መገልገሊ ስምን ኮድን ተጠቒምካ ምእታው
ኤ-ለጊቲማሹን (e-legitimation) እንተ ዘይብልካ፡ መገልገሊ ስምን ኮድን ተጢቒምካ መእተዊ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ስሉጥን ዝሓሸን ኣገልግሎት ይህበካ። እቲ መእተዊኻ፡ ምስ ኤ-ለጊቲማሹን ኵሉሳዕ ከተተኣሳስሮ ትኽእል ኢኻ።
መእተዊ ኮድ ምውጻእ
መእተዊ ኮድ ንምውጻእ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኻን ኢ-መይልካን ምምላእ ከድልየካ’ዩ። መገልገሊ ስምን ኮድን ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ። ነዚ ዚስዕብ ክትሓስበሉ የድልየካ፡-
- እቲ መገልገሊ ስም 6 ፊደል ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ፋልማይ ፊደል ዓቢ (stor bokstav) ፊደል ይኸውን።
- ኮድ እንተ ወሓደ 7 እንተ ዛየደ ከኣ 14 (ፊደላት ወይ ኣሃዛት) ይህልዎ። ግድን ክልቲኡ፡ ማለት ኣሃዛትን ፊደላትን ዘለዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግድን እንተ ወሓደ ሓደ ንኡስ ፊደል፡ እንተ ወሓደ ሓደ ከኣ ሓደ ዓቢ ፊደል ኪኸውን ኣለዎ።