ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ሃየ ተተሓሓዝዎ

ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ስራሕ ክትጅምሩን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ተሳትፎኹም ከተረጋግጹን እንተደኣ ደሊኹም፡ ቋንቋ ሽወደን ክትመሃሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ቋንቋ፡ ናብ ሕብረተ-ሰብ ዘእቱ መፍቲሕ እዩ።

ወዓል ሕደር ከይበልኩም፡ ቋንቋ ሽወደን ምምሃር ቀልጢፍኩም ተተሓሓዝዎ። ምኽንያቱ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን መርገጺ-ባይታ ንምርካብ፡ ቋንቋ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። እቲ ዝበለጸ ቋንቋ ንምምሃር ዝህግዝ ኣገባብ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ምስ ካልእ ንጥፈታታት ሓዊስኩም ምስ እትወስድዎ እዩ። ካብ መጀመርታ፡ ኩሉ ስርሓውቲ ምልከት ቋንቋ ሽወደን ዝሓትት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብ መስርሕ ቋንቋ ክትመሃር ዕድል ይህልወካ እዩ።

ቋንቋ ሽወደን ባዕልኹም ተመሃሩ

ብመንገዲ ናይቶም ኣብ ኢንተርነት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ነጻ መሳለጥያታት ኣቢልኩም፡ ናይ ቋንቋ ሽወደን ኣፍልጦኹም ከተዕብዩ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ’’Information Sverige’’ ዝተፈላለዩ ኣፕ፡ ፊልሚታት፡ ዝርዝር ቃላትን ካልእን ኣለኩም።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ’’Information Sverige’’ ብኸመይ ቋንቋ ሽወደን ትመሃሩ ንዝብል ዝምልከት ምዕዶ (informationsverige.se)

Sቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (sfi)

ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (sfi)፡ ነቶም መሰረታት ቋንቋ ሽወደን ዘይተማህሩ ልዕሊ 16 ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ዝቐንዐ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ክሊ ናይዚ መደብ ትምህርቲ ብቋንቋ ሽወደን ምዝራብ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ትመሃሩ። ብዜካ’ዚ፡ ነቲ ቋንቋ ኣብ መዓልታዊ ህይወትኩምን ኣብ ስራሕ ዓለምን ከተዘውትርዎ ዝሕግዘኩም፡ ልምምድ ውን ትገብሩ። እዚ መደብ ትምህርቲ፡ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ብኸመይ ይመሓደር ዝብል ምንቕቓሓዊ ትምህርቲ ዘማልአ ውን እዩ። እዚ ትምህርቲ ብምምሕዳር ከተማኹም ዝዳሎ ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ብርክታት ትምህርቲ ዘጠቓለለ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ’ዚ ንምስታፍ፡ ዝኾነ ነገር ክትከፍሉ ኣይትሕተቱን ኢኹም።

ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ክትመሃሩ ምስ እትደልዩ፡ ናብ ምምሕዳር ከተማኹም ኬድኩም ኢኹም ትምዝገቡ።

ብዛዕባ እትነብሩሉ ምምሕዳር ከተማ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታት ’’Information Sveriges’’ ኣቲኹም ርኸቡ። (informationsverige.se)

ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኮይንኩም ቋንቋ ሽወደን ተለማመዱ

እቶም ሽወደን ንምምሃር ዝሕግዙ ነጻ ዝኾኑ መሳለጥያታት፡ ብሓባር ምስ ብጾትካ ኮይንካ ክትመሃረሎም ምቹኣት እዮም። ምስ ብጾትካ ብሓባር ኮይንካ ቋንቋ ሽወደን ምልምማድ ከኣ፡ መሳጥን ዝያዳ ኣድማዕን ይኸውን።

ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር ኣድማዒ ዝኾነ ኣገባብ፡ ምስቶም ሽወደን ዝኽእሉ ሰባት ምዝርራብ እዩ። ምምሕዳር ከተማታትን ውድባትን ብወገነን፡ ቋንቋ ንምምሃር ዝዓለመ ምትእኽኻባት (språkcaféer) የዳልዋ ኮይነን፡ እዚ ኸኣ ንዓኹም ምቹእ ቋንቋ ናይ ምልምማድ መኣዲ ኮይኑ የገልግለኩም። ናይ ቋንቋ-መሓዛ (språkvän) ወይ ውን ኣላዪ-ስደተኛ (flyktingguide) ዝኾነ ሽወደናዊ ዜጋ ክትራኸቡ ውን ሓገዝ ትረኽቡ ኢኹም። ነዚ ዝምልከት ብርክት ዝበለ ሓበሬታን ምዕዶን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ’’Information Sverige’’ ኣለኩም።

ቋንቋ ሽወደን ምስ ካልኦት ኮይንካ ተለማመድ ዝብል ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ’’Information Sverige’’ (informationsverige.se)

ሞያዊ ቋንቋ ሽወደን (Yrkessvenska)

ሞያዊ ቋንቋ ሽወደን፡ ንዝተፈላለዩ ጽላታትን ሞያታት መሰረት ጌሩ ዝተዳለወ፡ ትምህርቲ ቋንቋ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ሞያዊ ዓውዲ ንኽትሰርሑ ዘድልየኩም ቋንቋ፡ ትመሃሩ ማለት እዩ። እዚ ትምህርቲ`ዚ፡ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ልምምድ-ስራሕ ወይ ውን ስራሕ ቀቅድሚ ምጅማርኩም ዝውሰድ፡ መዳለዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ`ዚ ንምስታፍ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ከም ደለይቲ-ስራሕ ዝተመዝገብኩም ክትኮኑ ኣለኩም።

ቋንቋ ሽወደን ተመሃሩ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ’’Information Sverige’’፡ በይንኹም ወይ ውን ምስ ሰብ ኮይንኩም፡ ቋንቋ ንኽትለማመዱ ዝሕግዘኩም ዝተፈላለዩ ድጋፍ ዝኾኑ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ትረኽቡ።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ’’Information Sverige’’ ቋንቋ ሽወደን ንኽትመሃሩ ዝሕግዘኩም መሳለጥያታት። (informationsverige.se)