Bidrag till uppstartskostnader vid start av näringsverksamhet

ንስኻ ሓደ ኣኽሳቢ ክኸውን ዝኽእል ጽቡቅ ናይ ንግዲ ሓሳባትን ዘሎካ፡ ከምኡ’ውን ዝነከየ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘስዕብ ስንክልና ዘሎካ፡ ንምስቲ ናትካ ምጅማር ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ዝህሉ ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ

Bidrag till uppstartskostnader vid start av näringsverksamhet ፡ ነቲ ንጥፈታትካ ኣብ ምጅማር ዘቃልለልካን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ናይ ዕዳጋ ስራሕ ዘሎካ ዕድላት ዘዕብን ሓደ ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ። ምስ ምብጋስ ትካልካ ዝተተሓሓዘ መሳርሒታት ንምግዛእ ወይ ንኻልኦት ወጻኢታት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ንምርካብ ዘሎ ቅድመ ኵነት፡ ነቲ ትካልካ እንተ ወሓደ ንሰለስተ ዓመት ከተስርሖ መደብ ክህልወካ እዩ።

እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ምስ stöd till start av näringsverksamhet ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ምስ ካልኦት ሰባት ኴንካ ዋኒን ክትከፍት እንተ ደሊካ እውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ንመን

ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ናይ ግድን ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡

  • ናይ ምስራሕ ዓቕምኻ ከም ዝንኪ ዝገብር ሓደ ስንክልና ዘሎካ።
  • ሓደ ዋኒን ንኸተካይድ ጽቡቕ ኵነት ዘሎካ።
  • ኣኽሳቢ ክኸውንን ንዝበዝሐ ክፋል መነባብሮኻ ከበርክት ይኽእልን እዩ ኢልና ዝገምገምናዮ ሓደ ጽቡቕ ናይ ንግዲ ሓሳባት ዘሎካ።
  • ነቲ ትካልካ እንተ ወሓደ ንናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ከተስርሖ መደብ ዘሎካ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

ብዛዕባ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊካ ምሳና ርክብ ግበር። ቅድሚ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ክውሃበካ ከም ዝኽእል ምውሳንና፡ ናይ መጀመሪ ወጻኢታትካ ጸብጻን ክትህብን መደብ ምወላ ነቲ ናትካ ዋኒን ከተቕርብን ከድልየካ እዩ።

ሓደ ናይ ንግዲ ሓሳባት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ መጀመርታ ናይ ንግዲ ውጥን ከተውጽእ የድልየካ እዩ። ከመይ ጌርካ ናይ ንግዲ ውጥን ከም ተውጽእን ሓደ ትካል ተካይድን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ verksamt.se ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ትካል ምብጋስን ምክያድን

ቍጠባዊ ሓገዝ

ክሳብ 60 000 ክሮኑር ዝበጽሕ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ካባና ብመልክዕ ድምር ክፍሊት (ኵሉ ብሓንሳብ) ይኽፈል። እቲ ክፍሊት ኣብ ገለ ገለ ኵነት ግብሪ ዝኽፈሎ ምኳኑ ኣስተብህል። ዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስ Skatteverket ተራኸብ። ድሕሪ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ምውሳድካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ነቲ ትካልካ እንተ ዓጺኻዮ ወይ ሸጥካዮ፡ ብምልኡ ወይ ክፋል ናይቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ክትመልሶ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።