ቈልዓ ንምእላይ (VAB) ብኩራት ኣመልክት

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ፡ ግዝያዊ ንዝሓመመ ቈልዓ ትኣሊ (VAB) እንተ ኣለኻ ዄንካ ንዓና ክትሕብረና ኣገዳሲ እዩ። ስለ ምንታይ ካብ እቲ መደብ ከም ዝበዀርካ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ሓደ መጠንቀቕታ ክወሃበካ ወይ ካብ እቲ ክፍሊት ክትወጽእ ተኽእሎ ኣሎ።

መን እዩ ብኩራት ናይ ቈልዓ ምእላይ (VAB) ከመልክት ዘለዎ?

ኣብ ሓደ መደብ ትሳተፍ እንተ ዄንካን ብምኽንያት ንሓደ ዝሓመመ ቈልዓ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ክትጸንሕ ስለ ዘድለየካ ኣብቲ ዝተመደበ ናትካ ንጥፈታት ክትሳተፍ ዘይክኢልካ፡ ንዓና ሓብረና።

መዓስ ኢኻ ብኩራት ናይ ቈልዓ ምእላይ (VAB) ከመልክት ዘለካ?

ድሮ ኣብታ መጀመርታ ዝሓመመ ቈልዓ ክትኣሊ ኣብ ገዛ ዝጸናሕካላ መዓልቲ ንዓና ሓብረና። እንተ ዘይኮነ ሓደ መጠንቀቕታ ኪመጸካ ወይ ደሞዝካ ክትሕደግ ሓደጋ ኣሎ።

ኣብ ትምህርቲ፣ ልምምድ፣ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (sfi) ወይ ካልእ ንጥፈታት ትሳተፍ እንተ ኴንካ፡ ናብኡ ብኩራት ክትሕብር እውን የድለየካ እዩ።

ብኩራት ናይ ቈልዓ ምእላይ (VAB) ከመልክት ከመይ ክገብር ኣለኒ?

እቲ ብኩራትካ ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ትሕብሮ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንኽፍሊት ከተመልክት ከለኻ፡ ብምኽንያት ግዝያዊ ምእላይ ቈልዓ ኣብኵርካ ከም ዝነበርካ ክትመልኦ ኣለካ።

ብገለ ምኽንያት ብዲጂታል ሓበሬታ ሕማም ከተእቱ እንተ ዘይክኢልካ ናባና ናብ ቍጽሪ ቴለፎን 0771-416 416 ክትድውለልና ትኽእል ኢኻ።

ዝሓመመ ቈልዓ ክኣሊ ከለኹ (VAB) ክንደይ ዝኣክል ክፍሊት ይኽፈለኒ?

ናይተን ሓደ ዝሓመመ ቈልዓ ዝኣለኻለን መዓልታት ክፍሊት ይወሃበካ እዩ። ስለዚ፡ ናይዘን መዓልታት ነቲ ክፍሊትካ ብመልክዕ ደገፍ ንጥፈት፡ ክፍሊት ምዕባለ ወይ ክፍሊት መትከል-እግሪ ትዕቅቦ።

ኣብ ርእሲ እቲ መደብካ ትሰርሕ እንተ ዄንካ፡ ብምኽንያት ሓደ ዝሓመመ ቈልዓ ምእላይ ስለ ዘድለየካ ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካ ካልኦት ሕግታት እዮም ዘገልግሉ። ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበበ ሓበሬታ ብዝያዳ ኣንብብ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (forsakringskassan.se)

እንተ ሓሚምካ

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ እንተ ሓሚምካ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። ድሮ ኣብታ ቀዳመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ ምሕባር የድልየካ።

ክትሓምም ከለኻ ብኵራት ሓብር።