Uppdragsutbildningar för akademiker

ናይ ኣካድሚያዊ ዲግሪ እንድሕሪ ኣሎካ በቲ ብናህና እተመዘዘ ትምህርቲ ዝዉሃብ ኮርሳት ከተማልኦ ትኽእል፡ ዕላማ ናይዚ በቲ ናትካ ሞያ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ክኣ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ንኽትረኽበሉ ዝግበር ናይ ፍልጠት መርመራ ንኽትሓልፎ ፍልጠትካ ንኸተዛይዶ ዕድል ንኽትረክብ እዩ።

ንኣካዳማዉያን እተመዘዘ ትምህርቲ እንታይ እዩ?

መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብቲ ሕጽረት ናይ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሞያታት ንዝምልከት ምስ ዩኒቨርሲትን ኮለጃትን ብምትሕብባር ብመራኸብቲ ስራሕ ዝምወል እተመዘዘ ትምህርቲ የዳሉ፡ እቲ ዕላማ ናይ ኣካዳሚያዊ ዲግሪ ዘሎካ ብሞያኻ ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ ወይ ነቲ ናይ ሞያኻ ምስክር ወረቐት ክትረኽበሉ ትገብሮ ናይ ፍልጠት መርመራ ክትሓልፎ ምእንቲ ኣብቲ እተመዘዘ ትምህርቲ ዘሎ ኮርሳት ብምክፋል እቲ ዘድልየካ ከተማልእ ትኽእል።

እቲ ትምህርቲ ብናይ ኮለጅ ደረጃ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ኩነታት ናይ ኮለጅ ነጥቢ ይህብ፡ ኣብኡ ክትካፈል ከሎኻ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ክመጸካ ከተመልክት ትኽእል ናይ ሲ ኤስ ኤን (CSN) ናይ ትምህርቲ ገንዘብ ኣይኮነን፡ እዚ እተመዘዘ ትምህርቲ ናይ ሙሉእ ስዓታት ኮይኑ ብናይ ርሕቀት (distans) ይዉሃብ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ድላይካ ክትቅመጥ ትኽእል።

ብዙሓት ናይ እተማእዘዙ ትምህርትታት ብናይ ኣካዳማዉያን ቋንቋ ሽወደን ወይ ካልእ መዳለዊ ዘለዎ ትሕዝቶታት ይጅምሩ ድሓር በቲ ሞያ ልምምድ ብምግባር ክዛዘምዎ ይክኣል፡ እቲ ናይ መዳለዊ ትምህርትን ልምምድን ብናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ (Akademikertjänst korta vägen) እዩ ዝካየድ፡ ኣብቲ ናይ ኣካዳማዉያን ኣሰር ሓጺር መንገዲ ብዘይ እተመዘዘ ትምህርቲ ዉን ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

እዚ ዕድል ናይ እተመዘዘ ትምህርቲ መን ክካፈሎ ይኽእል?

እዚ ትምህርትታት ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገበን ናይቲ እዋናዊ ትምህርቲ ድማ ዲግሪ ንዘለዎ ሰብን ይምልከት፡ እቶም ኮለጅን ዩኒቨርሲትን እቲ ናይ ፍልጠትካ ክእለታት (meriter) ይግምግሙ መራኸብቲ ስራሕ ድማ ናይ ምቕባል ጉዳይ ይዉስኑ፡ ጽቡቕ ክእለት ናይ ቋንቋ ሽወደን ከድልየካ እዩ።

ንምሩቓት ኣብዚ እዋን ዘለዉ ኮሚሽንድ ስልጠናታት

ኮሚሽንድ ስልጠናታት ዘለዉዎም ሞያታት ኣብዚ ክትረኽቡ ኢኹም።

ኣብ ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ኣተኲሮም ንዝመሃሩ መሃንድሳት ኮሚሽንድ ስልጠና ዝካየድ ብዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሉለያ ብሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ ንኣካዳምያዊ መጽናዕትታን ንኣካዳሚክ ሽወደንኛን ብምድላው ይጅመር። እቲ ስልጠና ብመለማመዲ ሞያ ይውዳእ። ድልየት እንተድኣ ኣልዩኩም፤ ናይዚ ክእለት እዚ ኣድላይነት ብፍላይ ልዑል ኣብ ዝኾነሉ ኣብ ሰሜን ሽወደን እቲ መለማመዲ ሞያ ክግበር ይኽእል እዩ። እቲ መደብ 30 ክረዲት ዝሓዘ እዩ። እንተንኣሰ ባችለር ዲግሪ ዘለኩም፣ ግቡእ ዝኾነ ስፐሺያላይዜሽን ዘለኩምን ካብ ሽወደን ወይ ካልእ ሃገር ዲግሪ ዘለኩም መሃንድስ እንተኾይንኩምን፣ ተገዳስነትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንኢነርጂ መሃንድሳት ኮሚሽንድ ስልጠና (ltu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

እቲ ንሞያታት ጥዕና ዝወሃብ መደብ ዓሚቚ ሽወደንኛ ብዩኒቨርሲቲ ሉንድ ብሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ን6 ኣዋርሕ እዩ ዝካየድ። ዕላማኡ ናይ ሽውደን ሊቸንሳ ፈተና ፍልጠት ናይ ምሕላፍ ዕድልኩም ንምስፋሕ እዩ። እቲ መደብ 37.5 ክረዲት ዝሓዘ እዩ። ብዶክተር፣ ነርስ፣ ራዲዮሎጂስት፣ ኣዋላዲ ወይከዓ ናይ ስኒ ሓኪም ናይ ደገ ዲግሪ ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ክንክን ጥዕና ዓሚቚ ሽወደንኛ (lu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ንሓካይም ኮሚሽንድ ስልጠና ብዩኒቨርሲቲ ሉንድ ብሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ይወሃብ። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ/ቁጠባዊ ከባቢ ኤውሮጳ (EES) ወጻኢ ካብ እትርከብ ሃገር ዲግሪ እንተሃልይኩም፣ ተገዳስነትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንሓካይም ኮሚሽንድ ስልጠና (lu.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ንመምህራንን ንመምህራን ኣጸደ ትምህርትን ዝወሃብ ኮሚሽንድ ስልጠና ብዩኒቨርሲቲ ኦሬብሮ ብሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ይወሃብ። ኣብቲ ስልጠና ክልስ-ሓሳብን ልምምድን ይባረዩ፣ ከምኡ እውን ካብ መንበሪ ከተማኹም ብመዓልታዊ ናይ ጉዕዞ ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣጸደ ትምህርቲ ኣብ ሰሙን ንክልተ መዓልቲ ይግበር። ካብ ሕብረት ኤሮጳ/EES ወፃኢ ካብ ዝኾነ ሃገር ናይ ምምሃር ኣካዳሚያዊ ብቕዓት ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኮሚሽንድ ስልጠና ንመምህራንን ንመምህራን ኣጸደ ትምህርትን (oru.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ንፕሮግራመራትን ፉል ስታክ ዴቨሎፕራትን ዝወሃብ ኮሚሽንድ ስልጠና ከም ሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ይወሃብ። እቲ መደብ 30 ክረዲት ይሕዝ። እዚ ስልጠና ን18 ሰሙን ኣብ ለክሲኮን ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሉለያ ን21 ሰሙን ይወሃብ። እቲ መደብ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብናይ ስራሕ ልምምድ ይውዳእ። ብጠቕላላ እቲ መደብ ስልጠና ብግምት ን1 ዓመት ይፀንሕ። ካብ ሽወደን ወይ ካልእ ሃገር ናይ IT ትምህርቲ እንተሃልዩዎም ወይከዓ IT ንምምሃር ዓብዪ ድልየት እንተልዩዎም፤ ድልየቶም ከመዝግቡ ይኽእሉ እዮም።

ኮሚሽንድ ስልጠና ንፕሮግራመራትን ፉል ስታክ ዴቨሎፕራትን (ltu.se) (ብሽወደንኛ)

ንኣለይቲ ሕሙማት ዝወሃብ ስልጠና ከም ሙሉእ ሰዓታዊ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ይወሃብ። እቲ ስልጠና ዝጅመር ብኣካዳሚክ ሽወደንኛ ን5 ሰሙን ኣብ ኮርታ ቫገን (Korta vägen) ብምቕጻል ን15 ሰሙን ኣብ ኢንስቲቲዩት ካሮሊንካ እዩ። ካብ ሕብረት ኤሮጳ/EES ወፃኢ ካብ ዝኾነ ሃገር ናይ ነርሲንግ ዲግሪ ዘለኩም ድልየታትኩም ክተመዝግቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኮሚሽንድ ስልጠና ንኣለይቲ ሕሙማት (ki.se) (ብቛንቋ ሽወደን)

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ