መተካእታ ክፍሊት ንወጻኢ ገንዘብ ናይ መጓዓዝያ

ንሶም ካብ ዝነብርሉ ናብ ዝርሕ ቦታ ንቃለ-ምሕተት ስራሕ ዝኸዱ እንተኾይኖም ናይ ጉዕዞን መፅለልን ወፃእታት ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ መደብ እንተተሳቲፎም ወይ ምርመራ እንተተፈዱሎም ካሕሳ በሉ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ እቲ ጉዕዞ ንመሰል ካሕሳ ንምምልካት ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከመልክቱ ኣለዎም።

ንቃለ-ምሕተት ስራሕ ናይ ጉዕዞ ካሕሳ

ካብቲ መደበኛ ዕለታዊ ናይ ጉዕዞ ርሕቐት ወፃኢ ናብ ዘሎ ቦታ ንቃለ ምሕተት ስራሕ እንትጓዓዙ፤ ነዞም ዝስዕቡ ኩሎም እንተማሊኦም ንጉዕዞን መፅለልን ወፃእታት እንተበዝሐ 2500 ክሮነር ክከሓሱ ይኽእሉ እዮም። ንሶም

  • ቅድሚ እቲ ጉዕዞ ናይ ጉዕዞ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ኣመልኪቶም እዮም
  • ዕድሚኦም 20 ዝመልኦምን ስራሕ ስኡን እዮም ወይከዓ ኣብ ናይ ምዃን ስግኣት ኣለዉ
  • ከም ደላያይ ስራሕ ኣባና ተመዝጊቦም እዮም።

ካብቲ መደበኛ ዕለታዊ ናይ ጉዕዞ ርሕቀት ኣብዚ ኩነታት እንተንኣሰ ናይ 3 ሰዓታት በፂሕካ ምምላስ ማለት እዩ።

ብተወሳኺ

  • እቲ ምብፃሕ ንሶም ስራሕ ንክረኽቡ ኣገዳሲ ምዃኑን ኣብ ዝነብርሉ ከተማ ወይ ቀረብኦም ስራሕ ክረኽቡ ከም ዘይኽእሉን ንግምግም ኢና
  • እቲ ስራሕ ኣብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ወይከዓ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ወይከዓ EEA ስራሕ ኣብ ዝደልዩሉ ሃገር ውሽጢ ተወዓዊዑ እዩ ወይ ተወዓዊዑ ነይሩ እዩ። እቲ ስራሕ ኣብ ዌብሳይት Eures እውን ተወዓዊዑ ክኾን ይኽእል እዩ።

ከም ናይቲ ፕላትስባንከን ምውዕዋዕ ሊንክ፣ ናይቲ ምውዕዋዕ መለለዪ ቁፅሪ ወይከዓ ናይቲ ምውዕዋዕ ስክሪንሻት ዝኣመሰሉ ብዛዕባ እቲ ንሶም ዘመልክትዎ ዘለዉ ስራሕ ግቡእ ሓበሬታ ምሓዞም ይዘክሩ። ንናይ ጉዕዞ ካሕሳ እንተመልክቱ እዚ ሓበሬታ ንዓና ምሃብ ከድልዮም ይኸውን እዩ።

ውሳነ ምርካብን ቆፆሮ ምሓዝን ከመይ ይከኣል

  1. ቅድሚ ጉዕዞ ኣብ ዝጥዕሞም መሰል ናይ ጉዕዞ ካሕሳ ንምርካብ ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ብ0771-416 416 ይርከቡ። ኣብ ውሽጢ ሽወደን ቅድሚ ምጉዓዞም እንተንኣሰ ቅድሚ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ/EEA ቅድሚ ምጉዓዞም እንተንኣሰ ቅድሚ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ክረኽቡና ኣለዎም።
  2. ኩሎም ኩነታት ከም ዝተማልኡ ንምርምር ካብኡ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል እንተሊዩዎምን እንተዘይብሎምን ንውስን።
  3. እቲ ውሳነ ኣዎንታዊ እንተኾይኑ፤ ክንደይ ዝኣክል ካሕሳ ከም ዝቕበሉ ንነግሮም ከምኡ እውን ጉዕዞን ዝኾነ ዓይነት መፅለልን ከመይ ከም ዝተሓዝ ምስኦም ንስማዕማዕ። ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ወይከዓ EEA ጉዕዞ ኣየር ከትሕዝ ይኽእል ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሽወደን፣ ኖርወይን ዴንማርክን ጉዕዞ ባቡር ከትሕዝ ይኽእል እዩ። ከምኡ እውን ነቲ ጉዕዞ ባዕሎም ኣትሒዞም ብድሕሪኡ ድማ ንወፃእታቶም ካሕሳ ምርካብ ይኽእሉ እዮም።

ንመደባት ወይከዓ ምርመራታት ናይ ጉዕዞ ካሕሳ

ከምዚ ዝስዕብ እንተኾይኖም ናይ ጉዕዞ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም

  • ካብ መደባትና ኣብ ሓዲኡ ተመዝጊቦም እዮም ከምኡ እውን ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዙ የድልዮም እዩ
  • ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዘ ዳግመ ሕውየት (arbetslivsinriktad rehabilitering) ይቕበሉ እዮም
  • ቅድሚ መደብ ምጅማሮም ምርመራ እንተተገይርዎም
  • ንዕለታዊ ጉዕዞ ኣብ ዝነብርሉ ቦታ ካብቲ ልሙድ ዕለታዊ ናይ ጉዕዞ ወፃኢ ዝበለፀ ንዝኾነ ክፋል ወፃኢ መጓዓዝያ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ግዘ ብወርሒ እንተንኣሰ 600 ክሮነር ክኸፍሉ ኣለዎም።
  • ነዊሕ ርሕቀት ክጉዓዙ እንተልዩዎምን ኣብቲ ከባቢ መፅለሊ እንተድልይዎምን፤ እቲ መደብ እንትጅመር ናብቲ መደብ ዝኸድሉ ምስተወድአ ከዓ ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ ናይ ጉዕዞ ካሕሳ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም።እቲ መደብ ልዕሊ 14 መዓልትታት እንተኾይኑ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ናይ መምለሲ ጉዕዞ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ መደብ መትከል እግሪ (etableringsprogrammet) ውሳነ ቅድሚ ምሃብ ንዓና እንትጉብንዩ ካብን ናብን ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ንዝገብርዎ ወፃኢ ጉዕዞ እውን ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ካሕሳ መፅለሊ

ንውሓት እቲ መደብ ካብ 30 መዓልትታት ዝወሓደ እንተኾይኑ፣ ንናይ መፅለሊ ወፃእታቶም ኣብቲ ካልእ ቦታ ክከሓሱ ይኽእሉ እዮም። መፅለሊኦም ብኣና ገይሮም ከትሕዙ ይኽእሉ እዮም ካብኡ ካብ ባዕሎም ወፃኢ ምግባር ኣይክህልዎምን።

ንውሓት እቲ መደብ ልዕሊ 30 መዓልትታት እንተኾይኑ ኣብ መዓልቲ 110 ክሮነር ናይ መፅለሊ ወፃኢ ካሕሳ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና ኣብ ወርሒ ካብ 2 400 ክሮነር ኣይበልፅን። ካብኡ ባዕሎም መፅለሊኦም ከዋድዱ ይኽእሉ እዮም።

ውሳነ ምርካብን ቆፆሮ ምሓዝን ከመይ ይከኣል

ቅድሚ ጉዕዞ ንናይ ጉዕዞ ካሕሳ ብፅሑፍ ከመልክቱ ኣለዎም። እዚ ከመይ ከም ዝግበር ሓበሬታ ንምርካብ ብ0771-416 416 ይደውሉልና።

ወፃእታቶም ብኸመይ ይሓትቱ

ናይ ውንዙፍ ዕዳ ካሕሳ ሓቲቶም እዮም። ከምዚ ዝስዕብ ይግበሩ፦

  1. ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ብኤለክትሮኒክ መለለዪኦም (ንኣብነት መለለዪ ሞባይል ባንክ) ይእተዉ።
  2. ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም እንተወሲንና “ናይ ጉዕዞ ካሕሳ” (Ersättning för resa) ዝብል መማረፂ ይርኣይ እዩ። ኣብ ናይ ካሕሳ መሰሎም ውሳነ እንተዘይተቐቢሎም እዚ መማረፂ ኣይረኣይን እዩ።
  3. “ናይ ጉዕዞ ካሕሳ” (Ersättning för resa) እትብል ይንክኡ እሞ ኣብቲ ዲጂታል ግልጋሎት ከም ዝተኣዘዝዎ ብምግባር ዝርዝራት ይምልኡ።
  4. ምስ ወድኡ ብኤለክትሮኒክ መለለዪኦም ይፈርሙ።

ናይ ኤለትሮኒክ መንነት እንተ ዘይብላካ

እንድሕሪ ድኣ ብዝኾነ ምኽንያት መተካእታ ገንዘብ ብድጂታል ክትመልእ ዘይክኣልካ ብተሌፎን ቁጽሪ 0771-416 416 ደውለልና።

ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን

ብመኪና እንድሕሪ ተጓዒዘ ናይ ኪሎ ሜትር መታካእታ ገንዘብ ብኸመይ የመልክት?

እንድሕሪ ተፈቒዱልካብናትካ መኪና ክትጉዓዝብድሕሪኡ ናይ ኪሎ ሜትር መተካእታ ገንዘብ ተመልክት፡ ዝኾነ ቅብሊታት ክተታሓሕዝ ኣየድልየካን እዩ።

ኣብ ሓደ መደብ ክትካፈል ከሎኻ ናይ ጉዕዞ እንድሕሪ ድኣ ተፈቒዱልካ ናብቲ ንመደብ ዘዳሉ ንኽትመላለስ ዘድልየካ ጉዕዞታት ጥራይ እዩ ናይ ገንዘብ መተካእታ ዝፍቀደካ፡ እቲ ናይ ኪሎ ሜትር መተካእታ ገንዘብብድሕሪ እቲ ጉዕዞ ዝገበርካዮ ወርሒ ዝተመላለስካሉ መዓልቲ/መዓልታት ጸብጸብካ ትመልኦ። ናይ ሓደ መዓልቲ ጉዕዞ ማለት ብቲ ትኸዶን ንገዛኻ ትምለሶን መንገዲ ማለት እዩ፡

ነቲ ብናይ ህዝባዊ መጉዓዝያ ዝኸፈልኩዎ ወጻኢታት ንናይ ጉዕዞ መተካእታ ገንዘብ ከመልክት ከለኹ ንናይ መዓስ እዋን ክሓትት?

ካብታ ክትጓዓዘላ ዝጀመርካላ ወርሒ ጀምር፡ እቲ እዋንልክዕ ከምቲ ኣብ Mina sidor ዘሎ መመልከቲ ወርሒ ክኸዉን ኣለዎ።

ናይ እዋን ካርድ (periodkort) እንድሕሪ ኣላትካ እሞ ካብ መጨርሻ ወርሒ እንድሕሪ ትሓልፍ ኮይና እታ ትጅምረላ ዕለትን እታ መጨረሻ ትወድቀሉ ዕለትን ሃብ።

ቅብሊት መዓስ እዩ ክዕቅቦ ዘሎኒ?

ጉዕዞኻ ወይ ናይ መናበሪኻ ባዕልኻ እንድሕሪ ድኣ ከፊልካዮ ከም ዝኸፈልካ ዘረጋግጽ ቅብሊት ክህልወካ ኣለዎ፡ መተካእታ ገንዘብ ክትሓትት ከሎኻ እቲ ቅብሊታት ኣትሓሒዝካ ከተቕርብ ኣሎካ፡ እቲ ቅብሊታት ዝገዛእካሉ መዓልቲ፣ ንኽንደይ ከም ዘገልግልን ከምኡ ዉን ክንደይ ከም ዝኸፈልካን ዝሓዘ ክኸዉን ኣለዎ።

ገንዘብ መዓስ ኢኹም ትኸፍሉ?

ገንዘብ ክንከፍለካ ክንክእል መጀመርያ ንኽትክፈል እቲ ዝምላእ ወረቕት ክትመልኦ ኣሎካ ብድሕሪኡ ገንዘብካ ክትረክብ ትኽእል፡ ከም ንቡር እቲ ገንዘብ ኣብ ዉሽጢ ሒደት መዓልታት ይመጸካ፡ እንድሕሪ ድኣ እቲ መመልከቲኻ መመላእታ ዘድልዮ ኾይኑ ገንዘብካ ክሳብ ዝመጸካ ነዊሕ ግዜ ትጽበ ትኸዉን።

ገንዘበይ ብኸመይ ይመጸኒ?

እቲ ምኽፋል ስዊድ ባንክ እዮም ዘማሓድርዎ፡ ምስ መለለይ ቁጽርኻ (personnummer) ዝተሓሓዘ ናይ ባንካ ሕሳብ እንተ’ሎካ ኣበየናይ ባንካ ብዘየገድስ እቲ ገንዘብ ኣብ ሕሳብካ ይወርድ፡ ስዊድ ባንክ ብዛዕባ ናይ ምኽፋል ሓበሬታ መልእኽቲ ይሰዱልካ።

እንድሕሪ ኣብ ዝኾነ ባንካ ሕሳብ ዘይብልካ ኣብ ክንድኡ ናይ ትኽፈለላ ካርድ ብቡስጣ ትመጸካ።

ናይ ትኽፈለላ ካርድ እንድሕሪ ኣላትካ እሞ ኣብ ዝመጽእ ኣብ ሕሳብካ ከወርደልካ እንድሕሪ ደሊኻ ንስዊድ ባንክ ተወከሶም፡ ሕሳብካ ኣብ ናይ ስዊድ ባንክ መርበብ ኢንተርነት ከተምልክት ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኣብ Mina sidor ዘሎ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት “Ersättning för resa” ዝብል ዘርእዮ ዕለት እዩ እቲ ንሕና ንኽፍለካ ዕለት፡ ብድሕሪኡ ክሳብ እቲ ገንዘብ ኣብ ናይ ባንካኻ ሕሳብ ዝወርድ ወይ ናይ ክፍሊት ካርድ ክሳብ ዝመጸካ ገለ መዓልታት ይዱንጒ ይኸዉን።

መሰነይታይ ዉን ገንዘብ ክዉሃቦ ይክኣል ድዩ?

እወ ምስ መንገድኻ ዝተታሓሓዘ እንድሕሪ መሰነይታ ዘድልየካ ኾይኑ፣ መሰነይታኻ ናይ ጉዕዞ ገንዘብ፣ ኣበል (traktamente)፣ ናይ መጣጥሒ ወጻእን መታካእታ ናይ ዝኸሰሮ ደሞዝን ይኽፈሎ።

ንምንታይ ዝተኸፈልክዎ ግዴታ ክመልሶ ሓበሬታ መጺኡኒ?

እንድሕሪ ድኣ ጌጋ ሓበሬታ ሂብካና ወይ ጉዕዞኻ ብቕቡል ቅብሊት ክተረጋግጽ እንድሕሪ ዘይክኣልካ ወይ ብኻልእ መንገዲ ብጌጋ ምኽንያት ወይ ብጌጋ መሰረት ካብ መጥን ንላዕሊ ገንዘብ እንድሕሪ ተኸፊሉካ ክትመልሶ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ምምልላስ (ንጉዕዞ) ደገፍን ናይ ምቕያር ናይ ገንዘብ ኣበርክቶ ሰሚዐ፡ እዚ ሓገዝ እዚ ገና ይስርሓሉ ኣሎ ድዩ?

ኣይፋል ናይ ምምልላስ ደገፍን ናይ ምቕያር ናይ ገንዘብ ኣበርክቶን ድሕሪ ደጊም የለን።

ኣነ ሕጂ ካብ መራኸብቲ ስራሕ ተፋንየ እየ፡ ናይ ዝሓለፈ መተካእታ ገንዘብ ብ Mina sidor ከመልክት ከመይ ይገብር?

ድሕሪ ደጊም ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብ ስለ ዘይኮንካ ኣብ Mina sidor ኣቲኻ መተካእታ ገንዘብ ከተመልክት ዝክኣል ኣይኮነን፡ ብቑጽሪ ተሌፎን 0771-416 416 ደዉለልና እሞ ክንሕግዘካ።

መተካእታ ገንዘብ ብመኪናይ ክጉዓዝ ከለኹ ክዉስኽ ድዩ?

ብመኪናኻ ክትጉዓዝ ከሎኻ እቲ ካብ መራኸብቲ ስራሕ ዝመጸካ መተካእታ 185 አረ (öre) ንሓደ ኪሎ ሜተር እዩ፡ እቲ ካብ መራኸብቲ ስራሕ ዝመጽእ መተካእታ ገንዘብ ምስቲ ካብቲ ካብ ናይ ግብሪ ሰብ-መዚ (Skatteverket) ዝዉሃብ ናይ ንስራሕን ካብ ስራሕን ጉዕዞ ናይ ምዉሳኽ ምጉዳል-ግብሪ ክትሓዋወስ የብሉን።

ተውሳኺ ሕቶ እንተ’ሎኒ ንመን ይሓትት?

ኣብዚ ዘይተመልሰ ሕቶ እንተ’ሎካ ንዓና ተወከሰና፡ ጉዳይካ ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ መተካእታ ገንዘብ ምዃኑ ንገር።