Uppdragsutbildningar för akademiker

ናይ ኣካድሚያዊ ዲግሪ እንድሕሪ ኣሎካ በቲ ብናህና እተመዘዘ ትምህርቲ ዝዉሃብ ኮርሳት ከተማልኦ ትኽእል፡ ዕላማ ናይዚ በቲ ናትካ ሞያ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ክኣ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ንኽትረኽበሉ ዝግበር ናይ ፍልጠት መርመራ ንኽትሓልፎ ፍልጠትካ ንኸተዛይዶ ዕድል ንኽትረክብ እዩ።

ንኣካዳማዉያን እተመዘዘ ትምህርቲ እንታይ እዩ?

መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብቲ ሕጽረት ናይ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሞያታት ንዝምልከት ምስ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን ብምትሕብባር ብመራኸብቲ ስራሕ ዝምወል እተመዘዘ ትምህርቲ የዳሉ፡ እቲ ዕላማ ናይ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዘሎካ ብሞያኻ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ክትረኽበሉ ትገብሮ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትሓልፎ ምእንቲ ኣብቲ እተመዘዘ ትምህርቲ ዘሎ ኮርሳት ብምክፋል እቲ ዘድልየካ ከተማልእ ትኽእል።

እቲ ትምህርቲ ብናይ ኮለጅ ደረጃ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ናይ ኮለጅ ነጥቢ ይህብ፡ ኣብኡ ክትካፈል ከሎኻ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ከተመልክት ትኽእል ናይ ሲ ኤስ ኤን (CSN) ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ኣይኮነን፡ እዚ እተመዘዘ ትምህርቲ ናይ ሙሉእ ስዓታት ኮይኑ ብናይ ርሕቀት (distans) ይዉሃብ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ድላይካ ክትቅመጥ ትኽእል።

ብዙሓት ናይ እተማእዘዙ ትምህርትታት ብናይ ኣካዳማዉያን ቋንቋ ሽወደን ወይ ካልእ መዳለዊ ዘለዎ ትሕዝቶታት ይጅምሩ ድሓር በቲ ሞያ ልምምድ ብምግባር ክዛዘምዎ ይክኣል፡ እቲ ናይ መዳለዊ ትምህርትን ልምምድን ብናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ (Akademikerspåret Korta vägen) እዩ ዝካየድ፡ ኣብቲ ናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ ብዘይ እተመዘዘ ትምህርቲ ዉን ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዕድል ናይ እተመዘዘ ትምህርቲ መን ክካፈሎ ይኽእል?

እዚ ትምህርትታት ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገበን ናይቲ እዋናዊ ትምህርቲ ድማ ዲግሪ ንዘለዎ ሰብን ይምልከት፡ እቶም ኮለጅን ዩኒቨርሲትን እቲ ናይ ፍልጠትካ ክእለታት (meriter) ይግምግሙ መራኸብቲ ስራሕ ድማ ናይ ምቕባል ጉዳይ ይዉስኑ፡ ጽቡቕ ክእለት ናይ ቋንቋ ሽወደን ከድልየካ እዩ።

ኣብ 2023 ዝጅመር እተመዘዘ ትምህርትታት

ኣብ 2023 ነዞም ናይ ሞያ ምስክር ወርቐት እተመዘዘ ትምህርቲ ኣሎና፡ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሞያ ተወሳኺ ሓበሬታን ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን ክኣ ትረክብ።

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ ካብ ሽወደን ዘይኮነ ካብ ወጻኢ ሃገር ናይ ሕርሻ-/ኣትክልቲ ዲግሪ ዘለካ ናይ ድልየት መመልከቲ ካብ ለካቲት (February) ዕለት 6 ክሳብ ለካቲ ዕለት 26 ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ/ኣካዳምያዊ ቋንቋ ሽወደን ንምድላዉ ዕለት 22 ግንቦት (May) ይጅመር ድሓር ኮርስ ናይ SLU ኣብ SLU ዕለት 14 ነሓሰ (August) ይስዕብ፡ ልምምድ ወይ ትምህርቲ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (utbildningtradgard2023.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

እንድሕሪ ካብ ሕቡራት ኣዉሮጳ (EU/EES) ወጻኢ ናይ ፋርማሲስት ዲግሪ ዘምጻኻ ኾንካ ቅድሚ ናይ ሽወደን ናይ ሞያ ምስክር ምምልካትካ ንናይ ፍልጠት መርመራ፣ ንናይ ፋርማሴዉቲካል ኣስተምህሮ፣ ንዕዶት ክሕግዙኻ ንሴና ፕሮጀክት (projekt Senna) ተወከሶም።

ተወሳኺ ሓበሬታ (sverigesfarmaceuter.se/senna) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ ምድላዉ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ/ኣካዳምያዊ ቋንቋ ሽወደን ሰነ (June) 2023 ይጅመር ድሓር ኮርስ ኣብ ሜላርዳለን (Mälardalen) ዩኒቨርሲቲ ነሓሰ 2023 ብምጅማር ይቕጽል። ካብ ሽወደን ወይ ካብ ካልእ ሃገር እንተ ዉሓደ ናይ ባችለር (bachelor) ወይ ናይ ንግዳዊ ስነ-ቑጠባ (business economist) ደረጃ ትምህርቲ ዘሎካ ካብ ዕለት 13 ለካቲት ክሳብ ዕለት 12 መጋቢት ከተመልክት ትኽእል፡ ልምምድ ድሕሪ ትምህርቲ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (mdu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መምርሕን መዳለዉን ቅድሚ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ/ኣካዳምያዊ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ሉሊዮ (Luleå) ጥቅምቲ (October) 2023 ይጅምር፡ ካብ ሽወደን ወይ ካብ ካልእ ሃገር እንተ ዉሓደ ናይ ባችለር ደርጃ ወይ ምቹእ ኣንፈት ዘሎካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣድላይነት ናይ ልምምድ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ’ሎ፡ እቲ ምምልካት ብመባእታዊ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ይጅመር።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምምልካትን (ltu.se)(ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መምርሕን መዳለዉን ቅድሚ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ/ኣካዳምያዊ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ሉሊዮ (Luleå) ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ ጥቅምቲ (October) 2023 ይጅምር፡ ካብ ሽወደን ወይ ካብ ካልእ ሃገር እንተ ዉሓደ ናይ ባችለር ደርጃ ወይ ምቹእ ኣንፈት ዘሎካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ኣድላይነት ናይ ልምምድ ወይ ትምህርቲ እንድሕሪ’ሎ፡ እቲ ምምልካት ብመባእታዊ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ይጅመር።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ እተማእዘዘ ትምህርቲ ዝዳሎ ናይ ሓይሊ ኤለትሪክን ናይ ጽዓትን መሃንድስን ዘርኢ ፊልም (ብቛንቋ ሽወደን)

ናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ንናይ ሽወደን ናይ ሕክምና ሞያ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ናይ ፍልጠት መርመራ፡ መባእታዊ ዝጅመረሉ ዕለት ሕዳር 2023 ኣብ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ (Lund) እቲ ምምልካት መባእታዊ ዝኽፈለተሉ ዕለት ኣብ መጀመርያ ነሓሰ እዩ፡ ናይ ወጻኢ ድግሪ ከም ናይ ሓኪም፣ ነርስ፣ ናይ ራጂ ነርስ፣ ፊዝዮቴራፒስት፣ መሕረሲት ወይ ሓኪም ስኒ ዘሎካ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መባእታዊ ዝጅመረሉ ዕለት ነሓሰ 2023 ኣብ ሉንድ (Lund) ዩኒቨርሲቲ፡ ካብ ናይ ኣዉሮጵ ሕብረት ሃገራት ወጻኢ ናይ ሓኪም ዲግሪ ዘሎካ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ምምልካት መባእታዊ ዝኽፈለተሉ ዕለት ኣብ መጋቢት እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ መባእታዊ ዝጅመረሉ ዕለት ግንቦት 2023 ኣብ አረብሩ (Örebro) ዩኒቨርሲቲ፡ ካብ ናይ ኣዉሮጵ ሕብረት ሃገራት ወጻኢ ናይ መምህር ዲግሪ ዘሎካ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ምምልካት መዓስ ከም ዝጅመር ኣይተነጸረን።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ፊልም ብዛዕባ ከመይ ጌርካ ናይ ሽወደን መምህር ምዃንካ ምስክር ወረቐት (lärarlegitimation) ከም ትረክብ (ብቛንቋ ሽወደን)

(ULV) ትኽእል እንድሕሪ ኾንካ ዘርኢ ፊልም (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023 ን 7 ሰሙን ዝካየድ ኣካዳሚያዊ ቋንቋ ሽወደን ብሓጺር መንገዲ (Korta vägen) ይጅመር ድሓር ጥቅምቲ 2023 ዝጅምር ን 15 ሰሙናት ኣብ ካሮሊንስካ (Karolinska institutet) ኢንስቲትዩት ይስዕብ፡ ካብ ናይ ኣዉሮጵ ሕብረት ሃገራት ወጻኢ ናይ ናርሲን ዲግሪ ዘሎካ ተገዳስነትካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ምምልካት መባእታዊ ዝኽፈለተሉ ዕለት ኣብ መጀመርያ ሚያዝያ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ብናይ ሙሉእ ስዓታት ናይ ርሕቀት ትምህርቲ (distansundervisning) ይካየድ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ብናይ ኣካዳሚያዊ ቋንቋ ሽወደን ይጅመር ድሓር ኮርስ ነሓሰ 2023 ኣብ ሶደርተርንስ (Södertörn) ኮለጅ ይስዕብ፡ ካብ ሽወደን ወይ ካብ ካልእ ሃገር እንተ ዉሓደ ናይ ባችለር (bachelor) ወይ ናይ ንግዳዊ ስነ-ቑጠባ (business economist) ደረጃ ትምህርቲ ዘሎካ ካብ ዕለት 13 ለካቲት ክሳብ ዕለት 12 መጋቢት ከተመልክት ትኽእል፡ ልምምድ ድሕሪ ትምህርቲ።

ተወሳኺ ሓበሬታን ምምልካትን (sh.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ