ስራሕ ምስራሕ ንክኽእሉ ኣብ ዳግመ ሕውየት ክሳተፉ ዘለዎም ንሶም

ንስራሕ መሰረት ኣብ ዝገበረ ዳግመ ሕውየት ክሳተፉ እንተኾይኖም ናይ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደንን (Försäkringskassan) ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን (Arbetsförmedlingen) ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ከመይ ከም ዝግበር ካብ ኣብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ዘሎ ኣማሓዳሪኦም ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም። ድሕሪኡ ተራኺብና ስራሕ ምስራሕ ንክኽእሉ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ዘድልዮም ሓቢርና ክንትልም ኢና።

ምስራሕ ንክኽእሉ ኣብ ኩነታቶም ተመስሪቶም ጥሙር ደገፍ ከም ዘድልዮም ናብ ድምዳመ ዝበፅሑ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፣ ሓለዋ ጥዕና ንሶም ወይከዓ ምስኦም ብሓባር እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ናይ ጉዳዮም ኣማሓዳሪ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ናይ መጀመርያ ቆፀሮ ይሕዝ። ኣብቲ ኣኼባ ስለዝፍፀም ነገር ተወሳኺ ሓበሬታ ዝህቦም ንሱ ይኸውን። ኣብቲ ኣኼባ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ክህቡና ከም ዝኽእሉ ብምሕሳብ ይዳለዉ።

ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ይፍፀም?

ኣብቲ ኣኼባ ንሶም፣ ናይ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ጉዳይ ኣማሓዳሪኦምን ናይ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ጉዳይ ኣማሓዳሪኦምን ይሳተፉ። ካልኦት ክሳተፉ ዘድልዮም ክህልዉ ይኽእሉ፣ ንኣብነት ሓኪሞም ወይከዓ ፅቡቕ በዓል ገዛ እንተልዩዎም።

ምስራሕ ንክኽእሉ ዘድልዮም ቅድመ ኹነታት ሓቢርና ንርኢ። ቅድሚ ሕዚ ምስ እንታይ ከም ዝሰርሑ፣ እንታይ ትምህርትን ልምድን ከም ዘለዎምን ብዝብል ንጅምር። ሃለዋቶም ከመይ ከም ዝርእይዎን እንታይ ክገብሩ ከም ዝደልዩን ንዓና ጠቓሚ ሓበሬታ እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ንሕና ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከም ንህቦምን ምሳና ብኸመይ ከም ዝራኸቡን ክፈልጡ ይኽእሉ።

ሃለዋቶም ነቲ ትልሚ ይቆፃፀሩ

ምስኦም ብምዃን ንዳግመ ሕውየት ናይ ሓባር ትልሚ ኣብ ምውፃእ ንሕግዞም ኢና። ስራሕ ንምጅማር ሃለዋቶም ዘብራህርህሉ መንገዲ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ እዋን ዳግመ ሕውየት ንድግፎም ኢና

ካብኡ ናይ ምስራሕ ክእለቶም ንምፍታሽ ኣብ ትልሞም ተደሪኾም ብዝግበሩ ፃዕርታት ይሳተፉ። እዚ እንዳኾነ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደንን ደገፍ ይኾኑ ከምኡ እውን ንኽትትል በቢግዚኡ ክንረኽቦም ኢና።

ሓደ ልሙድ ኣበርክቶኦም ስራሕ ምኽኣል ምስ ደገፍ ኣብ ስራሕ ቦታ ምፍታሽ እዩ። ብሃለዋቶም መሰረት ስራሕቲ ክሙክሩ ይኽእሉ እዮም ከምኡ እውን ናይ ምልማድ ዕድል ኣሎ። ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደንን ነገራት ከመይ ይኸዱሎም ከም ዘለዉ ይከታተሉ እዮም።

ምሳና ዝግበሩ ኣኼባታት መብዛሕትኡ ግዜ ብኮምፒተር ወይከዓ ብቴሌፎን ዝሳተፍሉ ዲጂታል እዩ። እቶም ሰብ መዚ ብኣካል ኣኼባ ከም ዘድልዮም እንተርእዮም ኣብ ቀፅሪ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ወይከዓ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ንራኸብ ኢና።

ቀፂሉ እንታይ ይኸውን?

ንምስራሕ እንትሙክሩን ከም ዝሰርሕ እንትንርእይን ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕን ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደንን ሓባራዊ ትሕብብር ንምቁራፅ ንዳለው። ነዚ ቅድሚ ምግባርና ነቲ ናይ ዝቕፅል ብርኪ ትልሚ ምስኦም ሓቢርና ንምርምር። ነቲ ትልሚ ምቕያር እንተድልዩ፣ ብዛዕብኡ ንዘራረብ ከምኡ እውን ነቲ ትልሚ ብኡኡ መሰረት ነስተኻኽሎ።

ብስርዓት ሓለዋ ጥዕንኦም ዝረኽብዎም ጣልቃ ኣታውነታት፣ ሕክምናታት ወይከዓ ዳግመ ሕውየታት ምስ ናትና ጣልቃ ኣታውነታት ብሓደ ግዘ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ክሳብ ሽዑ ካብ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ካሕሳ ምቕባሎም ክቕፅሉ እዮም።

ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ዳግመ ሕውየት ክሳተፉ ዘለዎም ንሶም (försäkringskassan.se)