ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ምስራሕ

ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ እንዳተጸበኹም እንከለኹም፡ ክትሰርሑ ትኽእሉ ወይ ውን ስራሕ ንምርካብ ዘኽእለኩም ምድላዋት ትገብሩ።

ዑቕባ ሓቲተ መልሲ እንዳተጸበኹ ክሰርሕ ይኽእል#ዶ?

እወ፤ ሓታቲ ዕቑባ ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ስራሕ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና LMA ካርድ የድልዮም እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዕቑባ ምዃኖም ዘረጋግፅን ናይ ስራሕ ፍቓድ ከም ዘየድልዮምን ዘርእይ እዩ። (LMA ማለት ናይ ሓተትቲ ዕቑባ መቐበሊ ኣዋጅ እዩ።) ኣብ ዌብሳይታት ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደንን (Migrationsverket) ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደንን (Skatteverket) ዝበለፀ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም።

ከም ሓታቲ ዑቕባ መልሲ እንዳተጸበኻ ክትሰርሕ ዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ኢምግረሽን (migrationsverke.se)

ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን ክትሰርሕን ሰሪሕካ ውን ደሞዝካ ክትወስድን፡ ኣብ ሽወደን ግብሪ ክትከፍልን፡ ብበዓል-መዚ ግብሪ ዝወሃብ ስርርዓዊ-ቊጽሪ (samordningsnummer) ክህልወኩም ኣለዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ስርርዓዊ-ቊጽሪ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ (skatteverket.se)

ብመንገዲ jobskills.se ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምርካብ ተዳለዉ

Jobskills.se ዲጂታላዊ መሳለጥያ ኮይኑ፡ ኣብዚ ገጽ፡ ኣብ ህይወትኩም ኣቐዲሙኩም እንታይ ሰሪሕኩም ኔርኩምን እንታይ ዓይነት ዓቕሚታትን ተመኲሮታትን ኣለኩም፡ ትምዝግቡ። ነዚ ሓበሬታት`ዚ ብቋንቋኹም ኢኹም ትምዝግብዎ። ብድሕሪ`ዚ፡ ነቲ ዘመዝገብኩሞ ሓበሬታ ወሃብቲ-ስራሕ ከምዝርእይዎ ትገብሩን ብቋንቋ ሽወደን ውን ከተተርጒምዎ ትኽእሉን።

ዓቕምኹም ንምንጽብራቕን ስራሕ ንምርካብን Jobskills ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ፡ ኣብቲ ገጽ ኣቲኹም ብዝርዝብ ኣንብቡ።

Jobskills.arbetsformedlingen.se

ደሞዝን ግብርን

ዑቕባ ሓቲትኩም መስሊ እንዳተጸበኹም እንከለኹም ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ገንዘብ እትወስዱ ምስ እትኾኑ ስራሕ ምስ እትረኽቡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትሕብሩ ኣለኩም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እንዳሰራሕካ ሓገዝ ክትወስድ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ትምህርቲኹምን ተመኲሮታትኩምን ኣገምግሙ

ወረቐት ምስክራቶምን ውፅኢቶምን ክረኽቡ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ኣብቲ ትልማዊ ኣኼባ ክህልዉ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ወረቐት ምስክራቶም ናይ ምትርጓም ዕድል ኣለዎም። ካብኡ ወረቐት ምስክራቶም ክግምገሙ ዝደልዩ እንተኾይኖም ብደረጃ ውልቀሰብ ንግምግም ኢና።

ግምገማ ትምህርቲ ወፃእ ዓዲ - ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን (Universitets- och högskolerådet, UHR)