መገልገሊ ስምን ኮድን ተጠቒምካ ምእታው

ኤ-ለጊቲማሹን (e-legitimation) እንተ ዘይብልካ፡ መገልገሊ ስምን ኮድን ተጢቒምካ መእተዊ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ስሉጥን ዝሓሸን ኣገልግሎት ይህበካ። እቲ መእተዊኻ፡ ምስ ኤ-ለጊቲማሹን ኵሉሳዕ ከተተኣሳስሮ ትኽእል ኢኻ።

መእተዊ ኮድ ምውጻእ

መእተዊ ኮድ ንምውጻእ፡ ውልቃዊ ሓበሬታኻን ኢ-መይልካን ምምላእ ከድልየካ’ዩ። መገልገሊ ስምን ኮድን ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ። ነዚ ዚስዕብ ክትሓስበሉ የድልየካ፡-

  • እቲ መገልገሊ ስም 6 ፊደል ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ፋልማይ ፊደል ዓቢ (stor bokstav) ፊደል ይኸውን።
  • ኮድ እንተ ወሓደ 7 እንተ ዛየደ ከኣ 14 (ፊደላት ወይ ኣሃዛት) ይህልዎ። ግድን ክልቲኡ፡ ማለት ኣሃዛትን ፊደላትን ዘለዎ ኪኸውን ኣለዎ። ግድን እንተ ወሓደ ሓደ ንኡስ ፊደል፡ እንተ ወሓደ ሓደ ከኣ ሓደ ዓቢ ፊደል ኪኸውን ኣለዎ።

ሕሳብ ምኽፋት

ብኮድ ክትኣቱ ከለኻ ዘጋጥሙ ልሙዳት ጸገማት

መእተዊ ኮድካ እንተ ረሲዕካዮ

ብኢመይል ሓድሽ ኮድ ኪወሃበካ፡ መገልገሊ ስምካ ወይ ምስቲ መእተዊ ዚተኣሳሰር ኣድራሻ ኢመይልካ ምምላእ ከድልየካ’ዩ።

መእተዊ ኮድካ እንተ ረሲዕካዮ ዲኻ፧

መእተዊ ኮድ ወይ መገልገሊ ስም ዘይሰርሕ እንተ ኮይኑ

  • ናይታ ኮምፕዩተር ‘Caps Lock’ ተጸቒጡ ከይህሉ ተቘጻጸር። መገልገሊ ስምን ኮድን፡ ዓበይትን ንኡሳትን ፊደላት ይፈልዩ’ዮም።
  • መገልገሊ ስምን ኮድን ብኮምፕዩተር ቀዲሕካ ትጥቅዖ እንተ ኾይንካ፡ እቲ ናይ ቃላት መፍለዪ ጋግ እውን ምስኡ ኪስዕብ ይኽእል’ዩ። መገልገሊ ስምን ኮድን ብኢድካ ጽሒፍካ ከተስፍሮ ይምረጽ።
  • ንዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ብኮድ ከይኣተኻ እንተ ጸኒሕካ፡ ኵሉ ዝዓቘርካዮ ሓበሬታ ይድምሰስ። ንዓሰርተው ክልተ ሰሙናት ብኮድ ከይኣተኻ እንተ ጸኒሕካ፡ ወሃብቲ ስራሕ ኣናድዮም ኪረኽቡኻ ኣይክእሉን። በብእዋኑ ኮድካ ተጠቒምካ እቶ።

ኮድካ ቀዪርካዮ ክነስኻ ክትኣቱ እንተ ዘይክኢልካ

ኮድካ ምስ ቀየርካዮ፡ እቲ ሓድሽ ኮድ ኪሰርሕ ኣስታት ሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ ይወስድ። ቍሩብ ጽንሕ ኢልካ ፈትኖ።

መእተዊ ኮድ ከተውጽእ ከለኻ ዘጋጥሙ ልሙዳት ጸገማት

ኣድራሻ ኢ-መይል ወይ ኣድራሻ ቡስጣ ብጌጋ ተጻሒፉ’ሎ

  • ኣድራሻ ኢ-መይል በቲ ዚግባእ መልክዕ ተጻሒፉ ምህላዉ ኣረጋግጽ።
  • እቲ ቍጽሪ ቡስጣ፡ ምስቲ ዝመላእካዮ ኣድራሻ ቡስጣ ዚሳነ ኪኸውን ኣለዎ።

እቲ መገልገሊ ስም ቅቡል ኣይኮነን

  • እቲ መገልገሊ ስም ብዓቢ ፊደል ከም ዚጅምር ኣረጋግጽ።
  • እቲ መገልገሊ ስም እንተወሓደ 6 እንተ ዛየደ ከኣ 48 ፊደላት ወይ ኣሃዛት ዝሓዘ ከም ዝኾነ ኣረጋግጽ።
  • እቲ መገልገሊ ስም ብኻልኦት ሰባት ትሑዝ ኪኸውን ይኽእል። ካልእ መገልገሊ ስም ፈትን።

እቲ ኮድ ቅቡል ኣይኮነን

  • እቲ ኮድ ካብ 7-14 ፊደላት ወይ ኣሃዛት ዝሓዘ ይኸውን።
  • እቲ ኮድ፡ ግድን ዓበይትን ንኡሳትን ፊደላት ከምኡውን ኣሃዛት ዝሓዘ ኪኸውን ኣለዎ።

ኤ-ለጊቲማሹን (E-legitimation)

ብኤ-ለጊቲማሹን ዚያዳ ጒዳያት ከተሳልጥ ትኽእል። ብኢንተርነት ኣብ እትኣትወሉ ግዜ መንነትካ ተመስክር፤ ንሕና ከኣ ኣብ ውልቃዊ ጕዳይካ ንሕግዘካ።

ኤ-ለጊቲማሹን (E-legitimation)፡ ባንክ-ኢደ (bank-id)