ኣብቲ ትሓመሉ ጊዜ

እንተ ደኣ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቆልዓ ክትኣሊ ዄንካ፥ ”ንቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ክትሕብሮም ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ኣበየናይ ኩነታት ክትገብሮ ከም ዘድልየካ ዚውስን፥ እቲ ዓይነት ገንዘብ ትቕበል (ersättning) ከም ዝዀንካ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ካብቶም ”ፕሮግራማትና” ትሳተፍ ምስ ትኸውን፥ ኵሉ ጊዜ ከም ዝሓመምካ ናባና ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ/ኪ እዩ።

ኣብ ሓደ ”ፕሮግራም” ኣብ ትሳተፈሉ ጊዜ

ኣብቶም ዝተመደቡልካ ”ንጥፈታት” ንምስታፍ ምስ ዘይትኽእል፥ ገና ኣብታ ዝሓመምካላ ቀዳመይቲ ዕለት፡ ናባና ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ከምኡ ምስ ዘይትገብር/ሪ፡ ናይቲ ዝሓመምካሉ እዋናት፡ ዝዀነ ገንዘብ ኣይክትቅበልን ኢኻ። ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንዝነውሕ ጊዜ ምስ ትሓምም፥ ገንዘብ መታን ክትቅበል ክትእል፥ ናብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ” (Arbetsförmedlingen)፥ ናይ ሓኪም-ወረቐት ክተቕርብ ከድልየካ’ዩ።

ንዝሓመመ ቆልዓ ንምእላይ ብማለት፡ ኣብ ገዛ ምስ ትጸንሒ ውን፡ ክትሕብርና የድሊ’ዩ። ”ናይ ሕማም ምልክታን” ከምኡ ውን ንዝሓመመ ”ቆልዓ ናይ ምእላይ ምልክታን”፥ ብቐሊሉ ኣብቲ ናትና ኣድራሻ ኢንተርነት (webbplats) ክትገብርዮ ኢኺ።

ንስኻ ብመልክዕ ”ደገፍ-ንጥፈታት” (aktivitetsstöd)፡ ”ናይ ምዕባለ ገንዘብ” (utvecklingsersättning) ወይ ውን ናይ ”ደገፍ-እግሪ ምትካል” (etableringsersättning) ሓገዝ ገንዘብ ትቕበል ምስ ትኸውን፥ ኣብ ሓደ ”ፕሮግራም” ትሳተፍ ኣሎኻ ማለት’ዩ።

እቶም ዘሎዉና ”ፕሮግራማት” እዞም ዚስዕቡ’ዮም፡-

  • ”ትምህርቲ ዕዳጋት-ስራሕ” (arbetsmarknadsutbildning)
  • ግምገማን-ምርግጋጽን ፍልጠት (Validering)
  • ”ልምምድ-ስራሕ” (arbetspraktik)
  • ”ኩባንያ ንኽትከፍት ዚግበረልካ ድገፍ” (stöd till start av näringsverksamhet)
  • ”መዳለዊ ዝኸውን ናይ ሓገዝ ስጕምቲታት” (förberedande insatser)
  • ”ፕሮጀክት - ናይ ዕዳጋ-ስራሕ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘሎዎ” (projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning)
  • ”ስራሕን- ናይ ምዕባለ ውሕስነትን” (jobb- och utvecklingsgarantin)
  • ”ውሕስነት-ምዕባለ ንመንእሰያት” (jobbgarantin för ungdomar)
  • ”መትከል-እግሪ ፕሮግራም” (etableringsprogrammet)

ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ገንዘብ እትቕበል ወይ ንምቕባል ዘመልከትካ ምስ ትኸውን

ምሳና ቆፆሮ እንተልዩዎም ካልእ ቆፆሮ ከትሕዙ ኣለዎም። ሓድሓደ ትልማዊ ኣኼባታት ናብ ናተይ ገፃት (Mina sidor) ብምእታው ካልእ ቆፆሮ ከትሕዙ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ግዘ ኣብ ናተይ ገፃት ክቕይርዎ እንተዘይክኢሎም ብቻት ነቲ ቆፆሮ ደጊሞም ንምትሓዝ ክንሕግዞም ኢና፤ ኣብ ትሕቲ ይርከቡና (Kontakta oss) ዝብል ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ንሶም ከም ዝሓመሙ ወይከዓ ህፃውንቲ ከም ዝሕብሕቡ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም (a-kassa) ክነፍለጠሎም ኢና። ከምኡ እውን ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ኣብ ዝቐረበ ናይ ግዘ ሪፖርት ሓሚሞም ከም ዝነበሩ ወይከዓ ህፃውንቲ ይሕብሕቡ ከም ዝነበሩ ክመልኡ ኣለዎም። ኣብ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ጥዑይነት፣ ናቶም ወይ ናይ ውላዶም፣ ንዓና ምዝርራቦም ኣገዳሲ እዩ።

ንሶም ወይከዓ ውላዶም ንሓፂር እዋን እንተሓሚሞም፣ ንዓና ምፍላጥ ኣየድልዮምን፣ ኮይኑ ግና ካብ ክፍሊት ስራሕ ኣልቦነት ንካሕሳ ኣብ ዘመልክትሉ እዋን ኣብቲ ናይ ግዘ ሪፖርት ሓሚሞም ከም ዝነበሩ ወይከዓ ህፃውንቲ ይሕብሕቡ ከም ዝነበሩ ክመልኡ ኣለዎም።

ንሶም ወይከዓ ውላዶም ንልዕሊ ክልተ ሰሙን እንተሓሚሞ ንዓና ከረኽቡና (Kontakta oss) ኣለዎም። እዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ ድማ ብቻት እዩ፣ ኣብ ትሕቲ ይርከቡና ዝብል ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ንሶም ከም ዝሓመሙ ወይከዓ ህፃውንቲ ከም ዝሕብሕቡ ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ክነፍለጠሎም ኢና። ከምኡ እውን ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦነቶም ኣብ ዝቐረበ ናይ ግዘ ሪፖርት ሓሚሞም ከም ዝነበሩ ወይከዓ ህፅውንቲ ይሕብሕቡ ከም ዝነበሩ ክመልኡ ኣለዎም። ኣብ ናቶም ወይከዓ ናይ ውላዶም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ጥዑይነት ንዓና ምዝርራቦም ኣገዳሲ እዩ።

እንትሓሙ ወይከዓ ህፃናት እንትሕብሕቡ ካሕሳ ስራሕ ኣልቦነት ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን። ንናይ ሕማም ደገፍ (sjukpenning) ወይከዓ ግዚያዊ ናይ ወላዲ ደገፍ (tillfällig föräldrapenning) ንምምልካት ምስ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan) ምርኻብ የድልዮም።

ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ወይ ካብ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan) ገንዘብ ዘይትቕበል ምስ ትኸውን

ምሳና እንድሕሪ ድኣ ኣኼባ ኣሎካ እቲ ቆጸራ ክትቅይሮ ኣሎካ፡ ሓደ ሓደ ናይ ትልሚ ዝርርብ እንድሕሪ ድኣ ኣብቲ ናተይ ገጻት ማለት (Mina sidor) ምስ ኣቶኻ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ቆጸራ እንድሕሪ ድኣ ኣብቲ Mina sidor ኣቲኻ ክትቅይሮ ዘይክኣልካ በቲ ኣብቲ ትሕቲ ተወከሰና (Kontakta oss) ዝብል ዘሎ ብናይ ቀጥታ ዘተ ማለት chatt ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።