ቅድሚ እቲ ንምውጻእ መደብ ዝግበር ዝርርብ
ኣባና ምስ ተመዝገብካ እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ስራሕ ብኸመይ ከም ትረክብ ወይ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ትጅምርን ንምዉጣን እዩ፡ እቲ መጀመርያ ምሳና ትገብሮ ኣኼባ ናይ ዉጥን ዝርርብ እዩ፡ እቲ ኣኼባ ብዝተኻኣለ መጠን ዉጽኢታዊ ንክኸዉን ኣቐዲምካ ብጥንቃቐ ክትዳሎ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ እንታይ እዩ ክግበር?
ኣብቲ ኣኼባ ንስኻን ሓደ መራኸቢ ስራሕን ካብ ብዙሕ ውሑድ ነዚ ዝስዕብ ክትርእይዎ ኢኹም፤
- ክእለታትካ
- ነየኖት ስራሓት ከም ትደሊ
- ካባና ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል
- ኣብ ሸቶኻ ንኽትበጽሕ ከመይ ክትገብር ከም ዘሎካ።
ስራሕ ከተናድን ክትሰርሕን ተወሳኺ ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ድማ ንርኢ፡ ንምሳሌ ኣካለ ስንክልና፣ ብሕክምና መርመራ ዝተለለየ ሕማም ወይ ጥዕና እንተ ዘይብልካ፡ ብድሕሪኡ ብሓደ ኾይና ንኽትሰርሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልየካ ክነጽንዕ ኢና።
ብኣካላዊ ጉድኣት፣ ብናይ ኣእምራዊ ወይ ቀልባዊ ተግባራዊ-ክእለት ዝጎደሎም ወይ ጥዕና ንዘይብሎም ስራሕ ዘናድዩ ሓገዝ
ሓደ ትልሚ ናይ ስራሕ ይዳሎ
ንስኻን እቲ መራኸቢ ስራሕን፡ ኣየኖት ንጥፈታት ብዝበለጸ ከም ዝሰማምዑኻ ትሰማምዑ። እዚ ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ወቢናር ምስታፍ (ኣኼባ ወይ መጽናዕቲ ወ.ዘ.ተ ብኢንተርኔት ብቐጥታ ምስታፍ)፡ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ምጽሓፍ ወይ ሽወደንኛ ምምሃር ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ ነቲ መደብ ህያው ጌርካ ተጽንሖን ናብ ናትካ ሸቶ ንምብጻሕ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተበግሶ ትወስድን። ኣብ እዋን ምዝገባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብቲ መደብ ክትወጽእ ከም ትደሊ እንተ መሪጽካ፡ ዝኾነ ናይ መደብ ምውጻእ ዝርርብ ኣየድልየካን እዩ።
ከመይ ጌርካ ከም ትምዝገብ እቲ ብመርበብ ኢንተርነት ዝዉሃብ ሰሚናር (webbinarium) ርአ (ብቛንቋ ሽወደን)
ነቲ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ክትዳለወሉ ትኽእል
እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደሊ ሕሰበሉን ነቲ ናትካ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ኣሓድሶን ብቐጥታ ነየኖት ስራሓት ክትደሊ ኢልካ ትሓስብ? ነቲ ዘለካ ትምህርቲ ወይ ተመኩሮታት ክትምልኣሉ የድልየካ ዲዩ? ብዛዕባ ሽቶታትካን ናብ ስራሕ ዘምርሕ መንገዲ ከመይ ክመስል ከም ዝኽእልን ጽቡቕ ጌርካ ሕሰበሉ። ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ስጕምትኻ ዘለካ ሓሳባት ጽሓፎ። ከምኡ’ውን እቶም ንዓና ዘለዉኻ ሕቶታት ሕሰበሎምን ጽሓፎምን።
ቅድሚ እቲ ናይ ዉጥን ዝርርብ ክትገብሮም ትኽእል ንኣሽቱ ምኽርታት፡
ሸቶን ንኡስ-ሸቶን ናይ ስራሕ ምድላይካ ብንጹር ግለጾም (ብቛንቋ ሽወደን)
ምዕዶ ናይ ስራሕ ክትደሊ ከለኻ፡ ትምህርታውን ሞያውን ሓጺር ድሕረ-ባይታ (cv) ውልቃዊ ደብዳቤ (ብቛንቋ ሽወደን)
ናብ ፕላትስባንከን (Platsbanken) ኣቲኻ፡ ንኽትደልዮ ዚሰማማዕ ስራሕ እንተ ረኸብካ ርኣ። (ብቛንቋ ሽወደን)
ሓደ ሓጺር ናይ ሂወት ታሪኽ (profil) ኣዳሉን ብሰራሕተኛታት ዝደልዩ ወሃብቲ ስራሕ ተረኸብን (ብቛንቋ ሽወደን)
ኣብቲ ናትና ወቢናር ተሳተፍን ነቶም ናትና ናይ ስራሕ ፖዳት (jobbpoddar) ስምዓዮምን
ዘሎካ ምስክር ወርቐት (ሰርቲፊኬት) ኣተርጕምካ ከም ዝግምገመልካ ግበር
ናይ ወጻኢ ትምህርቲ እንድሕሪ ኣልዩካ ስራሕ ከትናዲ ወይ ኣብ ሽወደን ክትምሃር እንድሕር ደሊኻ ምስክር ወርቐትካ ኣተርጕምካ ትምህርትኻ ከተገምግሞ ከድልየካ እዩ።
ንመዛግብትኻ ከተተርጉሞም ኣድላይነት እንተ’ሎካ ክንሕግዘካ ተወከሰና፡ እዚ እቲ ናይ ትምህርቲ መዛግብትኻ ብቛንቋ እንግሊዝ፣ ፈርንሳ፣ ጀርመን ወይ ሓዳ ካብ ናይ ኖርዲክ ዘይኮነስ ብኻልእ ቋንቋ ዝተመዝገበ እንተ ኾይኑ እዩ።
ናይ ዩኒቨርሲትን ኮለጅን ቤት ምኽሪ (UHR) ነት ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ንኽግምገም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ወጻኢ-ሃገር ትምህርቲ መገምገሚ uhr.se (ብቛንቋ ሽወደን)
ንናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ ኣመልክት
ብዛዕባ ኣ-ካሳ፡ ብዛዕባ ኣባልነትካ ወይ ካልእ ነገር ሕቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ምስ ናትካ ኣ-ካሳ ብቐጥታ ርክብ ግበር። ክፍሊት ካብ ኣ-ካሳ፣ ስራሕ ኣልቦ ኣብ ዘለኻሉ እዋን፡ ማሕበርተኛ ናይ ሓደ ኣ-ካሳን ኣባና ምዝጉብን ክትከውን ከለኻ ክወሃበካ ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብዚ መተካእታ ገንዘብ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ኣ-ካሳ (a-kassa) ኣባል እንትዘይ ኮንካ ከመይ ከም ትገብር እቲ ዝምልከቶ ስያመታት ከተንብብ ትኽእል።
ኵሉ እቲ ሓበሬታ መሊእካዮ ዲኻ?
እቲ ክትምዝገብ ከሎኻ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ደጊምካ እንተ ርኣኻዮ ይምረጽ፡ እቲ ኩሉ ዝተመሃርካዮ፣ ቅድሚ ሕጂ ትሰርሖ ዝነበርካ ስራሕ ወይ ክኣ ካልእ ነቲ ናትካ ክእለት ክጉልሖ ዝኽእል ኣቕሪብካ ምዃንካ ደጊምካ ርአ፡ እቲ ኣኸቤና ኣድማዒ ምእንቲ ክኸዉን ቅድሚ ናይ ውጥን ዝርርብና ኣቲኻ (logga in) ጌርካ ሓበሬታትካ መልኣዮ።
ናትካ ብቕዓታት መልኣዮም (ብቛንቋ ሽወደን)