ዓይነት ስራሕ

ኣብ ሽወደን ክልተ ዓይነት ናይ ምቑጻር ስራሕ ኣሎ፡ ቀዋሚ ስራሕ ከምኡ ዉን ግዝያዊ ስራሕ ማለት ግዚኡ ዝተወሰነ ስራሕ ተባሂሉ ዉን ዝጽዋዕ፡ ይኹን እምበር ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ እዮም።

ቀዋሚ ስራሕ

ኣብ መዓልታዊ ዘረባ ቀዋሚ ስራሕ ዝብሃል ነቲ ስራሕ ክሳብ ባዕልኻ ትገድፎ፣ ዝዉጽኡኻ ወይ ጥሮታ ክሳብ ትወጽእ ቀጻሊ እዩ፡ ስራሕካ መዓስ ከም ዝቋረጽ ዝተወሰነ ግዜ የለን።

ናይ መፈተኒ ስራሕ

ሓድሽ ስራሕ ክትኣቱ ከሎኻ እቲ ስራሕ ብመፈተኒ ይጅመር ይኸዉን፡ እዚ ማለት ንስኻ ከምኡ ዉን እቲ ዉሃብ ስራሕካ ክልቴኹም እቲ ስራሕ ዝሰማማዓካ ምዃኑ ንምርኣይ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ መፈተኒ ግዜ ኣለኩም፡ እንድሕሪ እቲ ዉሃብ ስራሕ ዓጊቡ ንስኻ ዉን ክትቅጽል ደሊኻ እቲ ስራሕ ቀጥታ ናብ ቅዉም ስራሕ ይሓልፍ።

ግዚያዊ ስራሕ

ግዝያዊ ስራሕ ንዝተወሰነ ግዜ እዩ፡ እዚ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዝተወሰነ ግዝያዊ ስራሕ፣ መተክኢ (vikariat) ወይ ወቕታዊ ስራሕ ክኸዉን ይኽእል፡ እንድሕሪ ኣብ ዉሽጢ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ግዜ ካብ ክልተ ዓመት ዝያዳ ናይ መትካእታ ስራሕ ወይ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዝተወሰነ ግዝያዊ ስራሕ ሰሪሕካ፡ ስራሕካ ቀዋሚ ክኸዉን መሰል ኣሎካ።

ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዓይነታት

መተክኢ (Vikariat)

መተክኢ ዉስን ግዜ ዘለዎ ናይ ስራሕ ዓይነት እዩ እዚ ማለት ንምሳሌ ዝኾነ ሰብ እንድሕሪ ሓሚሙ፣ ዕረፍቲ እንተ ወጺኡ፣ ንግዚኡ ካልእ ዕማም እንተ ኣለዎ ወይ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንተ ኣለዎ ኣብ ክንድኡ መተካእታ ትኸዉን፡ ኣብ ብዙሓት ጨናፍራት ቀዋሚ ስራሕ ብመንገዲ መተካእታ እዩ ዝርከብ።

ናይ ወቕቲ ሰራሕተኛ

ናይ ክረምቲ ስራሕ ወይ ናይ ወቕቲ ስራሕ ንኣብነት ኣብ ግዜ ብዓል ልደት ብዙሕ ግዜ ናይ ብዓላት ስራሕ (feriejobb) ተባሂሎም ይጽዉዑ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ካምፕ ዝስራሕ ስራሕ ወይ ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣብ ናይ በረድ ሸተት ዝጽወተሉ ቦታ ዝስራሕ ስራሕ ንኣብነት ናይ ወቕቲ ስራሕ ክኸዉን ይኽእል።

ካልኦት ዓይነታት ዉን ከጋጥመካ ይኽእል

ናይ ፕሮጀክት ስራሕ

ናይ ፕሮጀክት ስራሕ ማለት ሓደ ዝተወሰነ ፕሮጀክት ከተተግብር ትቑጸሮ ስራሕ እዩ፡ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወድአ እቲ ስራሕ ዉን ተወዲኡ ማለት እዩ።

ናይ ተግባር ስራሕ (ኮሚሽን)
ናይ ተግባር ስራሕ በቲ ዘፍረኻዮ ደሞዝ ትኽፈል ማለት ኣብ ዉጽኢት ስራሕካ ዝተመርኮሰ፡ ንኣብነት ናይ ተለቭዥን ዓማዊል ክትስሕብ ብተሌፎን ንግዲ ምግባር ክኸዉን ይኽእል፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ናይ ኮሚሽን ደሞዝ ምስ ዝኾነ ዓይነት መሰረታዊ ደሞዝ ክጽምበር ይክኣል።

ተልመዴን

ናይ ተልመዴን ስራሕ ፍልይ ዝበለ ናይ ስራሕ ዓይነት እዩ እዚ ማለት እቲ ትምሃሮ ናይ ሞያ ትምህርቲ ትቕጽሎ ይኹን ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘይኮነስ ናይ ተልመዴን ደሞዝ እንዳ ወሰድካ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ትምሃር።

ባዕልኻ ተቖጽሪካ ምስራሕ (Egenanställning)

ባዕልኻ ተቖጺርካ ክትሰርሕ ከሎኻ ምስ ሓደ ባዕልኻ ተቖጺርካ ምስራሕ ትካል (egenanställningsföretag) ዉዕል ትኣቱ፡ ባዕልኻ ተቖጺርካ ምስራሕ ትካል ዘሎካ ፋክቱራ ምልኣኽን ካልእ ኣብ መንጎኻን ዓሚልካን ዘሎ ምምሕዳር ይቆጻጸሩልካ፡ ባዕልኻ ተቖጺርካ ምስራሕ ትካል ናይ ዉሃብ ስራሕ ሓላፍነት ዉን ኣለዎም፣ ጸብጻብ ናይ ዉሃብ ስራሕ ክፍሊት የቕርቡ፣ ግብሪ ይስሕቡ ከምኡ ዉን ንዓኻ ደሞዝ ይኸፍሉኻ።

ምክራይ

እንድሕሪ ኣብ ሓንቲ ትካል ንኻልእ ትካል ሰራሕተኛ ተካሪ ኾንካ ትሰርሕ ከም ከም ብዓል ሞያ ናብ ካልእ የካርዩኻ፡ ወርሓዊ ደሞዝካ ካብታ ትካል ትኽፈል ግን እቲ ናይ ስራሕ ዕማም ኣብ እንዳ’ቲ ዓሚል ኴንካ ትሰርሖ።

ግዝያዊ ሰራሕተኛ (Frilans)

ሓደ ፍሪላንሳረ ዝብሃል ተቖጺሩ ዝሰርሕ ኣይኮነን፡ ወናኒ ትካል ኮይኑ ፍርያት ወይ ኣገልግሎት ይሸይጥ፡ እቶም ልሙዳት ናይዚ ሞያ ጉጅለ ከም ፍሪላንሳረ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታትን ስኣልትን እዮም።

ናይ ምሉእ ወይ ናይ ክፍለ ግዜ

ኣብ ሽወደን እቲ ንቡር ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ኣብ ሰሙን 40 ስዓታት እዩ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ምስ 100 ሚእታዊት ሕደ እዩ፡ ናይ ክፋል ግዜ እንድሕሪ ኾንካ ትሰርሕ እቲ ዝመጸካ ደሞዝ ካብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ክንደይ ሚእታዊት ከም ትሰርሕ ትሓሲቡ ይመጸካ፡ ብናይ ስዓታት ተቖጺርካ ዉን ክትሰርሕ ትኽእል።

ነዚ ዝስዕብ ሕሰበሉ

ሓደ ሓደ ወሃብቲ ስራሕ ብቐዳምነት መንእሰያት ብናጻ ንሓደ ወይ ሓያሎ ሰሙናት “ናይ ኣመክሮ ስራሕ” ከስርሑ ይፍትኑን ብጌጋ ነዚ ናይ ኣመክሮ ስራሕ ኢሎም ይጽውዑዎን እዮም። ሓደ መሰረታዊ ሕጊ፡ ንስኻ ብጭራሽ ብናጻ ክትሰርሕ ከም ዘይብልካ እዩ። ዋላ’ውን ንኣመክሮ (ንመፈተንታ) እንተ ሰሪሕካ ደሞዝ ክኽፈለካ ኣሎዎ።

ደሞዝን ረብሓታትን

ኣብቶም መብዛሕትኦም ናይ ስራሕ ቦታታት ሓንሳብ ኣብ ዓመት ናይ ደሞዝ ምይይጥ ክትገብር ዕድል ኣሎ። ንደሞዝካን ካልኦት ረብሓታትን ዚምልከት ምኽሪ ርኸብ።

ደሞዝን ረብሓታትን