ተመዝገብ

ኣብ’ታ ስራሕ-ኣልቦ ዝኾንክላ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ተጠቂምኪ ኣብ መካነ-መርበብና(ዌብ ሳይትና)ተመዝገቢ።ምስ ኣራኻቢ-ስራሕ፡መደብ ናይ ምውጻእ ዝርርብ ንምክያድ ግዜ ሓዚ።ክፍሊት ንኽወሃበኪ ኣብ’ቲ ናትኪ ካሳ ስራሕ-ኣልቦነት ኣመልክቲ።

ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ

መዓስ እየ ክምዝገብ ዘለኒ?

እንተ ደንጐየ፡ ኣብታ ስራሕ-ኣልቦ ዝዀንካላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ምሳና ምዝጉብ ክትከውን ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እቲ ኣ-ካሳ ካብታ ናይ መጀመርታ ስራሕ ኣልቦ ዝዀንካላ ዕለት ናይ ክፍሊት መሰልካ ኪግምግሙ ይኽእሉ።

ኣብታ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መጀመርታ መዓልቲ ኣባና ክትምዝገብ ከለኻን ንጡፍ ደላይ-ስራሕን እንተ ዄንካን፡ ካልእ ብዓል መዚ ወይ ኮሙን ንናይ ክፍሊት መሰልካ ገምጋም ኪገብር ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ብዛዕባ እቲ ናትካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (sjukpenningpenninggrundande inkomst, SGI) ክውስኑ ይኽእሉ።

ኵሎም ክትመልኦም ትኽእል ሓበሬታታት ምልኣዮም። ብዝያዳ ክንፈልጥ እንተ ኽኢልና ብዝያዳ ብዝቐልጠፈ ክንሕግዘካ ንኽእል።

ከመይ ጌይረ እየ ዝምዝገብ?

  • በቲ ናትካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ጌርካ እቶ። (ንኣብነት ብmobilt bank-id” ኪኸውን ይኽእል’ዩ)።
  • ኣብ arbetsformedlingen.se ዝኾነ ሕሳብ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ መጀመርታ ናይ ግድን ናትካ ሓበሬታታት ምልኣዮምን ሓደ ሕሳብ ክፈትን።
  • ሕሳብ ምስ ከፈትካን ናትካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ጌርካ ምስ ኣተካን፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃንካ ከተመልክት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
  • ንኣብነት ከም ትምህርቲ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስራሕ፡ ክእለታት፡ ነየኖት ዓይነት ስራሓት ከም ትደሊ ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ክትመልእ ኢኻ።
  • ክትምዝገብ ከለኻ፡ ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምዃንካ ድሮ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ኣብቲ ንህቦ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ትካፈል። ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ምሓዝን ምስ መራኸቢ ስራሕ ምርኻብን እውን ኣየድልየካን እዩ።

እንተደኣ ናትካ ኮምፕዩተር ወይ ስማርት ፎን ዘይብልካ ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት መጺእካ ኮምፕዩተር ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት

ስራሕ ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን ስራሕ እንዳ ደለኻ ከለኻ ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።ክንደይ ገንዘብ ከም ዝኽፈለካ ካብ’ቶም ዝውሱኑ ገለ፡ቅድሚ ሕጂ ንኽንደይ እዋን ከም ዝሰራሕኻን ኣባል ኦ-ካሳ ምዃንካን ዘይምዃንካን እዮም።

ነቲ ናትካ ኦ-ካሳ ብምውካስ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት።ነዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ኦ-ካሳ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) መንነትካ ብምርግጋጽ(ሎግኢን ብምግባር) ከተካይዶ ትኽእል።

ኣባል ኦ-ካሳ እንተዘይኾይንካ፡ስራሕ-ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን፡ኣባል ክትኸውንን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካን ተመዝገብ።ኣባል ናይ ሓንቲ ኦ-ካሳ ክትኸውን እንተ ዘይደሊኻ ግን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካ ኣብ ኣልፋ-ካሳ ከተመልክት ትልእል።

ክፍሊት ካብ ኦ-ካሳ

ቅድሚ እቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝግበር ዝርርብ ተቐራረብ

ገና ክትምዝገብ ከለኻ፡ ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምዃንካ ድሮ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ኣብቲ ንህቦ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ትካፈል። ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ምሓዝን ምስ መራኸቢ ስራሕ ምርኻብን እውን ኣየድልየካን እዩ።

ቅድሚ እቲ ኣኼባ እንተ ተቐራረብካን ባዕልኻ መደብ ከተውጽእ እንተ ጀመርካን ጽቡቕ እዩ። ሽዑ እቲ ኣኼባ ብዝያዳ ኣድማዒ ይኸውን። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፤

  • ነቲ ናትካ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ደጊምካ ክትርእዮን ከተሓድሶን
  • እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ክትሓስበሉ።

ቅድሚ እቲ ንምውጻእ መደብ ዝግበር ዝርርብ

ኣብቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ እንታይ እዩ ክግበር?

እቲ ቐዳመይ ምሳና ዝግበር ኣኼባ፡ እንተ ነውሐ 30 ደቓይቕ ዝወስድ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ንስኻን ሓደ መራኸቢ ስራሕን ካብ ብዙሕ ውሑድ ነዚ ዝስዕብ ክትርእይዎ ኢኹም፤

  • ክእለታትካ
  • ነየኖት ስራሓት ከም ትደሊ
  • ካባና ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል
  • ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ።

ስራሕ ከተናድን ክትሰርሕን ተወሳኺ ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ድማ ንርኢ፡ ንምሳሌ ኣካለ ስንክልና፣ ብሕክምና መርመራ ዝተለለየ ሕማም ወይ ጥዕና እንተ ዘይብልካ፡ ብድሕሪኡ ብሓደ ኾይና ንኽትሰርሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ክነጽንዕ ኢና።

ሕቶታትን መልስን

ምሳኻትኩም ንምርኻብ ቈጸራ ዝሕዝ ወይ ዝስርዝ ከመይ ገይረ’የ?

ምሳና ንምርኻብ ቈጸራ ክትሕዝ ወይ ክትስርዝ ምስ ትደሊ፡ ፈለማ ተደሃየና።

ቈጸራ ርክብካ ምስ ትዝንገዖ ወይ ኣብ’ቲ ተባህለ ሰዓት ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእል ምሕባር ምስ ትርሰዖ፡ ነቲ ዝወሃበካ ክፍሊት(መልዕሎ) ክጸልዎ ይኽእል’ዩ።

ተደሃየና

ብዘይ ኤ-መንነት(e-legitimation) ክምዝገብ ይከኣል’ድዩ?

ናይ ኤለትሮኒክ መንነት (e-legitimation) እንተ ዘይብላካ ምምዝጋብካ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ከተዳልዎ ትኽእል ኢኻ፡ ሕሳብ ብምኽፋት ብመጠቀሚ ስምን (användarnamn) መሕለፍን (lösenord) ጌርካ ትኣቱ (logga in) ብድሕሪኡ ከም ደላይ ስራሕ ክትምዝገብ ናብ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ምኻድ ከድልየካ እዩ፡ ኣቐዲምካ ቆጸራ ክትሕዝ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እታ ናብ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ባዕልኻ ኬድካ ዝተመዝገብካላ መዓልቲ እያ ከም መጀመርያ ናይ ምምዝጋብካ መዓልቲ ትቑጸር፡ መንነት ወርቐት ተማላእ።

ካብታ ኣብዚ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዉልቃዊ ሓበሬታኻ ዝሰደድካላ ኣብ ዉሽጢ 14 መዓልቲ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎትቤት-ጽሕፈት ክትከይድ ኣሎካ፡ እዚ እንተ ዘይገበርካ እቲ ዝሃብካዮ ሓበሬታታት ብቕጽበት (automatiskt) ይስረዝ።

እንድሕሪ ናይ መርበብ ኢንተርነት ኣገልግሎትና ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል ኴንካ ከም ኣናዳይ ስራሕ ክትምዝገብ ኣብ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ክትመጽእ ኣሎካ፡ ናብ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት ክትመጽእ ከሎኻ መንነት ወረቐትካ ኣይትረስዕ፡ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ከተመልክት ክትክእል ንናይ ስራሓ-ኣልቦነት ካሳ (a-kassa) ስራሕ-ኣልቦ ከም ዝኾንካ ክንሕብሮም ኢና።

ከምዚ ጌርካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ትረክብ።

ስራሕ-ኣልቦንነት ኣብ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት፡ ብኸመይ አመልክት?

ኤ-መንነት ተጠቂምካ ኣብ መካነ-መርበብና ክትምዝገብ ከለኻ፡ ብሓባር ምስኡ ድማ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ከትመልክት ድሌት ከም ዘለካ ሓብር። ድሕረኡ ኣብ መካነ-መርበብ ናይ’ታ ትምልከተካ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ኣቲኻ ነቶም ዝጥለቡ ሓበሬታታት ምልኣዮም።

ድሮ ኣብ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ምዝጉብን ዘመልከትካን እንተነይርካ ግን ንዝኾነ እዋን ብሰንኪ ስራሕ ወይ ሕማም፡ ደው ኣቢልካዮ እንተ ነይርካ፡ ብተሌፎን ወይ ብቻት ክትደሃየና ኣለካ። ድሕሪኡ ንሕና ነቲ ናትካ መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ዳግም ደላዪ ስራሕ ከም ምዃንካ ንሕብሮ።

ተደሃየና

ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነ ኣታዊ ማለት እንታይ ማለት’ዩ( SGI)?

GI ማለት ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነት ኣታዊ ማለት’ዩ። ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ክንደይ SGI ከም ዝግበኣካ ይቕምሮ። ምስ ትሓምም ወይ ዕረፍቲ-ወላዲ ምስ ትወስድ ንኣብነት፡ ነቲ ዝወሃበካ ብዝሒ ገንዘብ ዝውስኖ SGI እዩ።

ብዛዕባ SGIን ንዕኡ ኣብ ዝተፈላለየ ዂነታት ብኸመይ ክትዕቅቦ ከም ትኽእል ናትካ ሕቶታታት እንተለካ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን) ተደሃዮ።

ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን (ፈርሸክሪን ካሳን)

መሰናበቲ-ደሞዝ ምስ ተቐበልኩ እንታይ የጋጥም?

kassa) ድማ ተመልክት።መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) ድማ ካበነይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ሓገዝ ከም ዝወሃብ ይቕምር(ሒሳብ ይገብር)። መድህን ስራሕ-ኣልቦነት( a-kassa) መሰናበቲ-ደሞዝ ከም ደሞዝ ናይ ስራሕ’ዩ ዝሓስቦ።

መዓስ ከም ተመዝገብካ ነቲ ሰረት ክፍሊት-ሕማም ዝኾነ ኣታዊ( SGI) ስለ ዝጸልዎ፡ ብዛዕባኡ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ንቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ተደሃዮ።

መሰናበቲ-ደሞዝ እንዳወሰድካ ከሎኻ ከም ደላዪ-ስራሕ ድማ እንተ ተመዝጊብካ፡ ነጢፍካ ስራሕ ከተናዲ’ውን ይግበኣካ’ዩ። እዚ ማለት፡ ስራሕ ብቐጻሊ ከተናዲ ኣለካን ንጥፈታዊ ጸብጻብ ድማ ወርሓዊ ከተቕርብ ኣለካ።

መጠንቀቕታ ምስንባት ወይ ካብ ስራሕ እንተ ተሰናቢተ ክሓስቦ ዘለኒ እንታይ’ዩ?

ኲሎም መጠንቀቕታ ምስንባት ዝወሃቦም ካብ ስራሕ ክሰናበቱ እዮም ማለት ኣይኮነን፡ ግን ምናልባት ካብ ስራሕ እሰናበት እኸውን ኢልካ ምድላው ግን ጽቡቕ’ዩ።

ናይ ምስንባት ደረት-ግዜኻ ንኣብነት ክንደይ ምዃኑ ፈትሾ። ምናልባት ስራሕ ኣልቦኛ እንተ ኾይንካ፡ ተዳሊኻ ምእንቲ ክትጸንሕ፡ ዝርዝር ተመኲሮኻን(cv) ውልቃዊ ደብዳቤኻን(personligt brev) ጽሒፍካ ኣዳልዎም።

ስራሕ ኣልቦኛ ምስ ትኸውን፡ ኣብ’ታ መጀመርያ ስራሕ ኣልቦኛ ዝኾንካያ መዓልቲ ኣባና ተመዝገብ። ነቲ ምምዝጋብ ብዝቐለለ ተከናውኖ ኣብ’ዚ ኣብ መካነ-መርበብና’ዩ።

ተመዝጊበ ምዃነይ ብኸመይ ክርእዮ እኽእል?

ተመዝጊብካ ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ርግጸኛ ክትከውን ምስ ዘይትኽእል፥ በቲ ናትካ “ኤ-መንነት” (e-legitimation)፡ ኣብቲ ”Mina sidor” ኣቲኻ ክትይርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ተመዝጊብካ እንተ ዄንካ፥ ኣብ ትሕቲ እቲ ስምካ ”Min inskrivning” ጽሑፍ ክትርኢ ኢኻ። እንተ ደኣ ”Skriv in dig” ዚብል ጽሑፍ ኣሎዎ ኰይኑ፥ ኣይተመዝገብካን ዘሎኻ ማለት’ዩ።

ዝተመዝገብኩ ምዃነይ ብኸመይ ምስክር-ወረቐት ክረክብ እኽእል?

ምሳና ዝተመዝገብካ ምዃንካ፡ ባዕልኻ ምስክር-ወረቐት ጽሒፍካ ክተወጽእ ትኽእል ኢኻ። በቲ ናትካ ”ኤ-መንነት” (e-legitimation) ጌርካ፡ ኣብቲ ”Mina sidor” ከም ትኣቱ (Logga) ግበር፥ ቀጺልካ ናብቲ "Visa/ändra mina uppgifter" ዚብል ኪድ። ነቲ "Dokument och intyg" ዚብል ምስ መረጽካዮ፥ ብ ”PDF-format” ዝተቐርጸ፥ ክትርእዮ ወይ ክትጽሕፎ ትኽእል ”ፋይል” ኪመጸልካ’ዩ።

ኣበየናይ ናይ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ኣባል ምዃነይ፥ ኣብቲ ዝተመዝገብኩሉ ጊዜ ኣይመላእኩዎን እየ። ሕጂ እንታይ ክገብርዩ ዚግብኣኒ?

ክትምዝገብ ከለኻ፡ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ እንተ ዘየመልከትካዮ፡ተሌፎን ደውለልና እሞ ነታ ናትካ ኦ-ካሳ ክንሕብራ ኢና።እቲ ናብ ኦ-ካሳ ዘመልከትካዮ ከም ቅቡል ዝቚጸር፡ካብ’ታ ተሌፎን ዝደወልካልና ወይ መጺኻ ዝበጻሕካናን መንነትካ ዘረጋገጽካልናን መዓልቲ እያ።