ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ምስራሕ
ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ እንዳተጸበኹም እንከለኹም፡ ክትሰርሑ ትኽእሉ ወይ ውን ስራሕ ንምርካብ ዘኽእለኩም ምድላዋት ትገብሩ።
ዑቕባ ሓቲተ መልሲ እንዳተጸበኹ ክሰርሕ ይኽእል#ዶ?
እወ። ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ክትሰርሑ ትኽእሉ እኳ እንተኾንኩም፡ ከምኡ ንምግባር ግን ብበዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትሰርሑ ምእንቲ ናይ ስራህ-ፍቓድ ኣየድልየኩምን እዩ ዝብል ምስክርነት ክህልወኩም ኣለዎ።
ከም ሓታቲ ዑቕባ ክትሰርሕ ምእንቲ እንታይ የድሊ ዝብል፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኢሚግረሽን ከምኡ ውን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ (Skatteverket) ኣቲኹም፡ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ከም ሓታቲ ዑቕባ መልሲ እንዳተጸበኻ ክትሰርሕ ዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ኢምግረሽን
ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን ክትሰርሕን ሰሪሕካ ውን ደሞዝካ ክትወስድን፡ ኣብ ሽወደን ግብሪ ክትከፍልን፡ ብበዓል-መዚ ግብሪ ዝወሃብ ስርርዓዊ-ቊጽሪ (samordningsnummer) ክህልወኩም ኣለዎ።
ሓበሬታ ብዛዕባ ስርርዓዊ-ቊጽሪ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ
ብመንገዲ jobskills.se ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምርካብ ተዳለዉ
Jobskills.se ዲጂታላዊ መሳለጥያ ኮይኑ፡ ኣብዚ ገጽ፡ ኣብ ህይወትኩም ኣቐዲሙኩም እንታይ ሰሪሕኩም ኔርኩምን እንታይ ዓይነት ዓቕሚታትን ተመኲሮታትን ኣለኩም፡ ትምዝግቡ። ነዚ ሓበሬታት`ዚ ብቋንቋኹም ኢኹም ትምዝግብዎ። ብድሕሪ`ዚ፡ ነቲ ዘመዝገብኩሞ ሓበሬታ ወሃብቲ-ስራሕ ከምዝርእይዎ ትገብሩን ብቋንቋ ሽወደን ውን ከተተርጒምዎ ትኽእሉን።
ዓቕምኹም ንምንጽብራቕን ስራሕ ንምርካብን Jobskills ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ፡ ኣብቲ ገጽ ኣቲኹም ብዝርዝብ ኣንብቡ።
ደሞዝን ግብርን
ዑቕባ ሓቲትኩም መስሊ እንዳተጸበኹም እንከለኹም ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ገንዘብ እትወስዱ ምስ እትኾኑ ስራሕ ምስ እትረኽቡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትሕብሩ ኣለኩም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እንዳሰራሕካ ሓገዝ ክትወስድ ኣይትኽእልን ኢኻ።