ካብ ናይ ጥዕና ዉሕስነት (sjukförsäkringen) ገንዘብ እንድሕሪ ዝመጽካ ኾይኑ ወይ ዝመጸካ እንተ ነይሩ ስራሕ ድለ
ድሕሪ ደጊም ንናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ (sjukpenning)፣ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ (sjukersättning) ወይ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ (aktivitetsersättning) መሰል እንተ ዘይብልካ እሞ ስራሕ ከተናዲ እንድሕሪ መሪጽካ ካባና ካብ መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዋላ`ውን መተካእታ ገንዘብ እንተለኳ ብማዕረ ስራሕ ከተናዲ ዕድል ክህልወካ ይኽእል እዩ።
ዉልቃዊ ኣኼባ
ናይ ስራሕ መራኸብትን ናይ ውሕስነት ካሳን (Försäkringskassan) ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ንኽትምለስ ጽቡቕ ቅድመ-ኩነት ክህቡኻ ይትሓባበሩ እዮም። ካብ ናይ ሕማም ትካል መተካእታ ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዝየገድስ ናብ መራኸቢ ስራሕ ንኽትመጽእ ቅቡል ኢኻ። ብድሓን ምጻእ። ናይ ዉሕስና ካሳ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ ኣየናይን እንታይን ኣገልግሎት ከም ዝፈዉየላክ ምእንቲ ክንሕበረካ ምሳና ቆጸራ ክሕዙልካ እዮም። ኣብቲ ናይ ስራሕ ህይወትካ ባዕልኻ ዳግመ-ምምዕርራይ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ንኽቐለልካ ዉን ክንዝቲ ኢና::
መብዛሕትኦም ናይ ስግግር ኣኼባታት ኦንላይን ኣኼባታት እዮም።
ብዛዕባ እቲ ዳግመ-ምምዕራይ ዝግበር ኣኼባ ብቛንቋ ሽወደን እተርኢ ፊልም፣ (Försäkringskassan YouTube) (youtube.com)
ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ እንዳ መጸካ ከሎ ስራሕ ምንዳይ ፣
ካብ 90 ክሳብ 180 መዓልታት እንድሕሪ ድኣ ኣብ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዄንካ ናይ ዉሕስነት ካሳ እቲ ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ እንዳ መጸካ ስራሕ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ ዝብል ገምጋም ክወስዱ ይኽእሉ እዮም፡ እዚ እቲ ተቖጺርካሉ ዘሎኻ ስራሕ እንዳ ሃለዎካ ከሎ ዉን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ዉሕስነት ካሳ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ወይ ሓድሽ ሞያ ንኸተጥሪ ሃሰስ ኣብ ትብለሉ ግዜ እቲ ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ ይኸፍሉኻ።
ካብ ናይ ሕማም ዉሕስና ገንዘብ ዘይመጽካ እንተ ኾይኑ ስራሕ ምንዳይ
ካብ ናይ ጥዕና ዉሕስነት ድሕሪ ደጊም መትካእታ ዘይመጸካ ኾይኑ ማለት ናይ ሕማም ደገፍ ገንዘብ፣ ናይ ሕማም መተካእታ ገንዘብ ወይ ናይ ንጥፈታት መተካእታ ገንዘብ ናባና ናብ መራኸብቲ ስራሕ ብድሓን ምጻና፡ ስራሕ ክትደልይ ክትጅምርን ከምኡ ኽኣ መራኽብቲ ስራሕ እንታይ ከወፍዩልካ ከም ዝኽእሉ ሓበሬታ ክትረክብ ምስ ዉሕስነት ካሳን መራኽበቲ ስራሕን ኣኼባ ክትገብር ዕድል ኣሎ።
እንድሕሪ ዉሕስነት ካሳ ቆጸራ ክሕዙልካ ዘይደለኻ ካብታ መጀመርያ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካላ መዓልቲ ባዕልኻ ናባና ናብ መራኸብቲ ስራሕ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
መራኸብቲ ስራሕ እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክወፍዩልካ ይኽእሉ፣
- ሓገዝ ካባና ብተሌፎን፣ ቀጥታዊ ምጽሓሓፍ (chatt) ወይ ኣኼባ ብቖጸራ ትረክብ
- ብዝተፈላለየ መንገዲ ስራሕ ንኸተናዲ ሓበሬታ
- ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓበሬታ
- ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዝህብዎ ኣገልግሎት ሓበሬታ
- ንኣብነት ደገፍ ናይ ሞያ ትምህርቲ፣ ናይ መዛግብ ሓቀኝነት መረጋገጺ፣ ልምምድ ናይ ሞያን ናይ ትምህርትን መዳለዊ ኮርሳት፣
- ካብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዉሕስነት ሓበሬታ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነት መተካእታ ገንዘብ፣
- ንናይ ኣገልግሎት ኣቕረብትና ንተቖጻጸሪቲ ዝምችእ ደገፍ።