ኣብ መደብ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ህፃን ንምሕብሓብ ምብኳር የፍልጡ

ኣብ መደብ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ዝሓመመ ህፃን ንግዚኡ ዝሕብሕቡ እንተኾይኖም (VAB) ከም ዘብኮሩ ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ። ንምንታይ ከም ዘብኮሩ እንተዘይፈሊጥና መጠንቀቕታ ናይ ምቕባል ወይከዓ ጥቕማጥቕምታቶም ናይ ምስራዝ ስግኣት ይህልው።

ህፃን ንምሕብሓብ ምብኳር መዓዝ ከፍልጥ ኣለኒ?

ኣብ መደብ ይሳተፉ እንተልዮምን ብምኽንያት ህፃን ምሕብሓብ ከዓ ኣብ ዝተተለሙ ንጥፈታት ክሳተፉ እንተዘይክኢሎም ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ነቲ ህፃን ኣብ ዝሕብሕብሉ ናይ መጀመርያ መዓልቲ የፍልጡ

ዝሓመመ ህፃን ኣብ ዝሕብሕቡላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም። እንተዘይኮይኑ መጠንቀቕታ ክበፅሖም ወይከዓ ጥቕማጥቕምታቶም (ደገፍ ንጥፈት (aktivitetsstöd)፣ ካሕሳ እግሪ ምትካል (etableringsersättning) ወይከዓ ድጎማ ዕብየት (utvecklingsersättning)) ክእገዱ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ውላዶም ምሕብሓብ ምስ ካልእ ሰብ እንተተማቒሎሞ፤ ነቲ ህፃን ኣብ ዝሕብሕብሉ ሕድሕድ እዋን ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ ትሕቲ መቕረብቲ ግልጋሎት ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብ ስልጠና፣ ሽወደንኛ ንስደተኛታት (sfi)፣ ትምህርቲ፣ ስጉምትታት ናብ ስራሕ (Steg till arbete)፣ ምዕጣቕ ወይ ምዝማድ (Rusta och matcha) ወይከዓ ኣብ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ንጥፈት እንዳተሳተፉ እንተኾይኖም፤ ኣብኡ እውን ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ህፃን ምሕብሓብ ምፍላጥ (ብሽወደንኛ)

ብኦንላይን ከፍልጡ እንተዘይክኢሎም፤ ኣብ ክንድኡ ዝሓመመ ህፃን ከም ዝሕብሕቡ ዘለዉ ንዓና ንምፍላጥ ክረኽቡና ኣለዎም።

እቲ ህፃን ጥዑይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ምፍላጥ ኣየድልዮምን

ናብ መደቦም ምስተመለሱን ዝሓመመ ህፃን ምሕብሓብ ምስ ኣቋረፁን ናብ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ምፍላጥ ኣየድልዮምን። ናብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ንደገፍ ንጥፈት፣ ካሕሳ እግሪ ምትካል ወይከዓ ድጎማ ዕብየት እንተመልክቱ ኣብቶም ዝሓመመ ህፃን ዝሓብሐቡለን መዓልታት ምልክት ይግበሩ።

ህፃናት ኣብ ዝሕብሕበሉ እዋን እንታይ ካሕሳ ይረክብ?

ዝሓመመ ህፃን ንዝሓብሓቡለን መዓልታት ካሕሳ ይረኽቡ። ስለዚ ጥቕማጥቕምታቶም ብመልክዕ ደገፍ ንጥፈት፣ ድጎማ ዕብየት ወይከዓ ካሕሳ እግሪ ምትካል ነዞም መዓልታት ይዕቅቡ።

ምስ መደቦም ጎና ጎኒ ዝሰርሑ እንተኾይኖም፤ ዝሓመመ ህፃን ምሕብሓብ ስለ ዘድለዮም ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም ዝተፈላለዩ ሕግታት ይትግብሩ። ኣብ ዌብሳይት ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ዝበለፀ የንብቡ።

ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (forsakringskassan.se)

ንባዕሎም እንተሓሚሞም

ኣብ መደብ እንትሳተፉ፤ ኣብ ዝሓመሙላ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ከም ዘብኮሩ ከፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ መደብ እንዳተሳተፉ ኣብ ዝሓመምሉ እዋን ከም ዘብኮሩ የፍልጡ