Yrkesintroduktionsanställning

Yrkesintroduktionsanställning ምስ ዝወሃበካ፡ ሞያዊ ስልጠና ይወሃበካ፡ ተመኲሮታት ስራሕ ተጥሪ እዚ ኽኣ፡ ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ የጎላብቶ።

እንታይ

Yrkesintroduktionsanställning ምስ ዝወሃበካ፡ እንዳሰራሕካን ደሞዝካ እንዳወሰድካን፡ ዝኾነ ሞያ ትመሃር። እንዳሰራሕካ እንከለኻ ኣንፈት-ዘትሕዘካ ሰብ ውን ይምደበልካ። እንተወሓደ 15% ናይ ሰዓታት ስራሕካ ኣብ ትምህርቲ ወይ ውን ኣንፈት-ምትሓዝ ዝዓለመ ልምምድ ተጥፍኦ። እቲ ብኽምዚ መልክዕ ዝቆጽረካ ገለ ክፋል ደሞዝካ ብመልክዕ ድጎማ ይወሃቦ።

‘’ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’’ ቀዋሚ ስራሕ ወይ ውን ናይ ግዜ ደረት ዘለዎ ክኽውን ይኽእል። ‘’ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’’ እንተወሕደ ን 6 ኣዋርሕ እንተነውሐ ኸኣ፡ ን 12 ኣዋርሕ ክወሃበካ ይኽእል።

ንመን

‘’ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’’ ንኽወሃበካ ብዕድመ ትሕቲ 25 ዓመት፡ ንነዊሕ ብዘይስራሕ ኮፍ ዝበልካ ወይ ውን ሓድሽ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ክትከውን ኣለካ። ኣባና ከም ደላይ ስራሕ ዝተመዝገብካ ክትከውን የድልየክ። ከምኡ’ውን ገለ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ከተማልእ የድልየካ

  • ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 24 እትርከብ ናይታ ሞያ ተመኲሮ ዘይብልካ።
  • ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 24 እትርከብ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ 4 ወርሒ ግዜ ብውሑዱ 90 ከም ደላይ-ስራሕ ምሳና ተመዝጊብካ ዝጸናሕካ።
  • ብዕድመ 25 ዝመላእካ ኮይንካ ን12 ኣዋርሕ ዝኽውን ብዘይስራሕ ኮፍ ኢልካ ዝጸናሕካ።
  • ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጻእካን ኣብ etableringsprogrammet ትሳተፍ ኣሎኻ ወይ ሓደ etableringsplan ኣሎካ።
  • ናብ ሽወደን ሓድሽ ዝመጻእካ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 36 ኣዋርሕ መንበሪ-ፍቓድ ወይ ውን ከም ኣባል ስድራ ናይ ሓደ ዜጋ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ነርወይ፡ ሌኽተንስተይን ወይ ኣይስላንድ፡ ናይ ነባርነት ካርድ ዝወሰድካ።

እቲ ኣስራሒ ክቆጽረካ ምእንቲ ሓባራዊ-ውዕልን ከምኡ ውን ነቲ ጽላት ማእከል ዝገበረ ውዕል ‘’ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’’ ክህልዎ ኣለዎ።

እቲ መስርሕ ከምዚ ይመስል

  • ክቆጽረካ ዝኽእል ኣስራሒ ብመገዲኻ ወይ ውን ብኣና ኣቢልካ ርኸብ።
  • እቲ ኣስራሒ ሓባራዊ-ውዕል (ምስኡ ዝዳረግ ሓለፋታት ዝሓቖፈ -ሄንጋቭታል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውዕል) ከምኡ ውን ነቲ ጽላት ማእከል ዝገበረ ውዕል ‘’ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’’ ከምዘለዎ ኣረጋግጽ።
  • ብድሕሪ’ዚ ንስኻን እቲ ኣስራሕን ብሓባር ኮይንኩም ንመስርሕ ስልጠናኻ ዝምልከት ውጥን ትሕንጽጹ።
  • ነቲ ኣስራሒ ናባና መጠየቕታን ውጥን-ስልጠናን ክልእኽ ሓብሮ። ነቲ ኣስራሒ ጠቓሚ ዝኾነ ሓበሬታን እቲ መጠየቒ-ቕጥዒ ዝምልከት ሓበሬታን ኣብዚ ዝስዕብ ገጽ ኣለካ።

ምልላይ ምስ ሞያ ዝካተተ ናይ ስራሕ ዕድል’ - ተመኲሮ ዘይብሉ ሰብ ክትቆጽር እንከለኻ

ብድሕሪ’ዚ እቲ ናይ ምቊጻር ዕድል ይወሃበካ’ዶ ኣይወሃበካን እንውስን ንሕና ኢና። ስራሕካ ንኽትጅምር መንገዲ ናይ ምምድማድን እቲ ዝተሰማማዕኩምሉ ናይ ስልጠና ውጥን ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓልን ሓላፍነት ዝወስድ እቲ ኣስራሒ እዩ።

ደሞዝ

እንተወሓደ 75% ናይቲ ብመሰረት ሓባራዊ ውዕል ናይቲ ወሃቢ-ስራሕ ዝኽፈል ደሞዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እቲ ዝወሃበካ ደሞዝ፡ ክንደይ ዝኽውን ካብቲ ናይ ስራሕ ግዜኻ ኢኻ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ተሕልፎ ኣብ ዝብል ዝተመርኮሰ እዩ።

ሓለዋ መቝጸርቲ-ስራሕ

ብመሰረት ናይ ሓባር ውዕል ናይ ስራሕ ሙቝጻር ሓለፋታት ክህብ ቅዩድ እዩ።

ከምዚ ጌርካ ቀጻሊ ስጕምቲ ትወስድ

ምሳና ርክብ ግበር

እቲ ደገፍ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ስለምንታይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ምክንያት ንምሃብ ተቐራረብ።

እቲ ውሳነ

ብሓባር ኴንና ብዅነታትካ ንምርምሮ። ሓደ መራኸቢ ስራሕ እቲ ደገፍ ስራሕ ንምርካብ ዘሎካ ዕድል ንኽዓቢ ጽቡቕ ኣገባብ እንተ ኾይኑ ይግምግሞ።

ውሳነ

ኣየናይ ደገፍ ከም ነወፍየልካ እቲ ናትካ ኵነታት ከመይ ከም ዝመስል እዩ ዝውስኖ። ሓደ ደገፍ ንምርካብ መን መሰል ከም ዘለዎ ኣብ መጠረሽታ ብመንግስቲ እዩ ዝውሰን።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ