ደሞዝን ረብሓታትን

ኣብቶም መብዛሕትኦም ናይ ስራሕ ቦታታት ሓንሳብ ኣብ ዓመት ናይ ደሞዝ ምይይጥ ክትገብር ዕድል ኣሎ። ኣብዚ ናይ ደሞዝካን ካልኦት ረብሓታትን መዳይ ምኽሪ ትረክብ።

ነቲ ሞያ ርኣዮ - ክንደይ ደሞዝ ኢኻ ክትሓትት ትኽእል?

እቲ ትሓቶ ደሞዝ ቅቡል ምዃኑ ከም ትፈልጥ ኣረጋግጽ ሓደ ጽቡቕ ምክሪ፡ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ማእከል ስታትስቲክ (Statistiska centralbyrån) መርበብ ሓበሬታ ምርኣይ እዩ። ኣብኡ በቲ ናትካ ሞያ ደሊኻ፡ ሓደ ቅኑዕ ናይ ደሞዝ ሕቶ ንምሕታት ኵሉ ዘድልይካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቃለመጠይቕ እቲ ወሃብ ስራሕ እቲ ናይ መጀመራታ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኔይሩ እዩ። ሽዑ ኣብ ሓደ ምኽኑይ ደረጃ ክትርከብ ዝቐለለ እዩ።

ቁሩብ ዝያዳ ውሰድ - ግን ኣብ ኣዚካ ትሑት ደረጃ ኣይትረከብ

እቲ ወሃብ ስራሕ ዋጋ ዕዳጋ ክገብር እንተ ጀሚሩ ንነብስኻ ቁሩብ መገላበጢ ሃባ። ስለዚ ካብቲ ዝተሓተ ደረትካ ሓደ ወይ ክልተ ሽሕ ክሮኑር ዝያዳ ምሕታት ቅኑዕ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ትኩር ኩን፡ ካልኦት ሰባት 25 000 ከም ዘእትዉ ኣንቢብካን ሓበሬታ ረኺብካን እንተ ዄንካ፡ 35 000 ክሮኑር ደሞዝ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ እንተ ጌርካ ነቲ ወሃብ ስራሕ ከተሰንብዶ ኢኻ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣዚኻ ትሑት ደረጃ ከይትርከብ ሕሰበሉ። ምናልባት ኣብ ቀጻሊ ናይ ደሞዝ ምይይጥ ካብቶም ከም ናትካ ዓይነት ተመኩሮ ዘለዎም ብጾትካ 2 000 ክሮኑር ትሒትካ ትርከብ ትኸውን። ሽዑ ክሳብ ንዕኦም ተርክቦም ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ንማሕበር ሰራሕተኛታት ሕተቶም ከምኡ’ውን ነቲ ናይ ሓባር ውዕል ርኣዮ

ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ሓደ ወኪል ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተ ኣሎ ኾይኑ ኣጣልል። ኣብኡ እቲ ትሓቶ ኣየናይ ከም ቅቡል ዝሕሰብ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናይቲ ሞያኻ ናይ ሓባር ውዑል ምንባብ ካልእ ጽቡቕ መንገዲ እዩ። ሽዑ እቲ ናይ ደሞዝ ኵነታትን ንኣብነት ናይ ትርፊ ሰዓታት ንዝምልክት ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉን ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ርግጽ ንሙዃን ተለማመድ

ናይ ደሞዝ ምይይጥ ምግባር ከጨንቕ ይኽእል እዩ። ስለዚ ቅድሚ ነቲ ወሃብ ስራሕ ምርካብካ ምልምማድ ልቦና እዩ። ምስ ዓርክኻ ወይ ዝሰማምዓካ ሰብ ኮፍ ኢልካ ንጕዳይካ ተማጎት። ነቲ ፍታሕ ዝረኸብካሉን ውጽኢቱን ናይ ምዱብ ዕዮኽ ጭቡጥ ኣብነት ኣብ ምሃብ ተለማመድ። ብዝያዳ ዝተለማመድካ፡ እቲ ግዚኡ ምስ ኣተወ ብዝያዳ ርግጸኛ ትኸውን።

ረብሓታት - እንታይ ከም ዘሎን ንስኻ እንታይ ክትሓትት ከም ትኽእልን

ብጀካ ደሞዝ ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ንሰራሕተኛታቶም ዘወፍይሎም ናይ ስራሕ ረብሓታት ኣሎዎም። ቍጠባዊ ሓገዝ ናት ጥዕና ክንክን ብመልክዕ ድርዛ (ማሳዥ) ናይ ጂም ካርድ ወይ ካልእ ምንቅስቃስ ኣካላት ብተዛማዲ ልሙዳት እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ክትሓቶ ትኽእል ነገራት ኣሎ።

ሓደ ወሃብ ስራሕ ዝልዓለ ደሞዝ ክህበካ እንተ ዘይተሰማምዐ፡ ተወሰኽቲ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክወሃበካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሕተት። እዚ ንኣብነት ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ንዝርኸብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዕረፍቲ ንምሳድ (klämdagar) ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ወሃብ ስራሕ ዕድል ናይ ኮርሳት ወይ ትምህርትታት ዝህብ እንተ ኾይኑ ሕተቶ። ሽዑ ነቲ ናትካ ብቕዓት ከተማዕብሎ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣብ መጻኢ ግዜ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናብ ስራሕካ ንምኻድ ርሑቕ ትጕዓዝ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ወሃብ ስራሕካ ብዛዕባ ስራሕ ብርሕቀት እንታይ መርገጺ ከም ዘለዎም ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ንናይ ወላዲ ውሕስነት መወሰኽታ ዝኸውን ነቲ መመላእታ ደሞዝ ዝብሃል ዘወፍያ ትካላት ኣሎዋ። እዚ፡ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክትወስድ ከለኻ ካብቲ ወሃብ ስራሕ ተወሳኺ ገንዘብ ትወሃብ ማለት እዩ።

ብናጻ ፍሩታ ኣሎ ድዩ ወይ እቲ ወሃብ ስራሕ ሪክስኩፖንገር የወፊ ድዩ? ኣብ ርእሲ እዚ ሓደ ሓደ ወሃብቲ ስራሕ ኣብቲ ናይ ረብሓ ጥቕላል እማመ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እውን ኣለዎም።

ነዞም ዝስዕቡ ኣወግድ

  • ንደሞዝካ ብዝምልከት ዝኾነ ናይ መጠረሽታ መጠንቃቕታ ኣይተቐብ። ነቲ ምይይጥ ከኽብዶ ይኽእል እዩ።
  • ኣብ ነብስኻ ተኣማመን ግን ኣዚኻ ብዙሕ ኣይትመባጻዕ።
  • ነቲ መጀመርታ ዝተረቝሐ ደሞዝ ኣይትቀበሎ። ዋላ’ውን በቲ ዝተርቝሐ ደሞዝ ዕጉብ እንተ ኾንካ፡ ናትካ ካብኡ ዝለለዝለዓለ ደሞዝ ክትሮቝሕ ክትፍትን ይኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ወሃብ ስራሕ ምእንቲ ዋጋ ዕዳጋ ክገብር ክኽእል እታ መጀመርታ ዝሮቝሓ ደሞዝ ትሕት ዝበለት እያ።

ናይ ሓባር ዉዕል

ሓደ ናይ ሓባር ዉዕል፡ ኣብ መንጎ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ወሃብ ስራሕን ዝግበር ስምምዕ እዩ። እዚ ነቲ ንስኻ ትሰርሖ ሞያ ይቈጻጸሮን ንዅሎም ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዘሎዉ ሰባት ይምልከቶምን እዩ። እቲ ናይ ሓባር ውዕል ንናትካ ደሞዝ፡ ናይ ትርፊ ሰዓት ክፍሊት፡ ናይ ወለዲ ደሞዝ፡ ጠለብ ናይ ኵነታት ኣብ እዋን ሕማም፡ ዕረፍቲ፡ ስራሕ ናይ ምቍራጽ መጠንቀቕታ ግዜ፡ጥሮታን መድሕናትን ይውስን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት - ናይ ሓባር ዉዕል እንታይ እዩ? (fackforbund.com)

ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነታት

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነታት ኣሎዉ። መበገሲኦም ግን ሓደ እዩ - ንሓደ ዕዮ ክትሰርሖን ናቱ ደሞዝ ክትክፈልን እዩ። ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ኣብነታት ኣሎዉ።

ናይ ስራሕ ምቝጻር ዓይነታት