Intensiv praktik

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ምስ ትኸውንን ኣብ ውሽጢ መትከሊ-እግሪ ዘሎ ጽዑቕ-ዓመት ምስ ትሳተፍን፡ናይ ስራሕ ተመክሮ ንኽትቐስም፡ጽዑቕ ልምምድ ስራሕ ንዓኻ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።እቲ ዕላማ ኣብ’ቲ ትለማመደሉ ዘለኻ ሞያ ወይ ጽላት ብዝቐልጠፈ ስራሕ ንኽትረክብ እዩ።

እንታይ’ዩ

ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ስራሕ ምስታፍ ማለት ኣብ ሓደ ትካላ ኣቲኻ ስራሕ ብምፍታን ዓቕሚ ሞያኻ ተሐይለሉን ተመክሮ ስራሕ ትቐስመሉን ማለት’ዩ።እዚ ጽዑቕ ልምምድ ስራሕ ሓደ ኣካላ ናይ’ቶም ኣብ ሞያ ዝተመርኮሱ፡ኣብ’ቲ ዝመረጽካዮ ሞያ ወይ ጽላት ስራሕ ንኽትረክብ ዘለካ ዕድል ክብ ከብሉ ዝኽእሉ ጻዕርታት እዩ።

እዚ ልምምድ ውጽኢታዊ ክኸውን እንተ ኾይኑ፡ኣብ’ቲ ልምምድ ስራሕ ትገብረሉ እዋን ዝመርሓካ ሰብ ክህልወካ ኣገዳሲ’ዩ።

ንመን

  • ጽዑቕ ልምምድ ስራሕ ዝወሃበካ ኣብ ውሽጢ መደብ መትከሊ-እግሪ ዘሎ ጽዑቕ-ዓመት ተሳታፊ ምስ ትኸውን እዩ።
  • ኣብ መደብ መትከሊ-እግሪ ብውሕዱ 12 ኣዋርሕ ክተርፈካ ኣለዎ።
  • ምሉእ ሰዓታት ክትሳተፍ ክትኽእል ኣለካ።

ብኸምዚ ይሰርሕ

  • ጽዑቕ ልምምድ ስራሕ ንዓኻ ዝምልከተካን ዘይምልከተካን ዝግምግምን ዝውስንን ቤ/ጽ ዕዮ እዩ።
  • ኣየናይ ሞያ ወይ ጽላት ምሳኻ ከም ዝሰማማዕ ሓቢርና ንውስን።
  • ኣብ’ቲ ልምምድ ስራሕ ትገብረሉ እዋን፡ሞያኻ መታን ክምዕብል፡ንጹራት ዕላማታት ንሕንጽጽን ንውድብን።
  • እቲ ምሳኻን ምስ ቤ/ጽ ዕዮን ቀጻሊ ርክባት ዘለዎ ዝመርሓካ ሰብ ደገፍ ይህበካ።
  • እቲ ልምምድ ስራሕ ምስ ኣብቀዐ፡ኣብ’ቲ እዋን ልምምድ ዘጥረኻዮም ፍልጠታት ኣየኖት ምዃኖም ዝምስክር፡መረጋገጺ ወረቐት ካብ’ቲ ኣስራሒ ይወሃበካ።

እቲ ልምምድ ስራሕ ክሳብ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ክቕጽል ይኽእል እዩ።ኣድላዩ ምስ ዝኸውን ድማ ተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ክውሰኾ ይኽእል።

ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ዝምጠወልካ ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዘዳልዎ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትኸውን’ዩ። ድሕሪኡ ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ተመልክት።ከመይ ገይርካ ክፍሊት ክወሃበካ ከም ተመልክትን ኣብ’ቲ ፕሮግራም ምስታፍ እንታይ ጠለባት ከም ዘለዎ ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል።

ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ዘዳልዎ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

Så här tar du nästa steg

Kontakta oss

Förbered dig så att du kan motivera varför stödet kan öka dina möjligheter till jobb.

Bedömning

Tillsammans kartlägger vi din situation. En arbetsförmedlare bedömer om stödet är ett bra sätt att öka dina möjligheter till jobb.

Beslut

Vilket stöd vi kan erbjuda dig beror på hur just din situation ser ut. Vem som har rätt till ett stöd regleras ytterst av regeringen.