ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ምስራሕ

ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ እንዳተጸበኹም እንከለኹም፡ ክትሰርሑ ትኽእሉ ወይ ውን ስራሕ ንምርካብ ዘኽእለኩም ምድላዋት ትገብሩ።

ዑቕባ ሓቲተ መልሲ እንዳተጸበኹ ክሰርሕ ይኽእል#ዶ?

እወ። ዑቕባ ሓቲትኩም መልሲ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ክትሰርሑ ትኽእሉ እኳ እንተኾንኩም፡ ከምኡ ንምግባር ግን ብበዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትሰርሑ ምእንቲ ናይ ስራህ-ፍቓድ ኣየድልየኩምን እዩ ዝብል ምስክርነት ክህልወኩም ኣለዎ።

ከም ሓታቲ ዑቕባ ክትሰርሕ ምእንቲ እንታይ የድሊ ዝብል፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኢሚግረሽን ከምኡ ውን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ (Skatteverket) ኣቲኹም፡ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ከም ሓታቲ ዑቕባ መልሲ እንዳተጸበኻ ክትሰርሕ ዝምልከት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ኢምግረሽን (migrationsverke.se)

ከም ሓታቲ ዑቕባ መጠን ክትሰርሕን ሰሪሕካ ውን ደሞዝካ ክትወስድን፡ ኣብ ሽወደን ግብሪ ክትከፍልን፡ ብበዓል-መዚ ግብሪ ዝወሃብ ስርርዓዊ-ቊጽሪ (samordningsnummer) ክህልወኩም ኣለዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ስርርዓዊ-ቊጽሪ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ በዓል-መዚ ግብሪ (skatteverket.se)

ብመንገዲ jobskills.se ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምርካብ ተዳለዉ

Jobskills.se ዲጂታላዊ መሳለጥያ ኮይኑ፡ ኣብዚ ገጽ፡ ኣብ ህይወትኩም ኣቐዲሙኩም እንታይ ሰሪሕኩም ኔርኩምን እንታይ ዓይነት ዓቕሚታትን ተመኲሮታትን ኣለኩም፡ ትምዝግቡ። ነዚ ሓበሬታት`ዚ ብቋንቋኹም ኢኹም ትምዝግብዎ። ብድሕሪ`ዚ፡ ነቲ ዘመዝገብኩሞ ሓበሬታ ወሃብቲ-ስራሕ ከምዝርእይዎ ትገብሩን ብቋንቋ ሽወደን ውን ከተተርጒምዎ ትኽእሉን።

ዓቕምኹም ንምንጽብራቕን ስራሕ ንምርካብን Jobskills ብኸመይ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ፡ ኣብቲ ገጽ ኣቲኹም ብዝርዝብ ኣንብቡ።

Jobskills.arbetsformedlingen.se

ደሞዝን ግብርን

ዑቕባ ሓቲትኩም መስሊ እንዳተጸበኹም እንከለኹም ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ገንዘብ እትወስዱ ምስ እትኾኑ ስራሕ ምስ እትረኽቡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትሕብሩ ኣለኩም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እንዳሰራሕካ ሓገዝ ክትወስድ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ትምህርቲኹምን ተመኲሮታትኩምን ኣገምግሙ

ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ካልእ ሃገር ተመሃርኩም ወይ ውን ሰሪሕኩም ግን ምስክርነት የብልኩምን ድዩ? ዓቕምታትኩም ከተገምግሙን ኣብ ሽወደን እንታይ ባይታ ከምዘለዎን ክትርእዩ ትኽእሉ። እዚ መስርሕ ኣርጥቦት (validering) ይበሃል።

ዓቕምታትኩም ኣገምጊምኩም ተቐባልነት ከም ዝርከብን ግበሩ።