል ኣሎዎም።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት - ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ (VAB) (forsakringskassan.se)

ስራሕ ኣልቦ ምስ ኣ-ካሳ

ኣ-ካሳ፡ ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ ክወሃበካ ዝኽእል ሓደ ክፍሊት እዩ። ኣብ መብዛሕትኦም ሞያታት ሓደ ኣ-ካሳ ኣሎ። ኣባል ናይ ሓደ ኣ-ካሳ እንተ ዄንካ፡ ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ ክሳብ 80 ሚእታዊት ናይ ደሞዝካ ዝበጽሕ ክፍሊት ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ክፍሊት ካብ ኣ-ካሳ

ጥሮታ

ጥሮታ፡ ኣብታ ስራሕ ምስራሕ ተቋርጸላ ዕለት ጀሚርካ ትናበረሉ ገንዘብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጥሮታካ ብሰለስተ ክፍላ ዝቖመ እዩ፡ ሓፈሻዊ ጥሮታዊ ክፍሊት፡ ናይ ኣገልግሎት ጥሮታን ምናልባት ባዕልኻ ዘዋህለልካዮን። ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክትወስድ ከሎኻ፡ እቲ ኣታዊኻን ጥሮታኻን ክጽለዉ ይኽእሉ እዮም። ሓፈሻዊ ጥሮታ፡ መንግስታዊ ጥሮታ ኾይኑ ብዓል መዚ ጥሮታ እዩ ሓላፍነት ናቱ ዘሎዎ።

ብዓል መዚ ጥሮታ - ንጥሮታኻ ፍለጦ (forskaringskassan.se)

ጸሊምን ጻዕዳን (ብሕጋዊ) ስራሕ

ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ።

ብጸሊም ምስራሕ፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ዝኾነ ናትካ ማሕበራዊ ግብሪ ኣይከፍልን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ንስኻ ናይቲ ኣታዊኻ (ደሞዝካ) ግብሪ ኣይትኸፍል ኢኻ ማለት እዩ። ብዓልመዚ ግብሪ ነቲ ዘይከፈልካዮ ግብሪ ክትከፍሎ ክጠልብ ይኽእል እዩ። ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋውን ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብን ይኽእል እዩ።

ብጻዕዳ ምስራሕ

ብኣንጻሩ እንተ ሰሪሕካ፡ ግብሪ ከፊልካን ብጻዕዳ ሰሪሕካን፡ ኣብ ናይ ሽወደን ስርዓተ ውሕስነት ዘሎዉ ኵሎም ረብሓታት ትረኽቦም ኢኻ።

ብዓል መዚ ግብሪ - ሳዕቤናት ናይ ጸሊም ስራሕ (skatteverket.se)

ብዓል መዚ ግብሪ - ከምዚ ጌርካ ብጻዕዳ ትሰርሕ (skatteverket.se)

ኣብ ሽወደን ክትስርሕ ትደሊ ዲኻ?

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ምስራሕ ሓበሬታ ብእንግሊዝኛ

ኣብ ሽወደን ክትስርሕ ትደሊ ዲኻ?

ኤውረስ-ፖርታለን (ec.europa.eu)