“ኤ-መንነት” (E-legitimation)፡ “ባንክ-መንነት” (bank-id)፡ “ፍረያ-መንነት” (Freja e-id)
ኣብዚ ታሕቲ፡ ”ኤ-መንነትን” (e-legitimation) ”ባንክ-መንነት-ወረቐትን” (bank-id) እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም እተውጽእን ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen)፥ መንነትካ ኣረጋጊጽካ መታን ናብ ”Mina sidor” ክትኣቱ (logga in) ክትክእል፥ ”ኤ-መንነት” (e-legitimation) ኢኻ ትጥቀም”።
”ኤ-መንነት” ተጠቒመ ብኸመይ ጌር ክኣቱ እኽእል?
ናብ ”arbetsformedlingen.se” ብኽልተ መገዲ ጌርካ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
- እቲ ዝቐለለ ”ኤ-መንነትካ” ተጠቒምካ ምእታው’ዩ። እቶም ልሙዳት ዝበሃሉ፥ ”mobilt bank-id”፡ ኣብ ኮምፕዩተር ትጥቀመሉ ”bank-id”፡ ”Freja e-id plus” ወይ ”Telia e-legitimation” እዮም።
- ብናይ ”ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) ”ምስጢራዊ-ኮድን” (lösenord) ጌርካ ውን ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ይኹን ኣብ ካልኦት ቦታታት ኮይንካ ናብ ናይ ቤ/ጽ ዕዮ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) ሎግ-ኢን(ንውሽጢ ክትኣቱ) ምስ ትደሊ፡ባንክ-ኣይዲ የድልየካ።
እዚ ”ኤ-መንነት” እንታ’ዩ?
”ኤ-መንነት” ዝበሃል፡ ሓደ ኣብ ኢንተርነት መንነትካ እተረጋግጸሉ፥ ናይ ”ኤሎክትሮኒክ ናይ መንነት ሰነድ” (elektronisk id-handling) ማለት’ዩ።
ነንበይኖም ዓይነታት ”ኤ-መንነታት” ኣሎዉ እዮም። እቶም ልሙዳት ዝበሃሉ፥ ”mobilt bank-id”፡ ኣብ ኮምፕዩተር ትጥቀመሉ ”bank-id” ኰይኖም፤ ካልእ ዓይነት ”ኤ-መንነት” ድማ እቲ ”Freja e-id” ዝበሃል እዩ።
ብኸመይ ”ኤ-መንነት” ክረክብ እኽእል?
ነቲ ”ኤ-መንነት” (e-legitimationen) ኣብ ”ስማርት-ፎን” (smartphone) ወይ ድማ ኣብታ ናትካ ”ኮምፕዩተር” ክትመልኦ ትክእል ኢኻ። ”ኤ-መንነት” ኣብ ቴሌፎንካ ኪህሉ ጽቡቕ’ዩ፥ ምኽንያቱ ድማ ኵሉ ጊዜ ”ኤ-መንነትካ” ምሳኻ ኣሎ ማለት’ዩ።
ናይ ”ባንክ-መንነት” ብኸምዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል
ናይ ”ባንክ-መንነት” (bank-id) ምርካብ፡ ኣብቲ ናትካ ”ኢንተርነት-ባንክ” (internetbank) ብምእታው ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኵሉ ዘድልየካ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ”ኢንተርነት-ባንክ” እንተ ደኣ ዘይብልካ ዄንካ፥ ናብ ሓደ ናብ ባንክ ኬድካ ሓግዙኑ በሎም። ናይ ”ባንክ-መንነት” ምርካብ/ምህላው ዘኽፍለካ ነገር የልቦን።
ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ”ባንክ-መንነት” ክተውጽኣሎም ትኽእል ባንክታት (bank-id.com)
ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” ብኸምዚ ዚስዕብ ክትረክብ ትኽእል
ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” (Freja e-id plus) ንምውጻእ ”ኢንተርነት-ባንክ” ኣየድልየካን’ዩ። ኣብቲ ”ኣድራሻ ኢንተርነት” ”ፍረያ ኤ-መንነት” (webbplats) ኣቲኻ፥ ብኸመይ ናይ ”ፍረያ ኤ-መንነት” (Freja e-id plus) ከም ትረክብ፡ ኣብኡ ክተንብብ ኢኻ።
ናይ ፍረያ ኤ-መንነት ኣውጽእ - Skaffa Freja e-id plus (frejaeid.com)
ነቲ ብናይ ”ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) ”ምስጢራዊ-ኮድን” (lösenord) ዝጥቀመሉ ”ኮንቶ”፡ ምስ ናተይ ”ኤ-መንነት” ክከተሓሓዝ ይኽእልዶ?
እወ፡ ይኽእል’ዩ። ከምዚ ዚስዕብ ግበር፡-
- ነቲ ”Logga in” ዚብል ጽቐጦ።
- ኣየናይ ”ኤ-መንነት” ክትጥቀም ከም ትደሊ ምረጽ።
- ብ”ኤ-መንነት” ጌርካ ነቲ ትኽክለኛ ዝዀነ መንነትካ ንምርግጋጽ፥ ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ ስዓቦ።
- ናይቲ ኣብ “arbetsformedlingen.se” ዘሎካ “ሕሳብ” (konto)፥ ነቲ ናትካ ናይ “ተጠቃሚ-ስምን” (användarnamn) “ምስጢራዊ-ኮድን” ምልኣዮ። ብድሕሪኡ ነቲ ”Koppla konto till bank-id/e-legitimation” ዚብል ጽቐጦ።
- ሽዑ ወዲእካ ኣሎኻ ማለት’ዩ! ከም ብሓድሽ ናይቲ ”ኤ-መንነት’ቲ” ተጠቒምካ፡ ናብቲ ”ሕሳብካ” (konto) ከም ትኣቱ ግበር።
ኣብ ካልእ ሕብረት ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይንካ ሎግ ኢን ግበር(መንነትካ ኣብ ኢንተርነት ኣረጋግጽ)
ኣብ ካልእ ናይ ኣዉሮጳ ሃገር ኴንካ ናይ መራኸብቲ ስራሕ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት እንድሕሪ ክትጥቀም ደሊኻ ምስ ናይ ሽወደን መለለይ ቁጽሪ (personnummer) ወይ ናይ መትሓባበሪ ቁጽሪ (samordningsnummer) ዝተኣሳሰረ ናይ ኤለትሮኒክ መንነት ወረቐት (e-legitimation) ከድልየካ እዩ። ናይ ድጂታልና ኣገልግሎት ብናይ ዓለም-ለኻዊ ኤለትሮኒክ መንነት ወረቐት ምጥቃም ኣይክኣልን እዩ።