ቅጥዕታትን ወረቓቕቲ ምስክርን

ልሙዳት ቅጥዕታትን ወረቓቕቲ ምስክርን ንሸቕለ-ኣልቦኛታት።

ኣብቲ ናይ ኣ-ካሳኻ ኣቲኻ (loggar in) ንናይ ገንዘብ ንመተካእታ ኣመልክት ወይ ነቲ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ጽልዋ ክገብረሉ ዝኽእል ለዉጥታት እንተ’ሎ ሓብር፡ እንድሕሪ ድኣ እቲ ናይ ድጂታል ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል ኾንካ ፎርም ንኽትረክብ ን ኣ-ካሳኻ ተወከሶም።

ካብ ኣ-ካሳ ንመተካእታ ገንዘብ ኣመልክት (sverigesakassor.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ቅድሚ ስራሕ ኣልቦ ምዃንካ ተቖጺርካ ትሰርሕ ኔርካ? ተቖጺርካ ትሰርሕ እንድሕሪ ድኣ ኔርካ እቲ ዉሃብ ስራሕካ ዝነበረ ሓደ ናይ ዉሃብ ስራሕ ምስከር ወረቐት (arbetsgivarintyg) መሊኡ ይህበካ በዚ እቶም ኣ-ካሳ ይቖጽሩልካ እቲ መተካእታ ገንዘብ።

ናይ ዉሃብ ስራሕ ምስከር ወረቐት (arbetsgivarintyg.nu) (ብቛንቋ ሽወደን)

ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ እቲ ዝዉሃበካ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ ሒዝካ ስራሕ ከታናዲ ናብ ናይ ካልእ ናይ ኣዉሮጳ ሕበረት ሃገር (EU, EES) ወይ ስዊዘርላንድ ክትከይድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ሓደ ምስክር ወረቐት U2 ካብ IAF ከድልየካ እዩ።

ኣብ ሕቡራት ኣዉሮጳ EU ስራሕ ከተናዲ ምስክር ወረቐት (iaf.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

በብወርሑ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ንጥፈት ዝፅብፅቡሉ ፀብፃብ ንጥፈት (aktivitetsrapport) ከቕርቡ ኣለዎም። ፀብፃብ ንጥፈቶም ካብቲ ናይ ወርሒ 1ይ ዕለት ከየቐደሙን ካብ መበል 14 ዕለት ከየዘንገዑን ከቕርቡ ኣለዎም። ንጥፈታቶም ዝፅብፅቡሉ እቲ ዝቐለለ መንገዲ ኣብ ዌብሳይትና እዩ። ነዚ ንምግባር ብኤለክትሮኒክ መለለዪ (ንኣብነት ናይ ሞባይል ባንኪ መለለዪ) ምእታው የድሊ።

ኤለክትሮኒክ መለለዪ እንዘየልዩዎም ኣብ ኮምፒዩተር ነቲ ቅጥዒ ፀብፃብ ንጥፈት (Aktivitetsrapport) መሊኦም ብምሕታም ብፖስታ ክልእኹልና ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣድራሻ ኣብቲ ቅጥዒ ኣሎ። ኮምፒዩተር ወይከዓ ሓታማይ እንተዘየልዩዎም ካብ ቢሮ ግልጋሎት ክልቅሑ ይኽእሉ እዮም።

ክሳብ ዕለት 14 ምእንታን ክበፅሐና ነቲ ቅጥዒ ኣብ ፅቡቕ ሰዓት ምልኣኾም ይዘክሩ። ነቲ ቅጥዒ ናብ ቢሮ ግልጋሎት እውን ከእትውዎ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ቅጥዒ ብኢሜይል ከእትዉዎ ኣይኽእሉን።

ናይ ንጥፈታት-ጸብጻብ - Aktivitetsrapport (ብቛንቋ ሽወደን) Pdf, 435 kB.

Activity report in english  Pdf, 440 kB.

ኣብ ሓደ ካብ እንህቦም ዕድላት ደገፍ ወይ ፕሮግራም ኣብ እትሳተፈሉ እዋን፡ ደገፍ ንጥፈት፡ ደሞዝ ምዕባለ ወይ ንሞዝ መትከል-እግሪ ክትረክብ ትኽእል። ወርሒ-ወርሒ ኢኻ ጠለብ ደሞዝ ናብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ እተቕርብ፡-

ዚምልኡ ቅጥዕታት ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (ብቛንቋ ሽወደን) (forsakringskassan.se)

እንድሕሪ ሰሪሕካን ስያመታት ስራሕ ኣማሊእካን ንኽንደይ መዓልታት ከም ትዕጾ ጽልዋ ክገብረሉ ይኽእል እዩ፡ ናይ ስራሕ ስያመታት ተማልእ እንድሕሪ ኾንካ ኣ-ካሳኻ እዮም ዝጽብጽብዎ፡ እዚ ፎርም እዚ ተጠቒምካ ናብ ኣ-ካሳኻ ልኣኮ።

መረጋገጺ ናይ’ቲ ኦ-ካሳ ዝሓቶ ናይ ስራሕ ጠለባት (ብቛንቋ ሽወደን) Pdf, 298 kB.

ካብ ናይ ንጥፈታት ደገፍ ገንዘብ (aktivitetsstöd)፣ ናይ ምዕባሌ መተካእታ ገንዘብ (utvecklingsersättning) ወይ ናይ መትከል እግሪ መተካእታ ገንዘብ (etableringsersättning) መጠንቀቕታ ክዉሃበካ ይኽእል እዩ ወይ ክትዕጾ ኢኻ ዝብል ደብዳበ መጺኡካ? ቅድሚ ናይ መወዳእታ ዉሳኔ ምዉሳና ተወሳኺ ሓበሬታ ከተቕርብ ዕድል ኣሎካ።

ቅድሚ ናይ መጠንቀቕታ ወይ ናይ ምዕጻው ዉሰኔ ምዉሳኑ መመላእታ ሓበሬታ ኣቕርብ (ብቛንቋ ሽወደን)

ብሓደ ዝወሰንናዮ ውሳነ እንተ ዘይዓጊብካ፡ ከም ብሓድሽ ክንምርምሮ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ዉሳኔ እንደገና ክርኣየልካ ሕተት (ብቛንቋ ሽወደን)

ኣብ መንግስታዊ ትካል ተቘጺርካ ትሰርሕ ዝነበርካን ኣብ ትሪግሄት-ስቲፍተልሰ ድማ ምዝጉብ ምስ ትነበር፡ ኣብ ገሊኡ ኲነታት ፍሉይ ክፍሊት ጡሮታ ከተመልክት ይከኣል እዩ።ምስ’ቲ ኣብ ትሪግሄት-ስቲፍተልሰ ዝሰርሕ ኣማኻሪኻ ሓቢርኩም ኢኹም ነቲ ፍሉይ ክፍሊት ጡሮታ ተመልክትዎ።ምስ’ቲ መመልከቲ ገለ ሰነዳትን ከም’ኡ ድማ ቤ/ጽ ዕዮ(ኣርቤትስ ፈርሜድሊን)ዝህቦ ንዓኻ ዝምልከት ገምጋም ኲነታት ዕዳጋ-ስራሕ ኣሰኒኻ(የሕቢርካ) ምሃብ ከድልየካ እዩ።እቲ መመልከቲ ኣብ’ዚ ኣለካ።

ፍሉይ ክፍሊት ጡሮታ መመልከቲ (ብቛንቋ ሽወደን) Pdf, 407 kB.

እዚ ፎርም ምስ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ዘሎካ ጉዳይ ካልእ ሰብ ክዉክለካ ዉክልና ን ክትህብ እንድሕሪ ደሊኻ ዝምላእ እዩ።

ንወዳእ ነገር ምሉእ ናይ ዉክልና ስልጣን (ብቛንቋ ሽወደን)

ብመትከሊ እግሪ ስራሕ ክቖፅሮም ዝደሊ ወሃቢ ስራሕ እንትረኽቡን እንትስማዕምዑን፤ ንመትከሊ እግሪ ስራሕ የመልክቱ። ኣብቲ ቅጥዒ መሊኦም ይልኣኹልና።

ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ የመልክቱ Pdf, 985 kB.

እቲ መመልከቲ ንኽማላእ እቲ ወሃቢ ስራሕ ብዛዕባ ንግዶምን ናቶም ስራሕን ሓበሬታ ኣብቲ ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ከቕርብ ኣለዎም።

ወረቐት ምስክር ወሃቢ ስራሕ ንመትከሊ እግሪ ስራሕቲ Pdf, 412 kB.