Utbildning på universitet, högskola och eftergymnasial nivå

ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላትካ ንኸተዛይድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ብደረጃ ድሕረ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብምምሃር ብቕዓትካ ከተዕቢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሽወደን ሓዲሽ እንተ ድኣ ኴንካን ብዙሓት ሰባት ዘድልዮ ሞያ እንተድኣ ኣለካ ኾይኑን፡ ዝያዳ ብዙሓት ዕድላት ኣለዉኻ።

ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ፕሮግራም ውሕስነት ስራሕን ምዕባለን

ኣብ jobb- och utvecklingsgarantin ካብ 450 ምዓልታት ንላዕሊ ተሳቲፍካ ኔርካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ yrkeshögskola፡ ኮለጅ፡ ዩኒቨርሲቲ ወይ folkhögskola ክትምሃር ዕድል ኣሎካ። ከም መሰረት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክህልወካ ኣሎዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ገለ መደብ ትምህርቲታት ተቐባልነት ክትረክብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲታት ዝወሰድካ ክትከውን’ውን ይግባእ።

መጀመርያ ነቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ ንምዕባይ እቲ ትምህርቲ የድሊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግምገማ ንገብር ኢና። ብድሕር’ዚ ንስኻ ባዕልኻ ኣብ’ቲ መደብ ትምህርቲ ንምእታው ተመልክት።

ጠቕላላ ን12 ኣዋርሕ ዝኸውን ኣብ ናይ ምሉእ ሰዓታት ክትማሃር ትኽእል።

ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ፕሮግራም መትከል እግሪ

ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ናይ etableringsprogrammet ፡ ኣብ ኮለጅ፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ወይ ናይ ሞያ ኮለጅ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። ከም መሰረት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክህልወካ ኣሎዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገለ ገለ መደብ ትምህርቲታት ተቐባልነት ክትረክብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲታት ዝወሰድካ ክትከውን’ውን ይግባእ። መብዛሕትኡ ግዜ እውን እኹል ኣፍልጦ ናይ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ክህልወካ ይግባእ።

መጀመርያ ነቲ ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ ንምዕባይ እቲ ትምህርቲ የድሊ ምዃኑን ዘይምዃኑን ግምገማ ንገብር ኢና። ብድሕር’ዚ ንስኻ ባዕልኻ ኣብ’ቲ መደብ ትምህርቲ ንምእታው ተመልክት።

ስናፕ ስፖር ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ

ሓድሽ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ምስ እትኸውን፡ እሞ ኸኣ ብዙሕ ሓይሊ-ሰብ ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ ሞያ (ሕጽረት-ሓይሊ ሰብ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሞያ) ተመኲሮ ወይ ትምህርቲ ዝቐሰምካ ምስ እትኸውን፡ ብቕልጡፍ ኣብ ስራሕ-ዓለም እትጽንበረሉ ዕድል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ብቕዓታዊ-ገምጋም፡ ግብራዊ ልምምድ ስራሕ፡ ልምምድ ቋንቋ ከምኡ’ውን ብፍሉይ ዝተዳለወ ተወሳኺ ትምህርቲ ከም ዝወሃበካ ብምግባር፡ ብቕልጡፍ ስራሕ ረኺብካ፡ ሕሉፍ ተመኲሮኻን ሞያዊ ትምህርትኻን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ዕድል ትረክብ።

እዚ snabbspår ይብሃልን ከም ኣብነት ድማ ንመምሃራን፡ ንመራሕቲ ከበድቲ ጽዕነት ማኪና፡ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ኣብ ጽላት ህንጻ ፡ ንሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዕንጸይቲ፡ ንከሻኒ መግብን ንኣብ ጽላት ክንክን ጥዕና ኣሎ። . እቲ ትምህርቲ ዝወስዶ ግዜ ብመሰረት እቲ ዝምልከቶ ሞያ ይፈላለ እዩ።

ብዛዕባ snabbspår ብዝያዳ ኣንብብ

ቍጠባዊ ሓገዝ

ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ውጥን ናይ ገለ ካብቶም ናትና ፕሮግራማት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብመልክዕ aktivitetsstöd, utvecklingsersättning ወይ etableringsersättning ክፍሊት ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ።

ተወሰኽቲ ደገፋት ርኸብ

ሓፈሻዊ ትምህርቲ