Svenska för invandrare, sfi

ከም ሓድሽ መጠን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ሽወደንኛ ትረክብ። እቲ ትምህርቲ በታ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካላ ኮሙን እዩ ዝዳሎ።

እንታይ

ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን ሽወደንኛ ዘይትኽእልን ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እዩ። ብሽወደንኛ ምዝራብ፣ ምንባብን ምጽሓፍን ትምሃር። ከምኡ’ውን ነቲ ቋንቋ ኣብ መዓልታውን ናይ ስራሕ ሂወትን ንኽትጥቀመሉ ክትለማመድ ትኽእል። ዕላማ ናይዚ፡ መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ሽወደን ንኽትረክብ እዩ። እቲ ትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ክሰማማዕ ብዝተፈላለየ ደረጃ ኣሎ።

ብምሉእ ግዜ ወይ ክፋል ግዜ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ትምህርቲ ምስ ስራሕ ወይ ካልኦት ትምህርትታት ኣሕቢርካ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ ምስ ተወድኣ ወረቐት ምስክር ይወሃበካ እዩ።

ንመን

ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ንዓኻ ሽወደንኛ ናይ ኣዴኻ ቋንቋ ዘይኮነን መሰረታዊ ፍልጠት ናይ ሽወደንኛ ንዘድልየካን እዩ። ነዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ፦

  • መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ
  • ኣብ ናይ ሓንቲ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ክትከውን
  • 16 ዓመት ዝመላእካ ኢኻ።

ብኸምዚ ይሰርሕ።

ነቲ ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት እታ ትነብረላ ኮሙን እያ ከተቕርበልካ ዘሎዋ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ምስታ ትነብረላ ኮሙን ርክብ ግበር።

ኤስኮኤል - ኮሙናት SKL kommuner

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ትምህርቲ መርበብ ሓበሬታ መን ትምህርቲ ሽወደንና ንኽመሃር መሰል ከም ዘሎዎን ናብቲ ትምህርቲ ምቕባል ወይ ምእታው ብኸመይ ከም ዝካየድን ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

Skolverket - Rätt till, behörighet och antagning för sfi

ኣብ etableringsprogrammet ትሳተፍ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ሓደ ካብቶም ንጥፈታት ናይቲ ፕሮግራም እዩ።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ

ሓፈሻዊ ትምህርቲ