ንዘመልከትካሎም ስራሕ መርጋገጺ ከተቕርብ ከሎኻ

እዛ ገጽ እዚኣ ንዓኻ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብካ ስራሕ ኣመልኪተ እየ ኢልካ ጸብጻብ ዘቕረብካ እሞ ናይቲ ዘመልከትካዮ ስራሓት መረጋገጺ ኣምጽእ ዝብል ደብዳበ ካባና ዝመጸካ ትምልከት፡ ብኽልተ ኣገባባት ክትገብሮ ትኽእል፡ ሓደ እቲ መረጋገጺ ምስቲ ኣብቲ ገዛኻ ዝሰደድናልካ ናይ መመለሲ ፎርም ብሓባር ትሰዶ ወይ ክኣ እዚ ኣብ ታሕቲ ናይዚ ገጽ ዘሎ ቅርጺ ማለት ፎርም መሊእካ ትሰዶ።

ኣየኖት መረጋገጺ ኢኻ ክትሰድድ?

ኣብቲ ንገዛኻ መጺኡካ ዘሎ ደብዳበ ኣየኖት ስራሕ ከም ዘመልከትካ ከምኡ ዉን እቲ ካብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣሎ፡ ነቶም ስራሕ ከም ዘመልከትካዮም መረጋገጺ ስደድ፡ ንምሳሌ ከምዚ ዝስዕብ ከተታሓሕዝ ትኽእል፡

  • መመልከቲኻ ወይ ናትካ ሲቪ (CV)
  • ካልእ ሰነድ ንምሳሌ ካብቲ ዉሃብ ስራሕ ነቲ ስራሕ ከም ዘመልክትካሉ ብጽሑፍ ዝሃበካ መልሲ ወይ እቲ ዉሃብ ስራሕ ነቲ ስራሕ ከም ዘመልከትካዮ ወይ እቲ ዘመልከትካዮ ኣብ ኢዱ ከም ዝኣተወ ዝሰደደልካ መርጋገጺ
  • ነቲ ስራሕ ከም ዘመልከትካዮ ሓደ ካብቲ ናይ ኮምፕዩተር ስክሪን ዝስኣልካዮ ስእሊ

እንድሕሪ ዘይመለስካ እንታይ የጋጥም?

እንድሕሪ እቲ ዝተመልአ ናይ መልሲ ፎርም ኣብ ግዚኡ ዘይሰዲድካዮ፣ ወይ እቲ ኣብ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ዝርዝር ናይ ዘናደኻዮ ስራሓት መረጋገጺ እንተ’ዘይ ኣቕረብካ መጠንቀቕታ ይዉሃበካ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ንብዙሕ መዓልታት ትተርፍ።

ኩነት ናይ ኣ-ካሳ መተካእታ ገንዘብ እንድሕሪ ኣሎካ

ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

እቲ መረጋገጺኻ በዚ ዝስዕብ ትሰድድ

እንድሕሪ ነቶም ኣመልኪተሎም እየ ዝበልካዮም ስራሓት ከም ዘምልከትካዮም መረጋገጺ ስደደልና ኢልና እንተ ሓቲትናካ ጥራይ ኢኻ እቲ መረጋገጺ ትሰድድ፡ መረጋገጺኻ ንምስዳድ ክልተ ዝተፈላልለየ መንገድታት ኣሎ - በቲ ኣብዚ ገጽ ዘሎ ፎርም ወይ ብቡስጣ ጌርካ ምስዳድ።

ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብምስጢር ዝዕቀብ እንድሕሪ ድኣ ኾይኑ ብቡስጣ ስደድ።

እንድሕሪ ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብምስጢር ዝትዓቕበ ኾይኑ እዚ ቅጥዒ ኣይትጠቐም ኣብ ክንድኡ ብቡስጣ ጌርካ ልኣኽ፡ ቡስጣ ብምስዳድ መልስ፡ በቲ ምስቲ ደብዳበ ዝመጸካ ናይ መመለሲ ፎርም ተጠቒምካ ምስቲ መረጋገጺኻ ብሓደ ጌርካ ብቡስጣ ስደደልና።

በቲ ፎርም እንድሕሪ ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብምስጢር ዘይትዓቕበ ኾይኑ

እንድሕሪ ናይ ዉልቅኻ ሓበሬታ ብምስጢር ዘይትዓቕበ ኾይኑ ነቲ መረጋገጺ ክትሰድድ በቲ ኣብዛ ገጽ ዘላ ፎርም ተጠቐም

ቅድሚ ነቲ ፎርም ምምላእካ ተዳሎ

ቅድሚ ነቲ ፎርም ምምላእካ እቲ መረጋገጺታትካ ብሓደ ኣኪብካ ምድላዉ ከድልየካ እዩ፡ በዚ ነቲ ፎርም ቀልጢፍካ ክትመልኦ ትኽእል ድሓር ነቲ መረጋገጺ ኣትሓሒዝካ ነቲ መልሲ ትሰዶ፡ እቲ ገጽ እንድሕሪ ድኣ ን60 ደቓይቕ ዘይነጠፍካሉ ንድሕንነት ምኽንያት እቲ ዝተሓሓዝካዮ መረጋገጺ ፋይላት ይስረዝ።

ናይ ዘመልከትካሎም ስራሓት መርጋገጺ ፎርም

እንተ በዝሐ 12 MB ዝመጠኑ መረጋገጺ ፋይላት ከተታሓሕዝ ትኽእል

Observera!
Du ska bara använda formuläret om du har fått ett brev från oss om att du ska lämna in underlag för att visa att du har sökt de jobb som du har redovisat i din aktivitetsrapport.

(KON20XXXXXXXXX) Ange endast siffrorna. ÄrendeID hittar du högst upp på brevet du fått.
11



10


Filformat som du kan bifoga: doc, jpg, pdf, png, zip, docx, txt, gif, ppt, pptx, jpeg. Du kan bifoga filer som totalt är på max 12 MB.
Vill du att vi lägger till dina uppgifter till ditt ärende? * (mandatory)
Vill du att vi lägger till dina uppgifter till ditt ärende?