ተመዝገብ
ኣብ’ታ ስራሕ-ኣልቦ ዝኾንክላ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ተጠቂምኪ ኣብ መካነ-መርበብና(ዌብ ሳይትና)ተመዝገቢ።ምስ ኣራኻቢ-ስራሕ፡መደብ ናይ ምውጻእ ዝርርብ ንምክያድ ግዜ ሓዚ።ክፍሊት ንኽወሃበኪ ኣብ’ቲ ናትኪ ካሳ ስራሕ-ኣልቦነት ኣመልክቲ።
ትሕዝቶ ናይ’ዚ ገጽ
መዓስ እየ ክምዝገብ ዘለኒ?
እንተ ደንጐየ፡ ኣብታ ስራሕ-ኣልቦ ዝዀንካላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ምሳና ምዝጉብ ክትከውን ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ እቲ ኣ-ካሳ ካብታ ናይ መጀመርታ ስራሕ ኣልቦ ዝዀንካላ ዕለት ናይ ክፍሊት መሰልካ ኪግምግሙ ይኽእሉ።
ኣብታ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መጀመርታ መዓልቲ ኣባና ክትምዝገብ ከለኻን ንጡፍ ደላይ-ስራሕን እንተ ዄንካን፡ ካልእ ብዓል መዚ ወይ ኮሙን ንናይ ክፍሊት መሰልካ ገምጋም ኪገብር ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ብዛዕባ እቲ ናትካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ዘውህብ እቶት (sjukpenningpenninggrundande inkomst, SGI) ክውስኑ ይኽእሉ።
ኵሎም ክትመልኦም ትኽእል ሓበሬታታት ምልኣዮም። ብዝያዳ ክንፈልጥ እንተ ኽኢልና ብዝያዳ ብዝቐልጠፈ ክንሕግዘካ ንኽእል።
ከመይ ጌይረ እየ ዝምዝገብ?
- በቲ ናትካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ጌርካ እቶ። (ንኣብነት ብmobilt bank-id” ኪኸውን ይኽእል’ዩ)።
- ኣብ arbetsformedlingen.se ዝኾነ ሕሳብ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ መጀመርታ ናይ ግድን ናትካ ሓበሬታታት ምልኣዮምን ሓደ ሕሳብ ክፈትን።
- ሕሳብ ምስ ከፈትካን ናትካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ጌርካ ምስ ኣተካን፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃንካ ከተመልክት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
- ንኣብነት ከም ትምህርቲ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስራሕ፡ ክእለታት፡ ነየኖት ዓይነት ስራሓት ከም ትደሊ ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ክትመልእ ኢኻ።
- ክትምዝገብ ከለኻ፡ ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምዃንካ ድሮ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ኣብቲ ንህቦ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ትካፈል። ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ምሓዝን ምስ መራኸቢ ስራሕ ምርኻብን እውን ኣየድልየካን እዩ።
እንተደኣ ናትካ ኮምፕዩተር ወይ ስማርት ፎን ዘይብልካ ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት መጺእካ ኮምፕዩተር ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት
ስራሕ ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን ስራሕ እንዳ ደለኻ ከለኻ ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።ክንደይ ገንዘብ ከም ዝኽፈለካ ካብ’ቶም ዝውሱኑ ገለ፡ቅድሚ ሕጂ ንኽንደይ እዋን ከም ዝሰራሕኻን ኣባል ኦ-ካሳ ምዃንካን ዘይምዃንካን እዮም።
ነቲ ናትካ ኦ-ካሳ ብምውካስ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት።ነዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ኦ-ካሳ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) መንነትካ ብምርግጋጽ(ሎግኢን ብምግባር) ከተካይዶ ትኽእል።
ኣባል ኦ-ካሳ እንተዘይኾይንካ፡ስራሕ-ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን፡ኣባል ክትኸውንን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካን ተመዝገብ።ኣባል ናይ ሓንቲ ኦ-ካሳ ክትኸውን እንተ ዘይደሊኻ ግን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካ ኣብ ኣልፋ-ካሳ ከተመልክት ትልእል።
ቅድሚ እቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝግበር ዝርርብ ተቐራረብ
ገና ክትምዝገብ ከለኻ፡ ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ኣብ ውሽጢ 3 ወርሒ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ምዃንካ ድሮ ሕጂ ፈሊጥካ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ኣብቲ ንህቦ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ጥራይ ኢኻ ትካፈል። ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ንምግባር ቈጸራ ምሓዝን ምስ መራኸቢ ስራሕ ምርኻብን እውን ኣየድልየካን እዩ።
ቅድሚ እቲ ኣኼባ እንተ ተቐራረብካን ባዕልኻ መደብ ከተውጽእ እንተ ጀመርካን ጽቡቕ እዩ። ሽዑ እቲ ኣኼባ ብዝያዳ ኣድማዒ ይኸውን። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፤
- ነቲ ናትካ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ደጊምካ ክትርእዮን ከተሓድሶን
- እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ክትሓስበሉ።
ኣብቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ እንታይ እዩ ክግበር?
እቲ ቐዳመይ ምሳና ዝግበር ኣኼባ፡ እንተ ነውሐ 30 ደቓይቕ ዝወስድ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ንስኻን ሓደ መራኸቢ ስራሕን ካብ ብዙሕ ውሑድ ነዚ ዝስዕብ ክትርእይዎ ኢኹም፤
- ክእለታትካ
- ነየኖት ስራሓት ከም ትደሊ
- ካባና ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል
- ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ።
ስራሕ ከተናድን ክትሰርሕን ተወሳኺ ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ድማ ንርኢ፡ ንምሳሌ ኣካለ ስንክልና፣ ብሕክምና መርመራ ዝተለለየ ሕማም ወይ ጥዕና እንተ ዘይብልካ፡ ብድሕሪኡ ብሓደ ኾይና ንኽትሰርሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ክነጽንዕ ኢና።