Arbetsmarknadsutbildning för personer med synnedsättning

እንድሕሪ ድኣ ናይ ምርኣይ ጸገም ወይ ናይ ምርኣይ ድኻም ኣሎካ ኾይኑ ንናትካ ድሌትን ኩነታትን ዝሰማማዕ ናይ ዉልቂ ትምህርት ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል

እንታይ

ናይ ምርኣይ ጸገም ዘሎካ ንዓኻ ዝሰማማዕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ዕድል የዛይዶ፡ እቲ ትምህርቲ ንዓኻ ከም ዉልቀ ሰብ ዝዉሃሃድ እዩ፡ እቲ ናይቲ ትምህርቲ ትሕዝቶ እቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእካዮ እዚ ዝስዕብ ክትረክብ ዕድላት ይህበካ

  • ወይ ኣብቲ ስራሕ ተናድየሉ ከባቢ ብሞያኻ ስራሕ ክትረክብ
  • ወይ ኣብ ናይ ብጹሓት ቤት ትምህርቲ (komvux)፣ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ወይ ገለ ካብቲ መራኸብቲ ስራሕ ዝኸፈሉሉ ሞያዊ ትምህርቲ ክትጅምር
  • ናትካ ከም ወናኒ ትካል ክትከፍት ትኽእል

እቲ ትምህርቲ ክልተ ክፋላት ዝሓዘ እዩ፡ እቲ መጀመርያ ክፋል መዳለዊ ኮይኑ ትሕዝትኡ ኽኣ ከም ዉልቀ ሰብ ዘሎካ ፍልጠትን ክእለትን ምፍታሽ፣ ኣንፈት ትምህርቲ፣ ልምምድን (ፕራክቲክ) ናይ ስራሕ ምድላይ ንጥፈታትን የጠቓልል፡ እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ኽኣ ኣብቲ ዝተመደበ ናይ ስራሕ ቦታ ኾንካ ምስልጣንን ከምኡ ኽኣ ኣብቲ እንዳ ዉሃብ ስራሕ ኾንካ ተቖጺርካ ንኽትሰርሕ ንምድላዉ እዩ።

ንመን

እዚ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎም ሰባት ዝዉሃብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲ ንዓኻ ስራሕ ኣልቦ ንዝኾንካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ንኽትከዉን ስግኣት ዘሎካ እዩ ዝምልከት፡ ከም ደላይ ስራሕ ኣባና ምዝጉብ ምዃን ከድልየካ እዩ፡ ንዓኻ ዝምችእ ጻዕርታት ክንገብረልካ ክንክእል ዝተሰነደ ናይ ዓይኒ ማህሰይቲ ወይ ድኻማት ከም ዘሎካ ዝገልጽ መዝገብ ዉን ክህልወካ ኣለዎ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

  • ነዚንናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝዉሃብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ትምህርቲንዓኻ ዝምችእ ትምህርቲ ምዃኑ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኢና ንግምግሞ
  • እዚ ትምህርቲ ማዕረ ማዕረ ምስ ኤስ ኤፍ ኢ (sfi) ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ
  • ኣብዚ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣቕረብቲ ትምህርቲ ይህቡ ኣብ ኣዉራጃ ስቶክሆልም፣ ቬስትራ ዮታላንድ ከምኡ ዉን ኣብ ስኮነ ዘለው ኣዉራጃታት ቀዋሚ ትምህርቲ ኣሎ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ከባቢ ኣዉራጃ ዉን ክህሉ ይኽእል እዩ
  • ዓቢ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ እዩ ዝካየድ
  • ኣድላይነቱ ተራእዩ እቲ ትምህርቲ 20 ሚእታዊት ብናይ ገዛእ ርእስኻ ትምህርቲ ብናይ ርሑቕ (distans) ክኸዉን ይኽእል እዩ
  • ኣብቲ ትምህርቲ ክሳብ 46 ሰሙናት ክትካፈል ትኽእል

መተካእታ ገንዘብን ኩነትን

ኣብዚ ደገፍ ክትካፈል ከሎኻ ኣብ ሓደ መደብ ስለ ትሳተፍ ንናይ መተካእታ ገንዘብ ናብ ናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣብዚ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ እንድሕሪ ድኣ ኴንካ እሞ ኣብ ሓደ መደብ እንድሕሪ ትካፈል ኴንካ መትካእታ ገንዘብ ንኽተመልክት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን እንታይ እዩ እቲ ኩንተን ክነግረካ ኢና።

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ