ኣብቲ ትሓመሉ ጊዜ

እንተ ደኣ ሓሚምካ ወይ ንዝሓመመ ቆልዓ ክትኣሊ ዄንካ፥ ”ንቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen) ክትሕብሮም ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ኣበየናይ ኩነታት ክትገብሮ ከም ዘድልየካ ዚውስን፥ እቲ ዓይነት ገንዘብ ትቕበል (ersättning) ከም ዝዀንካ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ካብቶም ”ፕሮግራማትና” ትሳተፍ ምስ ትኸውን፥ ኵሉ ጊዜ ከም ዝሓመምካ ናባና ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ/ኪ እዩ።

ኣብ ሓደ ”ፕሮግራም” ኣብ ትሳተፈሉ ጊዜ

ኣብቶም ዝተመደቡልካ ”ንጥፈታት” ንምስታፍ ምስ ዘይትኽእል፥ ገና ኣብታ ዝሓመምካላ ቀዳመይቲ ዕለት፡ ናባና ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ከምኡ ምስ ዘይትገብር/ሪ፡ ናይቲ ዝሓመምካሉ እዋናት፡ ዝዀነ ገንዘብ ኣይክትቅበልን ኢኻ። ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንዝነውሕ ጊዜ ምስ ትሓምም፥ ገንዘብ መታን ክትቅበል ክትእል፥ ናብ ”ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ” (Arbetsförmedlingen)፥ ናይ ሓኪም-ወረቐት ክተቕርብ ከድልየካ’ዩ።

ንዝሓመመ ቆልዓ ንምእላይ ብማለት፡ ኣብ ገዛ ምስ ትጸንሒ ውን፡ ክትሕብርና የድሊ’ዩ። ”ናይ ሕማም ምልክታን” ከምኡ ውን ንዝሓመመ ”ቆልዓ ናይ ምእላይ ምልክታን”፥ ብቐሊሉ ኣብቲ ናትና ኣድራሻ ኢንተርነት (webbplats) ክትገብርዮ ኢኺ።

ኣብ ሓደ ”ፕሮግራም” ትሳተፍ ምስ ትህሉ?

ንስኻ ብመልክዕ ”ደገፍ-ንጥፈታት” (aktivitetsstöd)፡ ”ናይ ምዕባለ ገንዘብ” (utvecklingsersättning) ወይ ውን ናይ ”ደገፍ-እግሪ ምትካል” (etableringsersättning) ሓገዝ ገንዘብ ትቕበል ምስ ትኸውን፥ ኣብ ሓደ ”ፕሮግራም” ትሳተፍ ኣሎኻ ማለት’ዩ።

እቶም ዘሎዉና ”ፕሮግራማት” እዞም ዚስዕቡ’ዮም፡-

  • ”ትምህርቲ ዕዳጋት-ስራሕ” (arbetsmarknadsutbildning)
  • ግምገማን-ምርግጋጽን ፍልጠት (Validering)
  • ”ልምምድ-ስራሕ” (arbetspraktik)
  • ”ኩባንያ ንኽትከፍት ዚግበረልካ ድገፍ” (stöd till start av näringsverksamhet)
  • ”መዳለዊ ዝኸውን ናይ ሓገዝ ስጕምቲታት” (förberedande insatser)
  • ”ፕሮጀክት - ናይ ዕዳጋ-ስራሕ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘሎዎ” (projekt med arbetsmarknadspolitisk inriktning)
  • ”ስራሕን- ናይ ምዕባለ ውሕስነትን” (jobb- och utvecklingsgarantin)
  • ”ውሕስነት-ምዕባለ ንመንእሰያት” (jobbgarantin för ungdomar)
  • ”መትከል-እግሪ ፕሮግራም” (etableringsprogrammet)

ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ገንዘብ እትቕበል ወይ ንምቕባል ዘመልከትካ ምስ ትኸውን

ነቲ ምሳና ዘሎካ ናይ ርክብ ቆጸራ ክትቅይሮ ምስ ትደሊ፥ ብቐሊሉ በቲ ኣብ ትሕቲ ”Kontakta oss” ዚብል ”ቻተን” (chatten) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ድማ ንሕና፡ ነቶም ናትካ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa)፥ ከም ዝሓመምካ ወይ ዝሓመመ ቆልዓ ትኣሊ ከም ዘሎኻ ክሕብሮም ኢና። ኣብታ ቀዳመይቲ ዝጠዓኻላ ዕለት ወይ ውን ውላድካ ዝሓወየላ ዕለት፥ ምሳና ርክብ ጌርካ ክትሕብረና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

ንስኻ/ኺ ወይ ውላድካ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ምስ ትሓሙ፥ ኣብቲ ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ገንዘብ ንምቕባል ተመልክተሉ ጊዜ፥ ነቲ ”ብኵራት-ሕማም” (sjukfrånvaro) ወይ ”ቆልዓ ናይ ምእላይ ብኵራት” (vård av barn)፥ ኣብቲ ”ናይ ጊዜ ጸብጻብ-መቕረቢ ፎርም” (tidrapporten) ጥራይ ምምላእ ኣኻሊ እዩ።

ንስኻ/ኺ ወይ ውላድኩም፡ ካብ ክልተ ሰሙን ንዝነውሕ ጊዜ ምስ ትሓሙ፥ ምሳና ርክብ ክትገብሩ ይግብኣኩም’ዩ። እዚ ድማ ብቐሊሉ፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ” Kontakta oss” ዚብል ”ቻተን” (chatten) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ድማ ንሕና፡ ነቶም ናትካ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa)፥ ከም ዝሓመምካ ወይ ዝሓመመ ቆልዓ ትኣሊ ከም ዘሎኻ ክሕብሮም ኢና። ኣብታ ቀዳመይቲ ዝጠዓኻላ ዕለት ወይ ውን ውላድካ ዝሓወየላ ዕለት፥ ምሳና ርክብ ጌርካ ክትሕብረና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ።

ምስ ትሓምም ወይ ቈልዓ ምስ ዝሓመካ ንስራሕ ኣልቦኛ ዝወሃብ ክፍሊት ኣይወሃበካን እዩ።ካብ ንጥፈትካ ኣብ ትቦኽረሉ እዋን ንዝሓመሙ ዝወሃብ ክፍሊት-ሕማም(ሹክ ፔኒንግ) ወይ ንወላዲ ዝወሃብ ግዝያዊ ክፍሊት-ወላዲ(ፈርኤልድራ ፔኒንግ) ከተመልክት ምስ ትደሊ ንቤ/ጽ መድህን(ፈርሸክሪን ካሳን) ተወከሶ።

ካብ ”ስራሕ-ኣልቦነት ካሳ” (a-kassa) ወይ ካብ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan) ገንዘብ ዘይትቕበል ምስ ትኸውን

ምሳና ኣኼባ ኔሩካ፡ ቆጸራኻ ክትቅይር ምስ ትደሊ፥ ብቐሊሉ፡ በቲ ኣብ ትሕቲ ” Kontakta oss” ዚብል ”ቻተን” (chatten) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።