ግዴታነት ትምህርቲ – ንዓኹም ነቶም ትምህርቲ ንዘድልየኩም

ግዴታነት ትምህርቲ፡ ኣብ ሽወደን ሓደሽቲ ንዝዀኑ ንገለ ሰባት እዩ ዝምልከት። ግዴታነት ትምህርቲ ማለት ድማ ንስኻትኩም ስራሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎኹም ልዕል ምእንቲ ክብል፡ ክትምሃሩ ከድልየኩም ከሎ ማለት’ዩ። ኣብዚ ግዴታነት ትምህርቲ እትዋት እንተ ዄንኩም፡ ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ማለት ኮምቩክስ ወይ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ደረጃ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትሓቱ ኣለኩም ማለት’ዩ።

እንታይ

ኣብ ሽወደን መብዝሕትኡ ዓይነት ስራሕ ንምርካብ፡ እቲ ደላዪ ሰብ ትምህርቲ ክህልዎ የድሊ እዩ። ብዘይ ትምህርቲ ግን እቲ ሰብ ስራሕ ኣልቦ ኰይኑ ንነዊሕ ክጸንሕ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብዚ ግዴታነት ትምህርቲ እትዋት እንተዄንኩም እትምሃርዎም:

  • sfi (ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛ)
  • ሓበሬታ ሕብረተሰብ ከምኡ’ውን
  • መሰረታዊ ወይ ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብጽፍሒ ካልኣይ ደረጃ ወይ ከኣ ሓፈሻዊ ስልጠና ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ። ካብቲ ክትምሃርዎም እትኽእሉ ዓይነታት ድማ ትምህርቲ ሞያ፡ ቍጽሪ፡ ወይ ከኣ ኣጠቓቕማ ኮምፕዩተር ወይ ኢንተርነት ዝምልከት ሓደ ስልጠና እዩ።

ንመን

ግዴታነት ትምህርቲ ንዓኹም ነቶም:

  • ኣብ መደብ መትከል እግሪ እትሳተፉ፡ ከምኡ’ውን
  • ውሑድ ትምህርቲ ንዘሎኩምን
  • ቤት ጽሕፈት መራኸቲ ስራሕ፡ ኣብ እዋን መደብ መትከል እግሪ ብምኽንያት ዋሕዲ ትምህርቲ ስራሕ ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም ዝብል ገምጋም ንዝገበረልኩም።

ውሑድ ትምህርቲ ማለት፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣይወዳእኩምን ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ንኣብነት ኣብ ሃገርኩም፡ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ጀሚርኩምሲ ዘይወዳእኩም ክትኰኑ ትኽእሉ፡ ወይ ከኣ ትምህርቲ መባእታ ጥራይ ዝተመሃርኩም’ውን ክትኰኑ ትኽእሉ፡ ወይ’ውን ፈጺምኩም ቤት ትምህርቲ ዘይጀመርኩም’ውን ክትኰኑ ትኽእሉ ማለት’ዩ።

ብኸምዚ እዩ ዘሰርሕ

ኣብ ግዴታነት ትምህርቲ እትዋት ምስ ኰንኩም ኣብቲ ውጥንኩም ገለ ንጥፈታት ክወሃበኩም እዩ። ነቶም ንጥፈታት ኣብ Mina sidor ምስ ኣተኹም ክትርእይዎም ትኽእሉ ኢኹም።

እቶም ንጥፈታት ከምዚ እዮም ዝመስሉ:

Aktivitet i Mina sidor

እቶም ንጥፈታት ንስኹም ኣብ ምምሕዳር ኮሙን ዝርከብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ወይ ድማ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ረኺብኩም ሓደ ሓፈሻዊ ዝብሃል ስልጠና ክትምዝገቡ ከም ዘለኩም ይነግር። እቶም ንጥፈታት ብግዴታ ክህልዉ ዘለዎም እዮም። ካብቲ ብሸነኽ ጸጋም ኣብ ታሕተዋይ ወገን ዘሎ ዕለት ኣቐዲምኩም ክትምዝገቡ ኣለኩም።

ትምህርቲ እንተዘይደልየ ወይ ደንጉየ እንተደለኹ እንታይ የጋጥም፧

ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ማለት komvux ወይ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ሓደ ስልጠና ደንጒኹም እንተደለኹም ካብቲ ዝወሃበኩም ክፍሊት መተካእታ መትከሊ እግሪ ክንከየልኩም ወይ መጠንቀቕታ ክትቅበሉ ትኽእሉ። እዚ ማለት ከኣ ካብ ማዕከን ውሕስነት ካሳ ዝወሓደ ክፍሊት ትቕበሉ ማለት እዩ።

ምሕባር ጸብጻባት ንጥፈት

ንሕና እቲ ንጥፈታት ከመይ ይኸደልኩም ከም ዘሎ ምእንቲ ክንፈልጥ፡ ነቲ መሐበሪ ጸብጻብ ንጥፈታት ዝዀነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክትመልእዎ ኣለኩም። ኣብቲ መሐበሪ ጸብጻብ፡ ክትምልስዎ ዘሎኩም ሰለስተ ንጥፈታት ክህልወኩም እዩ።

ነዚ ዝስዕብ ምስ ገበርኩም፡ ኣብቲ መሐበሪ ጸብጻባት ንጥፈትኩም፡ ኣብታ klar እትብል ምልክት ግበሩ:

  • ኣብ ምምሕዳር ኮሙን ወይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ፡ ድለዩ
  • ኣብ ትምህርቲ ተቐቢሎሙኒ ኣለው
  • ትምህርቲ ጀሚረ እየ

ኣብታ ምልክት እትገብሩላ ከምዚ እያ እትመስል:

Kryss i aktivitetsrapporten

ኤለክትሮኒካዊ መንነት e-legitimation ዘይብልኩም እንተ ዄንኩም

ኤለክትሮኒካዊ መንነት e-legitimation ዘይብልኩም እንተ ዄንኩም ንጸብጻብኩም ኣብ ወረቐት ዝተዳለወ መሕትት ትመልእዎ። ነቲ መሕትት ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:

መሕትታት

ጸብጻባት ንጥፈታትኩም ብመሕትት ጌርኩም ወይ’ውን ብቓል ተቕርቡ እንተ ዄንኩም፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ከም ዝሓተትኩም፡ ተቐቢሎሙኹም እንተ ዀይኖም፡ መዓስ ከም እትጅምሩን ንቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ከተርእይዎ ኣለኩም።

ከምዚ ጌርካ ኤ-መንነት (e-legitimation) ትረክብ።

ቍጠባዊ ደገፍ

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፉ ከለኹም ንመትከሊ እግሪ ዝኸውን መተካእታ ክፍሊት ካብ ማዕከን ውሕስነት ካሳ፡ ትሓቱ።

ኣብ ግዴታነት ትምህርቲ ክትሳተፉ ከለኹም’ውን ሓደ ዓይነት እዩ። ሽዑ እቲ ትምህርቲ እዩ ኣብ መደብ መትከሊ እግሪ ከም ንጥፈት ዝምዝገብ፡ ንስኹም ድማ ንመትከሊ እግሪ ዝኸውን መተካእታ ክፍሊት ካብ ማዕከን ውሕስነት ካሳ ምሕታት ትቕጽሉ።

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፉ ከለኹም ዝወሃበኩም ክፍሊት

ርኸቡና

እንታይ ከም እትገብሩ ርግጸኛታት እንተዘይኴንኩም፡ በዚ ተሌፎን እዚ 0771-416 416 ደዉሉልና ኢኹም።

ኣብ መደብ መትከሊ እግሪ እትዋት እንተዄንኩምን እሞ ድማ ካብ ቋንቋ ሽወደን ወጻኢ ብኻልእ ቋንቋ ሓበሬታ ትደልዩ እንተዄንኩም በዚ 0771-860 100 ደዉሉልና።

ብዛዕባ ግዴታነት ትምህርቲ ዝምልከት ፊልምታት ረኣዩ ፖዳራት’ውን ስምዑ

ፊልም: ትምህርቲ ኣገዳሲ እዩ!

ቋንቋ ሽወደን

ዓረብ

እንግሊዝኛ

ፐርሽያ

ፊልም: ግዴታነት ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

ቋንቋ ሽወደን

ዓረብ

እንግሊዝኛ

ፐርሽያ

ፖድ ሓድሽ ኣብ ሽወደን

ኣብዛ ሓድሽ ኣብ ሽወደን እትብል ፖድ ብዛዕባ ግዴታነት ትምህርቲ ዝምልከት ክፋል ክትሰምዑ ትኽእሉ።

ሓድሽ ኣብ ሽወደን ፖድ