መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከም ስደተኛ፣ ደላይ ዑቕባ ወይ መቕርብ ናይ መንበሪ ፍቓድ ረኺብካ እንተ ዄንካ ኣብ ናትና መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ዕድል ኣለካ።

ትሕዝቶ መርበብ ወብሳይት

ቢሮ ግልጋሎት ይጎብንዩ

ናይ መንበሪ ፍቓድ ውሳኔ ምስ ተዋህበካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ንዓና ክትበጽሓና ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ ኣብ እቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ ክትሳተፍ ትኽእል እንተ ዄንካ ንውስን። እቲ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝተዋህበካ ውሳኔ ሒዝካዮ ንምምጻእ ዘክሮ። ድሕሪኡ ጥራይ ኢኻ ክፍሊት መትከል እግሪ ክትረክብን ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝመርሕ ንጥፈታት ክትጅምር ትኽእልን።

ቢሮ ግልጋሎት ይርከቡ

ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ኣውጽእ

ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ንምርካብ ምስ ብዓል መዚ ግብሪ ተራኸብ፡ ውልቃዊ መለለዪ ቍጽሪ ነዚ ዝስዕብ ኣድላዪ እዩ፦

  • ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት መትከል እግሪ ክኸፍለካ ንኽኽእል።
  • ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት
  • ንወረቐት መንነት ምምልካት
  • ንኤለክትሮኒካዊ መንነት ምምልካት
  • ኣብ እቲ ናይ መትከል እግሪ መደባት ንምስታፍ።

ብዓል መዚ ግብሪ (skatteverket.se)

ንኣኼባኻ ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ተቐራረብ

ናብቲ ኣኼባኻ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዝተዋህበካ ናይ መንበሪ ፍቓድ ውሳኔ ሒዝካዮ ትኸይድ። ንመንነትካ ዘረጋግጽ ገለ ነገር ሒዝካ ምምጻእ የድልየካ እዩ። ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ፡ ወረቐት መንነትካ ሒዝካዮ ክትመጽእ ኣለካ። ከምኡ’ውን ኣየኖት ስራሓት ከም ዝነበሩኻን እንታይ ከም ዝተምሃርካን ዘርኢ ወረቐት ምስክር ሒዝካ ምጻእ። ሕቶታት እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም ክትጽሕፎም ጽቡቕ እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ እንታይ የጋጥም?

ምስ ተራኸብና፡ ቅድሚ ሕጂ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበርካ፣ ትምህርትኻ፣ ዘለካ ተገዳስነትን ኣብ መጻኢ ግዜ እንታይ ክትሰርሕ ከም ትደልን ክትነግረና ኢኻ። ከምኡ’ውን ካብ ኵነታት ስድራኻን ጥዕናኻን ተበጊስና ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንምስታፍ ዘለዉኻ ተኽእሎታት ክንርእዮም ኢና። ካብ’ኡ ተበጊስና ድሕሪኡ ሓደ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝሓዘ ውጥን ነውጽእ።

ንዓኻ ስደተኛ፣ ደላይ ዑቕባ ወይ መቕርብ ዘይኮንካ

ስደተኛ፣ ደላይ ዑቕባ ወይ መቕርብ ናይ ሓደ ካብዚኦም እንተ ዘኮንካ፡ ምሳና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ናትና ኣገልግሎት ንኹሎም ኣብ ሽወደን ክሰርሑ መሰል ዘለዎም እዩ። ንኣብነት ሓገዝ ናይ’ዞም ዝስዕቡ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ምርካብ
  • ሽወደንኛ ምምሃር
  • ሓደ ዝሰማማዕ ትምህርቲ ምርካብ
  • ክእለትካ ንምርኣይ ኣብ ሓደ ስራሕ ምፍታን
  • ኣብ ሽወደን ምስራሕን ምንባርን ከመይ ምኳኑ ክትፈልጥ ምኽኣል
  • ኣበይ ኣብ ሽወደን ሓደ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ከም ዘለካ ርእይቶ ትረክብ።