መሰላትካን ግዴታትካን

ስራሕ ክትደሊ ከለኻ እቲ ዘድልየካ ሓገዝን ደገፍን ክንህበካ ንኽእል ኢና።ኣብ ቤ/ጽ ዕዮ ተመዝጊብካ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ምስ ተመልክት ወይ ምስ ዝወሃበካ፡ግድን ነጢፍካ ስራሕ ክትደሊ ኣለካ።ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ውጥን ድማ ክትስዕቦ ይግበኣካ።

ነዞም ዝስዕቡ ከነበርክተልካ ንኽእል

  • ምኽሪ፡ኣንፈትን ከምኡ ድማ ኣብ መካነ-መርበብና ዝርከቡ ናብ ስራሕን ትምህርትን ዘምርሑኻ ዲጂታላውያን ኣገልግሎታትን
  • ካብ ኣራኻቢ-ስራሕ ብሓገዝ ተሌፎን፡ ቆጸራ ገይርካ ብኣካል ወይ ብቻት ውልቃዊ ደገፍ ምርካብ።ንኣብነት መደብ ምውጻእ፡ሓቢርኩም ክእለትካ ኲነታት ዕዳጋ-ስራሕ ኣብ ምግምጋም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።ሞያ ኣብ ምምራጽን ስራሕ ኣብ ምንዳይን ምኽሪ ንልግሰልካ።
  • እንድሕሪ ድኣ ናይ ኣካል ናይ ስነ-ኣእምሮ ጉድለት፣ ብመርመራ ዝተረጋገጸ ናይ ኣካል ናይ ስነ-ኣእምሮ ጉድለት ወይ ካልእ ጸገማት ኣሎካ ዝያዳ ደገፍ ኣሎካ።
  • ተወሰኽቲ ሓገዛት ንኣብነት ሞያዊ ትምርህቲ፡ፍልጠትካ ኣብ ምምዛን፡ልምምድን(ፕራክቲክ) ንሞያን ትምህርትን ዘዳልዉ ዓውድታት ኣብ ምጅማር
  • ናብ ስራሕ ዓለም ንኽትኣቱ ወይ ንኽትምለስ፡ወሃቢ ስራሕ ንዓኻ ደሞዝ ክኸፍለካ ሓገዝ ኣብ ምሃብ
  • ካብ’ቶም ምሳና ስምምዕ ዘለዎም ትካላት፡ጽዑቕን ዝተዳረገን ሓገዝ ምርካብ
  • ኣባና ምስ ተመዝገብካ ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ካሳ (a-kassa) መትካእታ ገንዘብ ከተመልክት ትኽእል ወይ ኣብ ሓደ መደብ ምስ ትሳተፍ መተካእታ ገንዘብ ትዉሃብ።

ነዚ ክትገብር ኣለካ

  • ከመይ ገይርካ ስራሕ ከም ትደሊ ምሳና ሓቢርካ ምምኻር
  • ነጢፍካ ስራሕ ምድላይ።እቶም ትደልዮም ስራሕ ኣብ ምልክታ-ስራሕ ዝወጹን ቤ/ጽ ዕዮ ከተመልክቶም ዝሓበረካ ወይ ኣንፈት ዝሃበካ ስራሕ ክኾኑ ይኽእሉ።ንኣስራሕቲ’ውን ናይ ስራሕ ድሌት ምልክታታት ወይ ሲቪ(cv) ክትልእኸሎም ትኽእል ኢኻ።
  • ወርሒ ወርሒ ንጥፈታዊ ጸብጻብ ኣብ እዋኑ ሃበና።
  • ኣብ’ቶም ዝተመደቡ ርክባት ወይ ኣኼባታት ተሳተፍ።ንኸይትሳተፍ ገለ እንተ ዓንቂጹካ ድማ ሓብር።ምስ’ተን ኣገልግሎት ዝህባ ምሳና ውዕል ዘለወን ትካላት’ውን እንተኾነ ምዱብ ኣኼባ ወይ ርክብ እንተለካ ከምኡ።
  • ተሌፎን ክንድውለልካ ምስ ንሰማማዕ ድሉው ክትኸውን ኣለካ።
  • ነቶም ዝተወከስናካ ስራሕ ወይ ትምህርትታት ኣመልክተሎም።
  • ነቶም ምሳኻ ይኸዱ እዮም ንብሎም ስራሕን ይኹን ነቶም መደባት ናይ ፖሊሲ ዕዳጋ-ስራሕ ወይ ተወሳኺ ደገፋት፡ሕራይ ኢልካ ተቐበሎም።
  • ሓደ ትካል ትምህርቲ ክትመሃር ምስ ዝቕበለካን ንሕና’ውን ነታ ዝተቐበለካ ምህሮ ከተመልክታ ሓቲትናካ ምስ ንነብር፡ሕራይ ኢልካ ተቐበላ።
  • ኣብ ሓድ መደብ ትሳተፍ እንድሕሪ ኴንካ እሞ ናይ ንጥፈታት ደግፍ፣ ናይ መትከል-እግሪ መተካእታ ገንዘብ ናይ ምዕባለ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ዝዉሃበካ ኮይኑ እሞ ኣብቲ ዝተመደበ ንጥፈታት ክትካፈል ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ቡክራትካ ንመራኸብቲ ስራሕ ናይ ግድን ከተመልክት ኣሎካ።
  • ኣብ’ቲ ዝሃብካዮ ንጥፈታዊ ጸብጻብ ሰፊሮም ዘለዉ ዘናደኻዮም ስራሕ፡ብሓቂ ከም ዘናደኻዮም መረጋገጺ ሃበና ምስ ንብለካ፡መረጋገጺ ክትህበና ድሉው ክትኸውን ኣለካ።
  • ምሳና መራኸቢ ዝኾኑ ውልቃውያን ሓበሬታትካ ከም ኣድራሻኻ፡ኢሜልካ ወይ ተሌፎንካ ምስ ትቕይር፡ክትሕብረና ኣለካ።ቤ/ጽ ዕዮ ደብዳቤ ክልእኸልካ ከሎ ናብ’ቲ ኣብ ሃገራዊ መዝገብ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣድራሻ ይልእኾ።
  • ንኦ-ካስ(ካሳ ስራሕ ኣልቦነት) ወይ ንቤ/ጽ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ቅኑዕ ሓበሬታታት ሃብ።

እቲ ክትገብሮ ዘሎካ እንድሕሪ ዘይጌርካ እንታይ የጋጥም?

እቲ ናይ ስራሕ ምንዳይ እንድሕሪ ብጉቡእ ዘይኣለኻዮ፣ እቲ ናይ ስራሕ ኣልቦንነትካል እንድሕሪ ኣናዊሕካዮ ወይ ጠንቂ እንድሕሪ ባዕልኻ ኾንካ መጠንቀቕታ ይዉሃበካ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ትተርፍ።

ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት