ፍቓድ ንምስራሕ ኣብ ሽወደን

ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም (EU/EES) ወይ ስዊዘርላንድ ዜጋ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሕ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ። ብቐጥታ ድማ ስራሕ ምድላይ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ናትካ ትካል ክተበግስን ከተካይድን እውን መሰል ኣሎካ። ዜጋ ናይ ስዊዘርላንድ እንተ ዄንካን ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ክትሰርሕ ትደሊ ዄንካን፡ ንናይ መንበሪ ፍቓድ ምምልካት ከድልየካ እዩ።

ናይ ሓንቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም (EU/EES) ወይ ስዊዘርላንድ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ዜጋ ዝኾንካ፡ ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሕ ፍቓድ የድልየካ እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሕ ከም ዝሓሰብካን እንታይ ክትሰርሕ ከም ዝሓሰብካን ዝውስኖ ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣሎ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣየናይ ተፈጻምነት ከም ዘሎዎ ይመሚ።

ንዓኻ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም ዝመጻእካ (migrationsverket.se)

ንዓኻ ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጻእካ (migrationsverket.se)

ንዓኻ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ኮም ወጻኢ ሃገር ዝመጻእካ (migrationsverket.se)

ንዓኻ ድሮ ኣብ ሽወደን ዘሎኻን ናይ ስራሕ ፍቓድ ከተመልክት ትደልን (migrationsverket.se)

ፍሉያት ሕግታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ንሓደ ሓደ ሞያታትን ሃገራትን (migrationsverket.se)