ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ

ካብ ሾውዓተ ኣዋርሕ ዓመት ንላዕሊ ብምሕማምካ ኣብ ንጥፈታትካ ክትሳተፍ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምስክር ወረቐት ሓኪም ናባና ግድን ከተእቱ ኣለካ። ወቕቲ ሕማምካ ምሉእ ግዜ ይዅን ከፊል ግዜ ብዘየገደስ፡ ምስክር ወረቐት ሓኪም ግድን ከተእቱ ኣለካ።

ምስክር ወረቐት ሓኪም

ደሞዝካ ብቐጻሊ ኪመጸካ፡ ናባና ምስክር ወረቐት ሓኪም ምእታው የድልየካ። እቲ ምስክር ወረቐት ሓኪም፡ ኣብ መደብካ ክትሳተፍ ከም ዘይትኽእልን በየናይ መጠን ክትሳተፍ ከምዘይትኽእልን ዚምስክር ኪኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ክትርስዖ ዘይብልካ፡

  • ኣብ መደብ ከም ትሳተፍ፤
  • ኣብ መደብካ ኣየኖት ንጥፈታት ከም ትዓምም፤ ንኣብነት፡ ስራሕ ናይ ምንዳይ ንጥፈት፡ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ፡ ፕራክቲክ፡ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፤
  • ኣብ መደብካ ንኽንደይ ሰዓታት ከም ትነጥፍ – ብልክዕ ዘይትፈልጦ እንተ ኾይንካ ግምት ሰዓታት ክትህብ ትኽእል ኢኻ፤
  • ብምኽንያት ሕማምካ ወይ ዘሎካ መጕዳእቲ፡ ኣብቲ መደብ ክገብሮ ኣይክእልን’የ እትብሎ ነገር ንሓኪምካ ምሕባር’ዩ።

ደሞዝ ካብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ሕተት

ደሞዝ ካብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ኢኻ ትሓትት። ኣብቲ ሕቶኻ፡ ኣበየኖት መዓልታት ሓሚምካ ኣብ መደብ ከም ዘይተሳተፍካ ትጽሕፍ። ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብ ካብ ናይ ዉሕስና ካሳ መርበብ ኢንተርነት ከመይ ጌርካ ከም ተመልክት ዘሎ ተወሳኺ ሓበሬታ።

ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (forsakringskassan.se)

ምስክር ወረቐት ሓኪም ናባና ስደዶ

ምስክር ወረቐት ሓኪም ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ትሰዶ፡

Arbetsförmedlingen
Läkarintyg
FE 8170
107 67 Stockholm

ምስክር ወረቐት ሓኪም ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ነቲ ሓበሬታ ኣብቲ ግራት ሰሌዳ ንሓኪምካ ኣርእዮ።

ናብ ሓኪም

እዚ ሕሙምዚ፡ ኣብ መደብ ቤ/ጽ መራኸብቲ ስራሕ’ዩ ዚሳተፍ። እዚ ሕሙም፡ ቅድሚ ናብ ምብጻሕ ሓኪም ምኻዱ፡ በዞም ዚስዕቡ ጕዳያት ንኺቀራረብ ተነጊሩ’ሎ

  • ኣብዚ መደብ ዘለዉ ንጥፈታት
  • ስፍሓት መደብ
  • ብምኽንያት ሕማም ወይ መጕዳእቲ፡ ሕሙም፡ ኣብዚ መደብ ክገብሮ ኣይክእልን’የ ዚብሎ ነገራት

እዚ ሕሙም ኣብ ሓደ መደብ ኪሳተፍ ከሎ፡ ምስክር ወረቐት ሓኪም AF00251 ትጥቀም።

እዚ ምስክር ወረቐት’ዚ ኣብ arbetsformedlingen.se/varden ትረኽቦ።

Till läkaren

Patienten deltar i ett program hos Arbetsförmedlingen. Patienten är uppmanad att förbereda sig inför läkarbesöket med uppgifter om

  • aktiviteter i programmet
  • omfattning av programmet
  • vad patienten tror att hen inte kan göra i programmet på grund av sin sjukdom eller skada.

När patienten deltar i ett program ska du använda läkarintyg AF00251.

Du hittar intyget på arbetsformedlingen.se/varden

ካብ 30 መዓልቲ ንላዕሊ ምሉእ ግዜ እንተ ሓሚምካ፡ እሞ ኣብቲ መደብ ክትሳተፍ ነቲ መደብ ከነተኻኽለልካ እንተ ዘይኪኢልና፡ ካብቲ መደብ ነውጽኣካ። ካብቲ መደብ ምስ ኣውጻእናካ፡ ንጽባሒቱ ኣብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መተካእታ ደሞዝ ሕማም ንምሕታት፡ ካብ ሓኪምካ ናይ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ምስክር ወረቐት ሓኪም ጠሊብካ፡ ነቲ ምስክር ወረቐት ናብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ምእታው ከድልየካ’ዩ።

ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (forsakringskassan.se)

ኣብ መደብካ እናተሳተፍካ ማዕረ-ማዕርኡ ትሰርሕ እንተ ኾይንካ፡ እሞ ደሞዝ ሕማም ወይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትሓትት ድላይ እንተሎካ፡ ካብ ሓኪምካ ክልተ ወረቓቕቲ ምስክር ምሕታት ከድልየካ’ዩ። ሓደ ምስክር ወረቐት ነቲ ዘስርሓካ ወሃብ-ስራሕ ትህቦ፡ ሓደ ካልእ ምስክር ወረቐት ከኣ ናባና ተእትዎ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ሓደ ፍሉይ ምስክር ወረቐት ሓኪም ስለ ዘድልየካ’ዩ። እንታይ ከም ዘድልየካ ንምፍላጥ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ምስቲ ዘስርሓካ ተዛረብ።