ነቲ ናይ መደብ መተካእታ ገንዘብካ ኩነት

ኣብ ሓደ መደብ ክትሳተፍ ከሎኻን ናይ ንጥፈታት ደገፍ፣ ናይ ምዕባለ- ወይ ናይ መትከል-እግሪ መተካእታ ገንዘብ ክትዉሃብ ከሎኻ ብቐጻሊ ስራሕ ምንዳይ ከምኡ ዉን ወርሓዊ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፡ እንተዘይኮነ መጠንቀቕታ ክዉሃበካ ይኽእል እዩ፡ እዚ ብተደጋጋሚ እንድሕሪ ኣጋጢሙ እቲ መተካእታ ገንዘብ ንሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ክቋረጽ እዩ፡ ኣብዚ ኩሉ እቲ ኩነት ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ምእንቲ ከይትተርፍ እቲ ምንዳይ ስራሕ ብኣጋባብ ክትኣልዮ ኣሎካ ከምኡ ድማ እቲ ምሳና ዘሎካ መደብን ዉዕልን ክትከታተሎ ኣሎካ፡ ካብቶም ናታና ኣቕረብቲ (leverantörer) እንድሕሪ ድኣ ሓገዝ ትረክብ ኴንካ ምስቲ ተቝጻጻሪ (handledare) ብሓደ ኾንካ ነቲ መደብን ስምምዕን ክትከታተሎ እሎካ።

እዚ ማለት እዚ ዝስዕብ ምግባር ከድልየካ እዩ

  • ስራሕ ብንቕሓት ይድለዩ (ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ብኣንፃሩ እንተድኣ ተገሊፁ ጥራሕ) ንኣብነት ንምፍላጥ ዝወፁ ስራሕትን ኢጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ወይ ተቖፃፃሪኦም ዘማኸሩዎም ስራሕትን ወይከዓ ናይ ድልየት መግለፂታት ወይ CVኦም ናብ ወሃብቲ ስራሕ የእትዉ
  • እቶም ከተመልክቶም ዝሓተትናካ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ምምልካት
  • ጸብጻብ ናይ’ቶም ዘናደኻዮም ስራሓትን ካልእ እንታይ ንጥፈታት ከም ዝገበርካን ወርሓዊ ኣብ ሞንጎ ዕለት 1ን ዕለት 14 መሊእካ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ናባና ኣቕርብ
  • ምሳና ብምትሕብባር ከመይ ጌርካ ስራሕ ከም ትረክብ ውጥን ስራሕ ኣዳልዉ
  • ኣብቲ ናትካ መደብ ዝተጠቓለለ ንጥፈታት ተሳተፍ
  • ኣብ ኣኼባ ተሳተፍ ወይ ንዓናን ንኣቕረብትናን ብቖጸራ ብዝተታሓዘ ግዜ ተወከሰና ከምኡ ዉን ተሌፎን ክንድዉለልካ ኣብ ዝተሰማማዕናሉ ግዜ መልሰልና

ንናይ ስራሕ ኣልቦነትካ ምእንቲ ከይተናዉሖ ከምኡ ዉን ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ከይትተርፍ ነዚ ዝስዕብ ሕራይ የቐንየለይ ኢልካ ተቐበሎ

  • ንዝተወፈይልካ ስራሕ
  • ንሕና ኣመልክት ዝበልናካ ትምህርቲ እሞ ዝተቐበሉኻ ቤት ትምህርቲ
  • ናይ ስራሕ ኢንተርቪው፡ ነታ ስራሕ ክህቡኻ ምእንቲ ዝተኻእለካ ትገብር
  • ኣብቲ መደብ እትው ዝኾነ ንሕና ወይ ኣቕረብትና ዝወፍዩልካ ንጥፈታት

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ዝሓመመ ቆልዓ እንድሕሪ ክትኣሊ ኾንካ ኣብቲ መደብ ክትካፈል ከም ዘይትኽእል ንዓና ምሕባር ከድልየካ እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ከተዕርፍ ደሊኻ ኣቐዲምካ ካባና ተቐባልነት ክትረክብ ኣሎካ።

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ዝሕመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

ብመገሻ ኣብ ወጻኢ ሃገር ትጸንሓሉ ግዜ

ኣብ ሓደ መደብ እንዳ ተኻፈልካ ከሎኻ ብመራኸብቲ ስራሕ ቅቡል ዘይኮነ መገሻ ወጻኢ ሃገር ምብኳር ነቲ ኣብቲ መደብ ዘሎካ ቦታ ከትስእን ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ካብቲ መደብ ዝዉሃበካ መተካእታ ገንዘብን እቲ ንጥፈታትን ዉን ክትስእኖ ኢኻ።

እቲ ክገብሮ ዘሎኒ እንድሕሪ ዘይጌረ እንታይ የጋጥም?

መራኸብቲ ስራሕ ነቲ በቲ መደብ ዝኽፈል ናይ መትካእታ ገንዘብ ኩነት ተማልእ እንተ ኾንካ ይቆጻጸሩ እቲ ናይ ስራሕ ምንዳይ እንድሕሪ ብጉቡእ ዘይኣለኻዮ ወይ ናይ ስራሕ ኣልቦነትካል ግዜ እንድሕሪ ኣናዊሕካዮ ንኸጠንቅኹኻ ወይ ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ክትተርፍ ይዉስኑ።

እንድሕሪ እቲ ኩነት ማለት እቲ ክማላእ ዘለዎ ዘየማላእካ እሞ ካብቲ ዝመጸካ መተካእታ ገንዘብ ትኣጊድካ ካብቲ እንድሕሪ ሓሚማካ ብናይ እቶትካ መሰረት ዘመጸካ መተካእታ ገንዘብ (sjukpenninggrundande inkomst (SGI)) ዉን ክትረክብ መሰል ኣይክህልወካን ማለት እዩ፡ እቲ ናትካ እንድሕሪ ሓሚማካ ብናይ እቶትካ መሰረት ዘመጸካ መተካእታ ገንዘብ (SGI) ክንደይ ገንዘብ ከም ዝመጽካ መሰረታዊ መለክዒ እዩ፡ ንምሳሌ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ምስ ትወስድ፡ ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እንተ’ሎካ ንናይ ዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ተወከሶም።

እንድሕሪ ንሕና መራኸብቲ ስራሕ ክንምርምር ጀሚርና ቅድሚ ናይ መጨረሻ ዉሳኔ ምዉሳድና ተወሳኺ ሓብሬታ ክትህበና ዕድል ምእንቲ ክትረክብ ደብዳበ ክንሰደልካ ኢና።

ተወሳኺ ሓበሬታ ሃብ

  • መጀመርያ ግዜ መጠንቀቕታ ይውሃበካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 1 መዓልቲ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሓምሻይን ነፍሲ ወከፍ ዝስዕብ መዓልትን፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ። እንድሕሪ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ኣብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ (arbetslöshetsersättning) ዝተመሰረት ኾይኑ ድሕሪ እቶም 45 መዓልታት ናብ 223 ኮርና ይወርድ።

  • መጀመርያ ግዜ፡ ናይ 5 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ካልኣይ ግዜ፡ ናይ 10 መዓልታት መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ሳልሳይ ግዜ፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ።
  • ራብዓይን ነፍሲ ወከፍ ዝስዕብ መዓልትን፡ ናይ 45 መዓልታ መትካእታ ገንዘብ ይጎድለካ። እንድሕሪ እቲ ናይ መተካእታ ገንዘብካ ኣብ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መተካእታ ገንዘብ (arbetslöshetsersättning) ዝተመሰረት ኾይኑ ድሕሪ እቶም 45 መዓልታት ናብ 223 ኮርና ይወርድ።

በቲ ዝተዋህበ ዉሳኔ ዕጉብ እንድሕሪ ዘይኮይነ እንታይ ክገብር ይኽእል?

እንድሕሪ በቲ ናይ መወዳእታ ዝወሰድናዮ ዉሳኔ ዘይዓገብካ እንደገና ክርኣየልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ፡ ክርኣየልካ እንድሕሪ ደሊኻ እቲ ”መሕተቲ ናይ እቲ ዝተወስነ ናይ መጠንቀቕታን ማዕቀብን እንደገና ይርኣየለይ” (”Begäran om omprövning av beslut om varning eller sanktion”) ዝብል ማዕቀብ ምልኣዮ።

ሓደ ዉስኔ እንደገና ክርኣየልካ ሕተት

ልሙዳት ሕቶታትን መልስታትን

ናብ ሓደ ንጥፈት እንድሕሪ ዶንጒየ መጺአ ወይ ኣብዘይ ስዓተይ እንተ ወጺአ ብዘይ ናይ መተካእታ ገንዘብ ክተርፍ ይኽእል ድየ?

እቲ ናትካ ተቖጻጻሪ ምኽንያት ብዘይ’ገድስ ዶንጒኻ እንተ ኣቲኻ ወይ ብዘይ ስዓትካ እንተ ወጺኻ ንዓና ኩሉ ግዜ ክሕብረና እዩ፡ እቲ ምኽንያት ንሪኦ እታ ናይታ መዓልቲ ቡኩራት ነቲ ክትበጽሖ ዝነበርካ ዕላማ ዕድላት እንታይ ትርጉም ኔርዎ ንርኢ፡ እንድሕሪ ድኣ ብኣገባብ ኣይተመላለስካን ኢልና ገምጊምናዮ መጠንቅቕታ ክዉሃበካ ይኽእል ወይ ንሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ትተርፍ።

ሓኪም ንኽርኢ ካብቲ ንጥፈታተይ ክኸይድ ኣሎኒ ነመን እየ ዝሕብር?

እንድሕሪ ድኣ ከተዕርፍ ደሊኻ ኣቐዲምካ ካባና ተቐባልነት ክትረክብ ኣሎካ፡ ንሕጽር ዝብለ ቡክራት ዉን ይምልከት እዩ ንምሳሌ ምስ ሓኪም ወይ ምስ ስኒ ሓኪም ቆጸራ እንተ’ሎካ፡ ዕረፍቲ ክህቡኻ ዝኽእሉ መራኸብቲ ስራሕ ጥራይ እዮም እቲ ናይ ኣቕረብቲ ተቖጻጻሪ ኣይኮነን፡ ነቲ ትቖጻጸሪኻ ዉን ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብቲ ንጥፊ ካ ም ዘትሳተፍ ምእንቲ ክፈልጥ ሓብሮ።

ኣብ ገዛ ክሰርሖ ዘሎኒ ኣብ ግዚኡ ንተቖጻጸሪየይ እንድሕሪ ዘይሃብኩ እንታይ የጋጥም?

ነቲ ኣብ ገዛ ዝስራሕ ብግዚኡ እንተ ዘይሃብካ እቲ ታቖጻጻሪኻ ክሕብረና እዩ፡ እንድሕሪ ድኣ ብሕማቕ ኣገባብ ትካይዳ ኣለኻ ዝብል ገምጋም ወሲድና መጠንቀቕታ ክዉሃብካ ይክኣል ወይ ሓደ ወይ ብዙሕ መዓልታት ብዘይ መተካእታ ገንዘብ ትተርፍ።

ካብ ሓደ ናይ ዉሃብቲ ስራሕ ኣቕረብቲ ተቖጻጻሪ ደገፍ ይረክብ እየ ምስኡ ብማዕረ ምስ ዉሃብቲ ስራሕ ክራኸብ የድልየኒ ድዩ?

ዉሃብቲ ስራሕ ምሳኻ ብሓባር ነቲ ሓፈሻዊ መደብ ሓላፍነት ኣለና እዚ ንዓኻ ከመይ ይኸደልካ ከም ዘሎ ንምክትታል እዩ፡ ምስቲ ኣቕራቢ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ናይ ኣኼባ ቆጸራ ክንገብረልካ ንኽእል ኢና ነዚ ቆጸራ ኽኣ ክትሳተፎ ከድልየካ እዩ።

ወርሓዊ ጸብጻብ ናባና ምቕራብ ክትቅጽል ኢኻ፡ እዚ ዋላ ዉን ናብቲ ናይ ኣቕራቢ ተቖጻጻሪኻ ናይ ዘናደኻዮ ስራሕ ጸብጻብ እንተ ኣቕረብካ።

እንድሕሪ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቆልዓ ክትኣሊ ኣብ ገዛ እንተ ተረፍካ እታ መጀመርያ መዓልቲ ንመራኸብቲ ስራሕ ምውካስ ኣገዳሲ እዩ፡ ነቲ ተቖጻጻሪኻ ዉን ሓብር።

እንድሕሪ ሓሚምካ

እንድሕሪ ዝሕመመ ቆልዓ ትኣሊ ኣሎኻ

እንድሕሪ ድኣ ስራሕ ረኺብካ ወይ ክትምሃር እንድሕሪ ጀሚርካ እሞ ደጊም ኣብቲ መደብ ክትቅጽል ዘይደለኻ ወይ ብኻልእ ምኽንያት እንድሕሪ ዘይደለኻ ወይ ዘይክኣልካ ንዉሃብቲ ስራሕ ተወከሰና።

ኣብ ሓደ መደብ ከልኹ እንድሕሪ ብዛዕባ መተካእታ ገንዘበይ ሕቶ እንድሕሪ’ሎኒ ንመን ይውከስ?

እቲ ዘሎካ መትካእታ ገንዘብካ ክትዕቅብ እንታይ ኩነት ከተማልእ ከም ዘድልየካ ሕቶ እንተ’ሎካ ንመራኸብቲ ስራሕ ተወከስ።

ተወከሰና

ብዛዕባ መተካእታ ገንዘብካ መርመራ ይግበር ኣሎ ዝብል ደብዳበ እንተ መጻካ እሞ ሕቶ’ሎካ? ወይስ ንምንታይ ናይ መጠንቀቕታ ወይ ናይ ምእጋድ ዉሳኔ መጺኡኒ ኢልካዶ ትሓትት? ነቶም ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ዘለዉ መተካእታ ገንዘብ እንደ-ገና ዝርእዩ (Ersättningsprövning) ኣሃዱ ተወከስ፡ ናቶም ናይ መወከሲ ሓበሬታ ኣብቲ ደብዳበ ኣሎ።

እቲ ሕቶታትካ ኣገባብ ምኽፋል ገንዝብ፣ መጠን ናይ መተካእታ ገንዘብካ ወይ ናይቲ መተካእታ ገንዘብካ መመልከቲ ከመይ ጌርካ ከም ትመልኦ እንድሕር ድኣ ኮይኑ ንዉሕስነት ካሳ (Försäkringskassan) ተወከስ።

እንድሕር ድኣ ኣብ ሓደ መደብ ትሳተፍ ኴንካ (ናይ ዉሕስና ካሳ መርበብ ኢንተርነት ቦታ) (forsakringskassan.se)

ኣብ ክንደይ ስራሕቲ ከመልክት ኣለኒ?

ኣብቲ ፕሮግራም ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ከመልክትዎም ዘለዎም በዝሒ ስራሕቲ ብዝሳተፍሉ ዘለዉ ዓይነት ፕሮግራም ይውሰን። ናይ ተግባር ትልሞም ዝተኽኣለ ፍጥነት ስራሕ ንምርካብ ሰፊሕ ዕድል ንኽህልዎም ናብ ክንደይ ዝኣኽሉ ስራሕቲ ከመልክቱ ከም ዘለዎም ክገልፅ ይኽእል እዩ፤ ንኣብነት 6-20። እቲ ትሑት ቁፅሪ ተስማዕማዕቲ ስራሕቲ ብንቕሓት ምእላሾም ንምግምጋም በቢወርሑ ከመልክቱ ዘለዎም ዝተሓተ በዝሒ ስራሕቲ የርእይ።

ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) ኣብ ሓድሓደ ኩነታት ኣብቲ ፕሮግራም ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ስራሕ ምእላሽ ከም ዘየድሊ ክግምግም ይኽእል እዩ። ካብኡ ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ክኸውን ኣለዎ።

እንታይ ከም ዝትግበር ርግፀኛ እንተዘይኮይኖም ንኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓበሬታ ንጥፈታቶም (aktivitetsrapport) ዘመልከቱዎም ስራሕቲ ኩሎም ምምልኦም ርግፀኛ ይኹኑ፦ ምፍላጥ ዝተገበሩ ስራሕቲ፣ ሃንደበታዊ ኣለሻ፣ ወይከዓ ንከመልክቱ ዝተባባዕናዮም ስራሕቲ። ስራሕ እንዳደለዩ ከም ዝኾኑ ንምግምጋም ሓበሬታ ንጥፈታቶም ንዓና ኣገዳሲ መሰረት እዩ።

ንእኹል ስራሕቲ እንተዘይኣመልኪተ ካሕሳይ እንታይ ይኸውን?

ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ካብ ዝተጠቐሰ ትሑት ቁፅሪ ዝተሓተ ስራሕ እንተመልኪቶም መጠንቀቕታ ክበፅሖም ይኽእል ወይከዓ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልትታት ብዘይ ካሕሳ ክፀንሑ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ካሕስኦም ናይ መወዳእታ ውሳነ ቅድሚ ምሃብና፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ንክህቡና ዕድል ንክህልዎም ክንረኽቦም ኢና።

ኣብ ናይ ተግባር ትልሞም ስራሕ ምእላሽ ኣየድልዮምን ዝብል እንተኾይኑ፤ ንሱ ተግባራዊ ይግበር።

ቁጽጽር ናይ ዝተመልከቱ ስርሓት

ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ኣመልኪተዮም እየ ዝበልካዮም ስራሕ ከም ዘመልከትካዮም ንኽንርኢ ቁጽጽር ክንገብር ንኽእል ኢና፡ እዚ ስለ ዝኾነ ነቶም ዘመልከትካሎም ስራሕ ከም ዘመልከትካ መረጋገጺ ክትዕቅብ ኣሎካ።

ዝመልከትካሎም ስራሕ መርጋገጺ ምቕራብ