ክትሓምም ከለኻ ብኩራት ኣመልክት

ኣብ ሓደ መደብ ወይ ፕሮግራም ክትሳተፍ ከለኻ: ምሕማምካ ኣብታ ፋልመይቲ መዓልቲ ክትሕብር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ሕማም ምስክር ወረቐት ሓኪም ተቕርብ።

ኣብ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ ከም ዝሓመምካ ምሕባር

ኣብ መደብ ብምስታፍ ደገፍ ንጥፈት፡ ደሞዝ መትከልእግሪ ወይ ደሞዝ ምዕባለ ትወስድ እንተ ኾይንካ፡ እሞብምኽንያት ሕማም ኣብ’ቲ ዘተመደበልካ ንጥፈታት ክትሳተፍ ዘይትኽእልን እንተ ዄንካ፡ ሓበሬታ ሕማም ክትህብ ኣለካ።

መዓስ ኢኻ ናይ ሕማም ምልክታ ትገብር?

ድሮ ኣብታ ቀዳመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ ከተመልክት የድልየካ እንተ ዘይኮነ ክፍሊትካ ናይቲ ዝሓመምካሉ ምሉእ እዋን ክትከስሮ ኢኻ።

እንተ ደኣ ብገለ ምኽንያት፡ ኣብታ መጀመርታ ዝሓመምካላ ዕለት፥ ናይ ሕማም ምልክታ ክተቕርብ ዘይክኢልካ፥ ንኣብነት ኣጸቢቕካ ስለ ዝሓመምካ ክትገብሮ ምስ ዘይትኽእል፥ ኣብቲ ክትገብረሉ ትኽእል ጊዜ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናይ ሕማም ምልክታ ክተቕርብ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ሽዑ ድማ “ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan)፥ ገንዘብ ንኽትክፈል መሰል ኪህልወካ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፥ ናቱ ገምጋም ኪገብር’ዩ።

ኣብ ትምህርቲ፣ ልምምድ፣ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi) ወይ ካልእ ንጥፈታት ትሳተፍ እንተ ኴንካ፡ ናብኡ ናይ ሕማም ብኩራት ክትሕብር እውን የድለየካ እዩ።

ምስክር ወረቐት ሓኪም ድሕሪ ሸውዓተ መዓልታት

ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ፡ እሞ ኣብ ንጥፈታትካ ክትሳተፍ እንተ ዘይክኢልካ፡ ግድን ምስክር ወረቐት ሓኪም ከተቕርበልና ኣለካ። እዚ ኸኣ፡ ንኽልቲኡ ማለት፡ ምሉእ ግዜን ከፊል ግዜን ኣብ እትሓመሉ እዋን ይምልከት።

ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ

ካብ 30 መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ

ንነዊሕ እዋን እንተ ዄንካ ሓሚምካ ዘለኻ፡ ምእንቲ ከም ቅድም ክትሳተፍ ክትኽእል ናይ’ቲ ፕሮግራም ትሕዝቶ ከነሰማምዖ ንፍትን ኢና። ብምሉእ ግዜ ካብ 30 መዓልታት ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ ካብ’ቲ መደብ ትወጽእ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንተ ሓዊኻ፡ ኣብ ገለገለ ኵነታት ኣብቲ መደብ እንደገና ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

ከመይ ጌርካ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ከም ትሓትት ዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መካነ-መርበብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ኣለካ።

ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ (forsakringskassan.se)

ሕማም ንኸመልክት ከመይ እየ ዝገብር?

ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ከም ዝሓመምካ ተመልክት

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ከተመልክት ከለኻ፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብኵርካ ከም ዝነበርካ ክትመልኦ ኣለካ።

ኮምፕዩተር ወይ ኤለክትሮኒካዊ መንነት ዘይብልካ እንተ ዄንካ

ብገለ ምኽንያት ብዲጂታል ሓበሬታ ሕማም ከተእቱ እንተ ዘይክኢልካ ናባና ናብ ቍጽሪ ቴለፎን 0771-416 416 ክትድውለልና ትኽእል ኢኻ።

እንተ ሓሚመ ክንድይ ክፍሊት እዩ ዝወሃበኒ?

እታ ዝሓመምካላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝኾነ ክፍሊት ኣይትኽፈልን ኢኻ። እዚ መዓልቲ ብቕዓት (ካረንስዳግ) ይብሃል። ኣብታ ዝሓመምካላ መጀመርታ መዓልቲ ናይ ሕማም ምልክታኻ እንተ ኣእቲኻ፡ ናይቶም ዝተረፉ ካልኦት ናይ ሕማም መዓልታት ኽፍሊትካ ብመልክዕ ሓገዝ ንጥፈታት፡ ክፍሊት ምዕባለ ወይ ክፍሊት መትከል እግሪ ትዕቅቦም። ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበበ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (forsakringskassan.se)

ኣብ ርእሲ እቲ መደብካ ትሰርሕ እንተ ዄንካ

ኣብ ርእሲ እቲ መደብካ ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ብምኽንያት ሕማም ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካ ካልኦት ሕግታት እዮም ዘገልግሉ። ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበበ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (forsakringskassan.se)

ውላድካ እንተ ሓሚሙ

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ግዝያዊ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ (VAB) እንተ ኣለኻ ዄንካ ንዓና ክትሕብረና ኣገዳሲ እዩ። ድሮ ኣብታ ቀዳመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ ከተመልክት የድልየካ።

ቈልዓ ንምእላይ (VAB) ብኩራት ኣመልክት