Förmedlingsinsatser

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት ንስራሕ ከተናዲ ወይ ትምህርቲ ንኽትጅምር ዘድልየካ ዝድግፍ ሓደ መደብ እዩ፡ ካብቶም ኣቕረብትና ከም ደገፍ ሓደ ተቖጻጻሪ ማለት ትሓጋጋዚ ይግበረልካ፡ ብሓባር ኮንኩም ኣየናይ እዩ እቲ ዝበለጸ ንጥፍታት ንዓኻ መደብ ትገብሩ።

ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት እንታይ እዩ?

እዚ ናይ ስራሕ መራኸብቲ ጻዕርታት ኣብቲ ናትካ ድልየት የማልእ እዩ ተባሂሉ ዝተነድፈ ንጥፈታት ምክፋል እዩ፡ እቲ ንጥፈታት ምስቶም ዉዕል ዝኣተናሎም ኣቕረብቲ ይካየድ፡ እቲ ንጥፈታት ንዓኻ እዋናዊ ምዃኑ መራኸብቲ ስራሕ እዮም ዝግምግምዎ፡ ገምጋም ክንገብር ከሎና ስታቲስቲካዊ ኣገባብ ከም ናይ መገምገሚ ደገፍ ንጥቀም፡

ገምጋምና በዚ ኣገባብ ነካይዶ

ኣብዚ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ጻዕርታት መን ክካፈል ይኽእል?

ኣብዚ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ጻዕርታት ክትካፈል ከም ደላይ ስራሕ ኣብ መራኸብቲ ስራሕ ዝተመዝገብካን ዕድመኻ እንተ ዉሓደ 25 ዓመት ኮይኑ ብሙሉእ ስዓታት ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ንስኻ 25 ዓመት ዘይመላእካ ግን ኣካለ ስንልክና ዘለካ፣ ኣብ ናይ ንገለ ሓደሽቲ ዝመጹ ዝዉሃብ መትከል-እግሪ ጻዕርታት (etableringsinsatser) ዝተኻፈልካ ወይ ክኣ እንተ ዉሓደ 18 ዓመት ዝዕድመኻን ንነዊሕ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ዘሎኻን ዉን ክትካፈል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ዉሕስና (jobbgarantin för unga) ከምኡ ዉን ኣብቲ ናይ ምዕባለ ዉሕስና (utvecklingsgarantin) ወይ መትከል እግሪ መደብ (etableringsprogrammet) ትካፈል ዉን ኣብዚ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክትካፈል ትኽእል ኢኻ፡ ሽዑ 25 ዓመት ምምላእ ወይ ብናይ ሙሉእ ግዜ ስራሕ ኣልቦ ምዃን ኣየድልየካን እዩ።

እቲ ኣገባብ ከምዚ ዝስዕብ እዩ

እቲ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ጻዕርታት ምስ ተፈቐደልካ ኣዕጥቕን ኣጻምድን (rusta och matcha) ዝብሃል ደገፍ ክዉሃበካ እዩ፡ ኣብ ኣዕጥቕን ኣጻምድን ካብ ኣቕረብትና ሓደ ደገፍ ትረክብ ኣየናይ ኣቕራቢ ከም ትደሊ ንስኻ ኢኻ ትሓሪ፡ ሓደ ኣቕራቢ ምስ ሓረኻ ምስኦም ብሓባር ኣየኖት ንጥፈታት እዩም ንዓኻ ብዝቐልጠፈ ስራሕ ከዉህቡኻ ወይ ትምህርቲ ክረኽቡልካ ዝኽእሉ ዉጥን ተዉጽኡ፡ በቲ ዝመረጽካዮ ኣቕራቢ ዝዉሃበካ ደገፍ ዕጉብ እንድሕሪ ዘይኮንካ ካልእ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ፡ እንድሕሪ ኣቕራቢ ክትቅይር ደሊኻ ተወከሰና።

ኣዕጥቕን ኣጻምድን (Rusta och matcha)

እዚ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ጻዕርታት ንኽንደይ ግዜ ይኸይድ?

እዚ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ጻዕርታት ከም ንቡር ብናይ ሙሉእ ስዓታት ን ሽዱሽተ ወርሒ ይካየድ፡ ኣድልይነቱ ተራእዩ ንተወሳኺ ሽዱሽተ ወርሒ ክትሳተፍ ትኽእል፡ ብጠቕላላ 12 ወርሓት። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ብናይ ፈረቓ ግዜ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ፡ ንምሳሌ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንድሕሪ ኣሎኻ ወይ ካልእ ቅቡል ዝኾነ ምኽንያት እንተ’ሎካ።

ዝወሃብ ክፍሊት ገንዘብን ጠለባትን

ከም’ዚ ዓይነት ደገፍ ምስ ዝወሃበካ ኣብ ሓደ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መደብ(ፕሮግራም) ትሳተፍ ኣለኻ ማለት’ዩ።ስለ’ዚ ካብ ማሕበራዊ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳ) ክፍሊት ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል።ክፍሊት ገንዘብ ክወሃበካ ከመይ ገይርካ ከም ተመልክትን ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦም መደባት(ፕሮግራማት) ምስ ትሳተፍ እንታይ ዓይነት ጠለባትን ረብሓታትን ከም ዘለዎም፡ኣብ’ዚ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ቤ/ጽ ዕዮ ዝህቦ መደብ(ፕሮግራም) ምስ ትሳተፍ